ኤርትራ ኣብ ቅድድም ብሽክሌታ ኣፍሪቃ መሪሕ ቦታ ዘለዋ ሃገር ምዃና ዘረጋገጸ ዓወታት ተቐዳደምታ

ቢንያም ግርማይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዋላ'ኳ እቲ ዝተጓናጸፎ ዓወት ኣብ ዓይኒ ዓለም እንተእተዎ፡ ኣእጋሩ ግን ካብ ፔዳለ ኣይተፈልያን

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ኣብ ሃገረ ቤልጂም ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ቻምፕዮና ቅድድም ብሽክሌታ ዓለም ትሕቲ 23 ዓመት ካልኣይ ብምውጻእ ንውልቁን ሃገሩን ብሩር መዳልያ ዝዓተረ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ፡ ዝያዳ ዓወት ንምጉንጻፍ ይህቅን ኣሎ።

እቲ ወዲ 21 ዓመት፡ ኣሰር ናይቲ ኣብ ዙር ፈረንሳ (ቱር ዲ ፍራንስ) ሻሙናይ ብምውጻእ ዝበለጸ ውጽኢት ዘመዝገበ ኣፍሪቃዊ ሊውስ ሜንቲስ እዩ ዝኽተል ዘሎ። እቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሜንቲስ ኣብቲ ኣብ 2013 ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ውድድር ካልኣይ ብምውጻእ ብሩር መዳልያ ረኺቡ ነይሩ።

ቢንያም፡ ነቲ ቀዳማይ ዝወጸ ኢጣልያዊ ፊሊፖ ባሮንቺኒ ተኸቲሉ ብሩር ምጭባጡ፡ ኤርትራ ኣብ ቅድድም ብሽክሌታ ኣፍሪቃ መሪሕ ቦታ ከምዘለዋ ዘረጋግጽ እዩ። ድሮ'ውን ካብኡ ንላዕሊ ንምግባር ንመጻኢ የቋምት ኣሎ።

"ብሩር ተዓዊተ ኣለኹ፡ ሓደ መዓልቲ ቀስተ-ደመና ማልያ [ንዓበይቲ ዕዉታት ዝወሃብ] ክወስድ ተስፋ እገብር- ምናልባት ኣብ 2025 ኣብ ርዋንዳ" ክብል ድሕሪ'ቲ ውድድር ተዛሪቡ ነይሩ።

"ቻምፕዮና ዓለም ኣብ ኪጋሊ ክካየድ'ዩ። ኣብኡ ክዕወት ድማ ተስፋ እገብር።"

ዋላ'ኳ እቲ ዝተጓናጸፎ ዓወት ኣብ ዓይኒ ዓለም እንተእተዎ፡ ኣእጋሩ ግን ካብ ፔዳለ ኣይተፈልያን።

ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እዚ [ብሩር መዳልያ] ንኹላትና ኤርትራውያን'ዩ" ድሕሪ ምባል "ንሕጂ ዓቢ ኮኾብ ኣይኮንኩን- ካባይ ዝዓብዩ ኣለዉ" ኢሉ።

ጽልዋ ኢጣልያ

ቢንያም ግርማይ ደድሕሪ ኢጣልያዊ ምእታዉ፡ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ቅድድም ብሽክሌታ ኣብ ኤርትራ ዘዘኻኽር ህሞት ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ- ብሽክሌታ ምስ መግዛእቲ ኢጣልያ ናብታ ሃገር ብምእታዉ።

"ኣብ ኤርትራ ብዙሓት ኢጣልያውያን'ዮም ነይሮም፡ ውድድር ድማ ጀሚሮም። ሰባት ድማ ነቲ ስፖርት ክፈትውዎ ጀሚርዎም" ይብል እቲ ኣብ ፈረንሳ፡ ስጳኛን ኢጣልያን ዝግበሩ ሰለስተ ዓበይቲ ዙራት ዝተሳተፈ ካልእ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ብርሃነ።

"ከምኡ ስለዝኾነ ድማ'ዩ እቲ ስፖርት ኣብ ኤርትራ ህቡብ ኮይኑ። ኣብ ዓመት 35 ናይ ውድድር መዓልታት ኣሎ፡ እዚ ድማ ብዙሕ'ዩ፡ ዳርጋ ሰንበት ሰንበት'ዩ። ደገፍትን ሜድያን ይመጹ። እዚ ድማ ንቅድድም ብሽክሌታ ክዓቢ ገይሩ።"

እቲ ህቡብነት፡ ኤርትራ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓሰርተ-ዓመታት፡ ኣብ ውድድራት ቻምፕዮና ኣፍሪቃ 6 ዓወታት ብምምዝጋብ ብኣህጉር ደረጃ ዕውቲ ክትከውን ኣኽኢሉዋ።

ናይታ ሃገር ዝዓበየ ዝላ ድማ ኣብ ዙር ፈረንሳ (ቱር ዲ ፍራንስ) 2015 እዩ ተረጋጊጹ። ዳኒኤል ተክለሃይማኖት ኣብቲ ውድድር ንፈለማ እዋን ትንኳዕ ማልያ (ንጎብለላት ዓቐብ ዝወሃብ) ክኽደን ዝበቕዐ ፈላሚ ኣፍሪቃዊ ኮይኑ። ወዲ 21 ዓመት ኮይኑ ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፈ መርሃዊ ቅዱስ'ውን፡ ናይቲ ደረጃ ዝነኣሰ ተቐዳዳማይ'ዩ ነይሩ።

"ናትናኤል፡ መርሃዊን ዳኒኤልን ነቲ ማዕጾ ከፊቶሞ" ክብል ቢንያም ነቶም ኣቐዲሞም ኣርኣያ ዝኾንዎ ዓበይቲ ብጾቱ ዘለዎ ናእዳ ይገልጽ። "ዳኒኤል ኣብ ፖድዮም ክድይብ እንከሎ ወዲ 15 ዓመት'የ ነይረ። ክዝክሮ እንከለኹ፡ ስምዒታዊ'የ ዝኸውን። ዓቢ ስጉምቲ'ዩ ነይሩ። ኣፍደገ ከፊቶም'ዮም።"

ቢንያም ግርማይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንጎቦታት ኣይግል ዝደፈረ

ቢንያም፡ ቅድሚ ናብ ፕሮፈሽናል ብሽክሌታ ተሰጋጊሩ ኣብ ሃገሩ ዓወታት ከምዝግብ ምጅማሩ፡ ብደገፍ ወለዱ፡ ስድራቤቱን መሓዙቱን ተተባቢዑ'ዩ ፈለማ ኣብ ማውንቴን ብሽክሌታ ተሰቒሉ።

ኣብ 2018 ከኣ፡ ኣብ ቻምፕዮና ኣፍሪቃ (ጁንየር)፡ ብውልቅን ጋንታን ምሉእ ዓወት ተጎናጺፉ።

ኣብቲ ኣብ ኣይግል፡ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ማእከል ብሽክሌታ ዩ-ኢ-ኣይ ዓለም ድማ ንዝነበሮ ክእለት ኣማዕቢሉ። እንተኾነ ግን እቲ ንእሽቶ ቢንያም ናፍቖት ዓዱ ኣይክኣሎን።

"ስድራይ ክረክብ ነይሩኒ። እንተኾነ ግን ዩ-ሲ-ኣይ ተረዲኦምኒ። ስለዚ ሰለስተ ወርሒ ገይረ፡ ብድሕሪኡ ንሰለስተ ወርሒ ናብ ሃገረይ ከይደ" ይብል።

"ከቢድ ኣይነበረን፡ ግና ኣቦኻን ኣዴኻን ትናፍቕ ኢኻ። ኣብቲ ድሕሪኡ ዝቐጸለ ዓመት ግን ለሚደዮ። "እዚ ስረሐይ'ዩ፡ ብሽክሌታ ክዝወር'የ ዝደሊ፡ ኣብ ኣውሮጳ ክወዳደር እደሊየ። እዚ ኸኣ ሕልመይ፡ ሕልመይ ድማ እነብር ኣሎኹ።"

እቲ ማእከል ነቶም ናብ ዝለዓለ ደረጃ ከይበጽሑ ዝጽገሙ ተወዳደርቲ ተቐቢሉ ዘስልጥን ኮይኑ፡ ኣብ ምዕባለ ቢንያም፡ መርሃዊ፡ ዳኒኤልን ናትናኤነን ዓቢ ግደ ተጻዊቱ'ዩ።

ኩሎም ኣብ እግሪ ጎቦታት ኣልፕስ ስዊዘርላንድ ስልጠና ረኺቦም፡ ተመክሮ ቀሲሞምን ናብ ዝቕጽል ደረጃ ዘብጽሖም ዕድላት ረኺቦምን'ዮም።

"እቲ ናይ ዩ-ሲ-ኣይ ማእከል እንተዘይህሉ፡ ምተዓገትና ነይርና፡ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ደው ምበልና" ይብል ናትናኤል። "ናይ ቢንያምን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ወለዶ ክዕወቱ'ዮም ዝቀዳደሙ፡ እዚ ድማ ንንኣሽቱ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ጽቡቕ ኣብነት'ዩ።

"ሕጂ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ከመይ ገይሮም ፕሮፈሽናል ይኾኑ'ዮም ዝሓስቡ። ኣነን ዳኒኤልን ምስ መጻእና፡ ዋላ ሓደ ፕሮፈሽናል ኣይነበረን። ናብቲ ደረጃ ንክንበጽሕ ብዙሕ ኢና ተቓሊስና።"

ነቲ ምስ በልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማርቸ-ዋንቲ-ጎበርት ዘሎ ቢንያም ሓዊስካ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኤርትራ ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃ ዝኾነ ቱራት ዓለም ዝወዳደሩ ኣርባዕተ ፕሮፈሽናል ተቐዳደምቲ ኣለዉዋ (መርሃዊ፡ ናትናኤልን ኣማኒኤል ገብረእዝጊኣብሄርን)።

ፈለምቲ ኣፍሪቃውያን ኣብ ዙር ፈረንሳ (ቱር ዲ ፍራንስ፡

  • 1950፡ ማርሰል ሞሊነስ፡ ጻዕዳ ኣልጀርያዊን፡ ኣባል ፈረንሳዊት ጋንታ ሰሜን ኣፍሪቃ (ኣልጀርያ ኣብቲ ፈረንሳ ዝነበረትሉ ግዜ)፡ ኣብ መበል 13 መድረኽ (ኒመስ) ዝተዓወተ
  • 2007፡ ሮበርት ሃንተር፡ ጻዕዳ ደቡብ ኣፍሪቃዊ፡ ኣብ መበል 11 መደረኽ (ሞንተፐሌር) ዝተዓወተ
  • 2013 ዳሪል ኢምፐይ፡ ጻዕዳ ደቡብ ኣፍሪቃዊ፡ ንፈለማ እዋን ብጫ ማልያ ዝወደየ ኣፍሪቃዊ (ድሕሪ 6ይ መድረኽ)። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ኣብ ኬንያ ዝተወልድ ብሪጣንያዊ ክሪስ ፍሩም ኣብቲ ውድድር ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ ነይሩ
  • 2015፡ ኤርትራዊ ዳኒኤል ተክለሃይማኖት፡ ንጉስ እምባታት ተባሂሉ ትንኳዕ ማልያ (ፖልካ) ዝወደየ ፈላሚ ኣፍሪቃዊ ኮይኑ