ዙር ርዋንዳ 2022፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ቅጥዕታት ጥዕና ብዘይምምልኣ ኣይክትሳተፍን'ያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣብቲ ካብ 20 ክሳብ 27 ለካቲት 2022 ዝካየድ ዙር ርዋንዳ ከም ዘይትሳተፍ ኣዳለውቲ እቲ ውድድር ብትዊተር ሓቢሮም።
መርበብ ሓበሬታ እቲ ዙር፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንቅጥዕታት መመርሒታት ጥዕና እቲ ውድድር ስለዘየማለአት ኣብቲ ውድድር ከም ዘይትሳተፍ ሓቢሮም ኣለዉ።
ፕረዚደንት ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ሃገረ ርዋንዳ ሜሩንዚ ዓበደላ ንቡኩራት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣመልኪቱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት እቲ ምኽንያት ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ክታበት ጸረ ኮሮናቫይረስ ዘይወሰዱ ከም ዝኾነ ገሊጹ።
ሜሩንዚ ዓበደላ "እቲ ምኽንያት ብዩሲኣይን [UCI] ብኣናን ንዝርገሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝሕግዝ ሕጋጋት ወጺኡ ኣሎ። እቲ ሕጊ እንታይ እዩ ዝብል፡ ዝኾነ ኣብቲ ውድድር ዝሳተፍ ተጻዋታይ ይኹን ኣባል ጋንታ ዝተኸተበ ክኸውን ከምዘለዎ ኣብቲ ሕጊ ሰፊሩ ኣሎ። ንሕና ከምዝተረዳኣና ኸኣ ኣብ ኤርትራ ጉዳይ ክታበት ቆላሕታ ዘይተውሃቦ ጉዳይ እዩ" ኢሉ።
ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ክታበት ዘይጀመራ ውሑዳት ሃገራት ኮይና፡ እታ ነዚ ውድድር ተካይድ ዘላ ርዋንዳ ግን ብብዝሒ ክታበት ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ተሰሪዓ ዘላ ሃገር እያ።
ኣብታ ሃገር 16 ሚልዮን ብልቓጥ ክታበት ክዝርግሕ እንከሎ 5.44 ሚልዮን ካብ ህዝባ ምሉእ ንምሉእ ዝተኸተበ እዩ፡ እዚ ማለት ካብ ብዝሒ ህዝባ እቲ 42 ሚኢታዊት ክልተ ግዜ ከምዝተኸተበ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።
ሜሩንዚ ዓበደላ፡ ኣብ ርዋንዳ ዘይተኸተበ ሰብ ናብ ህዝባዊ ቦታታት ክኣቱ ከም ዘይፍቀዶ'ዩ ንቢቢሲ ሓቢሩ "ኣብዚ ኣብ ርዋንዳ ንተቐዳደምቲ ብሽክለታ ጥራይ ዘይኮነ ዝኾነ ዘይተኸተበ ሰብ ነቲ ቫይረስ ንኸየላብዖ ናብ ህዝቢ ብብዝሒ ዝእከበሉ ቦታታት ክኣቱ ኣይፍቀዶን እዩ" ኢሉ።
ብምስዓብ "እዚ ሕጊ ኸኣ ንኹሉ ማዕረ እዩ ንኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝኾነት ካልእ ሃገራዊት ጋንታ፡ ወይ ክለብ ትኹን ውልቀ ተጻዋታይ ነቲ ብኣናን ብዩሲኣይን ወጺኡ ዘሎ ሕጊ ከማልእ እንተዘይክኢሉ ኣብዚ ዙር ክወዳደር ኣይክንፈቕደሉን ኢና"።
እዚ ብዩሲኣይ ኣፍልጦ ተዋሂብዎ ንመበል 14 ግዜ ክካየድ ውጥን ወጺእዎ ዘሎ ውድድር ካብ 2019 ጀሚሩ ናብ 2.1 ብዩሲኣይ ዝውሃብ መለክዒ [ሬስ ካታጎሪ] ምስ ተሰጋገረ፡ ምስ ዙር ጋቦን ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ ማዕረ ብምዃን ሓደ ካብ ዝሓየለ ዙራት ናይ ኣፍሪቃ እዩ።
ኣብ 2019 መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ 2020 ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ 2021 ኸኣ ስጳኛዊ ክሪስትያን ሮድሪገዝ ተዓዊተሙሉ ምንባሮም ዝዝከር እዩ።
ብዘይካ እዚ ዳነኤል ተኽለሃይማኖት'ውን ኣብ ቦኽሪ ሱታፌ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዙር ርዋንዳ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ኮይኑ ምንባሩ ይዝከር።
ኤርትራውያን ኣብ ዙር ሩዋንዳ ዓብላሊ ስም ዘለዎም ኮይኖም ኣብ ኩሉ ስታፌኦም ብሓፈሻ 24 ናይ መድረኽ ዓወታት ኣመዝጊቦም ይርከቡ።
ብኩራት ሃገራዊት ጋንታ ንውድድር ዙር ርዋንዳ ጣዕሙ ከየጉድሎ ኣይየስግእንዶ ኣብ ዝብል ሕቶ ሜሩንዚ ዓበደላ እወ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል'ዩ ብምባል'ዩ መልሲ ሂቡ።

ምንጪ ስእሊ, Mekseb
"ኤርትራውያን ተቀዳዳምቲ ኣብዚ ሃገር ብዙሕ ደጋፊ እዩ ዘለዎም፤ ብዙሕ ዓወታት'ውን ኣመዝጊቦም እዮም። ኣብዚ ወድድር ዘይምስታፎም ኸአ ጽቡቕ ኣይስምዓናን'ዩ" ኢሉ።
ብምስዓብ "እቲ ጸገም ግን እታ ሃገር ወይ ኤርትራውያን ስለዝኾኑ ኣይኮኑን ዘይሳተፉ ዘለዉ፡ ብግደ ሓቂ ብዙሓት ፕሮፌሽናላት ተጻወትቲ ኣብ ደገ ኣለዉዎም። ንሶም ዝተኸተቡ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፤ ስለዚ ንዐኦም ጠርኒፎም ብምምጻእ ክወዳደሩ ዝኽእሉ ይመስለኒ። ዝተኸተቡ እንተኮይኖም ንዓና ጸገም የብልናን" ብምባል ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ዙር ርዋንዳ ክተሳተፍ ዘለዎ ድሌት ገሊጹ።
ብዛዕባ እዚ ብወገን ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ዝተውሃበ ሓበሬታ የለን።
ኣብቲ ዙርዝሳተፋ ጋንታታት
ዎርልድ ቱር፡ ኢስራኤል ስታርት ኣፕ ነሽን።
ፕሮ ቲም፡ ቶታል ዳይረክት ኢነርጂ [ፈረንሳ]፡ ቢኤንድቢ ሆቴልስ [ፈረንሳ]፤ ቲም ኖቮ ኖርዲክ [ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ]፡ ኣንድሮኒ ግዮካሊ [ጣልያን]፡ ቡርጎስ ቢኤች [ስጳኛ]።
ዩሱኣይ ኮንቲነንታል ቲም፡ በንዲክሽን ሳይክሊንግ ቲም [ርዋንዳ] ፕሮ ታች ቲም [ደቡብ ኣፍሪቃ]፡ ባይክ ኤይድ [ጀርመን]፡ ቲኤስጂ ተራንጉኑ [ማሊዥያ]፡ ቲም ኮፕ [ኖርወይ]፡ ዋይልድ ላይፍ ጀነረሽን [ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ]፡ ቲም ኤስከይሴስ [ጀርመን]፡ ታርተሌቶ ኣይዞረክስ [በልጂም]።
ሃገራውያን ጋንታታት: ርዋንዳ፡ ኣልጀርያ፡ ሞሮኮን ዓባይ ብሪጣንያን።
መደብ ጸወታ
እቲ ውድድር ሸሞንተ መድረኻት ዝሓዘ ኮይኑ ተጻወትቲ ኣብ ሸሞንቲኡ መድረኻት 933.2 ኪሎ ሜተር ክሽፍኑ'ዮም።
ቀዳማይ መድረኽ፡ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ 4 ኪሎ ሜተር ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር
ካልኣይ መድረኽ፡ ኪጋሊ- ርዋማንጋን 148.3 ኪሎሜተር
ሳልሳይ መድረኽ፡ ኪጋሊ- ሩባቩ 152 ኪሎ ሜተር
ራብዓይ መድረኽ፡ ኪጋሊ- ጂኩምቢ 124.3 ኪሎ ሜተር
ሓሙሻይ መድረኽ፡ ሙሃንጋ-ሙሳንዘ 124.7 ኪሎ ሜተር
ሻዱሻይ መድረኽ፡ ሙሳንዘ-ኪጋሊ 152 ኪሎ ሜተር
ሻውዓይ መድረኽ፡ ኪጋሊ- ማውንት ኪጋሊ 152.6 ኪሎ ሜተር
ሻሙናይ መድረኽ፡ ኣብ ውሽቲ ኪጋሊ 75.3 ኪሎ ሜተር








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







