ጸባ ጡብ ኣደ፡ ፍጹም ዘይትካእን ምስ ኵነታት ዝቀያየርን ትሕዝቶኡ

ሓንቲ ያኖማሚ ኣደ ኣብ ብራዚል ኣብ ዝርከብ ማእከል ክንክን ጥዕና እናተጸበየት ኸላ ውላዳ ጡብ ተጥቡ

መብዛሕትና መዓልቲ ኣቦታት፡ መዓልቲ ኣደታት እናተባህለ ብደረጃ ዓለም ክኽበር ንፈልጥ ወይ ንሰምዕ ኢና። እንተዀነ፡ እቲ ካብ 1 ክሳዕ 7 ነሓሰ ዝዝከር ሰሙን ጡብ ኣደ ምዃኑ እንፈልጥ ክሳብ ክንደይ ንኸውን?

እተን ቀዳሞት ሸውዓተ መዓልታት ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ነሓሰ፡ ጸባ ጡብ ኣደ ዝኽበረለን እየን። ጸባ ጡብ ኣደ ምጥባው ንጥዕናን ድሕነትን ህጻናትን ዘለዎ ዓቢይ ረብሓታት ንምድንፋዕ፡ ኣብ 1992 ዝተጀመረ ወፍሪ 179 ሃገራት ከም ዘብዕላኦ ይፍለጥ።

ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባ ጡብ ኣደ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ቀመር ጸባ ንእሽቶ ክንብለኩም ፈቲና።

መዓልታዊ ዝልወጥ ጸባ ጡብ

ጸባ ጡብ፡ ሓደ ህጻን መጀመርታ ክምገቦ ዝግባእ ብሉጽ ምርጫ እዩ (ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሕጻናት ኣብተን ናይ መጀመርታ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ምሉእ ብምሉእ ክጥቡ ከም ዘለዎም ይላቦ)።

ብቐንዱ ማይ፡ ስብሒ፡ ፕሮቲን፡ ቫይታሚናት፡ ማዕድናት ከምኡ’ውን ንስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ ዝሕግዙ ኤንዛይማትን ሆርሞናት ዝሓዘ እዩ። ካብ ኣደ ዝርከብ ሕማም ዝከላኸሉ ጸረ-ኣካል ስለዘለዎ፡ ረኽሲ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ'ውን ኣለዎ።

ጸባ ጡብ ከም ኵነታቱ ዝለዋወጥ ባህሪ እውን ኣለዎ። ንኣብነት ካብ ናይ ንግሆ ብዝያዳ ድሕሪ ቐትርን ምሸትን ስብሒ ዝመልኦ ይኸውን። ኣብ እዋን ምጥባው እውን ይፈላለ። እቲ ሕጻን ክጠቡ ክጅምር እንከሎ እቲ መጀመርታ ዝፈስስ ጸባ ቐጢንን ብላክቶስ ዝበልጸገን ስለ ዝዀነ እቲ ንምስታይ ቀሊልን ጽምኢ ዘርውን ይኸውን።

ብድሕሪኡ ዘሎ ጸባ፡ ክሬም መሳሊን ስብሕን ዝሓዘ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ህጻን ንኽጸግብ ይገብሮ። እዚ ከከም ኵነታቱ ዝለዋወጥ ባህሪ፡ ካብቲ ጸባ ጡብ ብዝዀነ ይዅን ዝተመስርሐ ጸባ ክትካእ ዘይኽእለሉ ሓደ ምኽንያታት እዩ።

"ጸባ ጡብ፡ ኣብ እዋን ምጥባው፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መዓልቲ፡ ምጥባው ተጀሚሩ ክሳብ ዝውዳእ ከምኡ'ውን ምስ ዓይነትን ኵነታት ኣመጋግባኣ ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ይፈላለ እዩ፡" ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን ፕሮፌሰር ኣመጋግባ ሕጻናት ዝዀነት ሜሪ ፊውትረል።

ጸባ ጡብ ኣደ ፍሉይ ዝገብርዎ ከም ሆርሞን፡ ዋህዮታትን ንኣሽቱ ፍሕሶታት ጀነቲካዊ ንጥረ ነገርን ዝኣመሰሉ መኣዛታትን ተዋጽኦታት ከምዝዀኑ ሜሪ ፊውትረል ተብርህ። "ክሳዕ ሕጂ ግደ እዞም ኵሎም ተዋጽኦታት እንታይ ከም ዝዀነ ምሉእ ብምሉእ ኣይተረዳእናዮን። ... ምናልባት እታ ኣደ ነቲ ህጻን ብዛዕባ ተመክሮኣን ኣከባቢኣን ሓበሬታ ተመሓላልፈሉ መገዲ ክኸውን'ውን ይኽእል። ጸባ ጡብ ምጥባው 'እቲ ሓደን ቀንድን መግቢ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ በዚ ምኽንያት እዩ።"

ይዅን እምበር፡ ብዝሒ እቶም ኣብተን መጀመርታ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ምሉእ ብምሉእ ጸባ ጡብ ኣደኦም ጥራይ ዝምገቡ ህጻናት ከም እቲ ዝድለ ከም ዘይኰነ ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ይሕብሩ። ሰበ ስልጣን ጥዕና ንኣደታት ዝያዳ ደገፍ ብምሃብ እዚ ቝጽሪ ክብ ንኽብል ይፍትኑ ኣለዉ።

ውላድ ምምጋብ ጥራይ ዘይኮነስ ጥዑይ ሃዋህው መነባብሮ እውን ምፍጣር ኣገዳሲ እዩ

ናብ ዝሓሸ ቀመር ጸባ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ መበል 19ን መጀመርታ መበል 20ን ክፍለዘመን ጡጦ ምምጋብ ድሕነት ዘለዎ ኣማራጺ ኣይነበረን። ኣብ 1865 ኣርባዕተ ቐንዲ ተዋጽኦታት (ጸባ ላም፡ ስርናይ፡ ቡቕሊን ፖታሲየም ባይካርቦነትን) ተጠቒምካ፡ ብቐመር ዝምስራሕ ጸባ ህጻናት ንንግዲ ምድላው ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ትሕዝቶኡ ብዘደንቕ መገዲ ተዀሊዑ እዩ።

እሞ ደኣ ሎሚ ብቐመር ዝምስራሕ ጸባ ካብ ምንታይ እዩ ዝዳሎ?

ከም እኒ ጸባ ላም ወይ ጤል (መብዛሕትኡ ግዜ ላህመቱ ዝተገፍፈን ከም ጸባ ጡብ ስብሒ ዘይብሉን) ከምኡ'ውን ከም ተምሪ፡ ሱፍን ስብሒ ኣሲድን ካብ ዝኣመሰሉ ምንጪታት ስብሒ ይዳሎ።

ኣብ ጸባ ጡብ ኣደ፡ እቲ ቀንዲ ባእታ ካርቦሃይድረይት ላክቶስ እዩ። ኣብ ቀመር ጸባ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ላክቶስ ናብቲ ላህመቱ ዝተገፈፈ ሕሩጭ ጸባ ክውሰኽ ይግበር። ማልቶዴክስትሪን (ካብ ዕፉን ወይ ካብ ድንሽ ዝወጽእ ካርቦሃይድረይት) እውን ይውሰኽ እዩ።

ኣብ ብሪጣንያ ግሉኮስ ወይ ሽኮር ብስሩዕ ኣይውሰኽን፤ ኣብ ኣሜሪካ ግን ሽኮር ዝያዳ ይጥቀሙ። እዚ ድማ ኣብ ዕሸላት ምብልሻው ስኒ ስለ ዘስዕብ ጸገም ክህልዎ ይኽእል እዩ።

ኣብ ጸባ ጡብ ኣደ ወይ (whey) ከምኡ’ውን ካሴን (casein) ዘተበሃሉ ቀንዲ ፕሮቲናት ይርከቡ። እቲ ህጻን እናዓበየ ክኸይድ እንከሎ መጠን እዞም ፕሮቲናት እውን ይቕየር እዩ። ብተወሳኺ ላክቶፈሪን ዝበሃል ብፍላይ ኣብ ልግዐ (እታ ኣደ ድሕሪ ሕርሳ ተፍርዮ ናይ መጀመርታ ጸባ) ብዝለዓለ ትሕዝቶ ዝርከብ ዓይነት ፕሮቲን እዩ።

ብዝሕን ውህደትን ፕሮቲን ኣብ ብቐመር ዝተመስርሐ ጸባ ኣብቲ ጸባ ላምን ኣጣልን ተመርኲሱ ይፈላለ እዩ። ጸባ ላምን ይዅን ጤል ካብ ጸባ ጡብ ዝለዓለ ናይ ወይ (whey) ከምኡ’ውን ካሴን (casein) ምትእስሳር ኣለዎም። እቶም ካብ ተኽሊ ዝስርሑ ጸባ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ኣዳጉራ ብዝርከብ ፕሮቲን እዮም ዝስርሑ። ብተወሳኺ ቀመር ጸባ ዝተሓዋወሰ ቪታሚናት (A, D, B and K) ከምኡ’ውን ከም ካልሲየም፡ ማግነዝየም፡ ሓጺን፡ ዚንክን ካልኦት ብዙሓት ኣሰር ባእታታትን ዝኣመሰሉ ማዕድናት ዝሓዘ እዩ።

ይዅን እምበር ጸባ ጡብ ፍሉይ ዝገብሮ ነገር ብቐጻሊ ናይ ምቕያርን ምትዕርራይ ናይ ምግባርን ክእለት እዩ። ክኢላ ኣመጋግባ ዕሸላትን ቍጥዐ ኣካላትን ዝዀነት ኤሚሊ ብሎክሳም ከም እትብሎ፡ "እዚ ጠቓሚ ንጥረ - ነገራት'ዚ ዘለዎ መጠንን ቅርጽን ከከም ጂን ጂኦግራፍያዊ ዞባታት፡ ደረጃታት ሕርሲ፡ ኣመጋግባ ዝኣመሰለ ዝተፈላለየ ረቛሒታት ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ይፈላለ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ውልቀ-ሰብ እውን ከይተረፈ ነቲ ህጻን ዘድልዮ ንምምላእ በብመዓልቱ ጸባ ጡብ ይቕይር እዩ።"

ቀመር ጸባ ግን ከምዚ ዝበለ ከም ኣድላይነቱ ናይ ምቅይያር ባህሪ የብሉን።

ጸባ ጡብ ኣደ ከም ኣድላይነቱ ናይ ምቅይያር ባህሪ ኣለዎ

ቀመር ጸባ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ናብ ጸባ ጡብ ዝቐረበ እኳ እንተዀነ፡ ጸባ ጡብ ግን እቲ ህጻን ጥዑይ ኰይኑ ንኽዓቢ "ቀንዲ መራሒ" ምዃኑ ኤሚሊ ብሎክሳም ትገልጽ።

እቲ ዘሕዝን ግን፡ ኣብ ጸባ ጡብ ዝርከቡ መርዛማት ንጥረ ነገራት ኣብዞም ብቐመር ዝምስርሑ ጸባታት እውን ክርከቡ ዝኽእሉ ምዃኖም እዩ። መርዛም ከሚካላት ናብ ጸባ ጡብ ወይ ቀመር ጸባ እንተ ኣትዮም፡ እቲ ሕቶ ንደቅና ብኸመይ ድሕነት ዘለዎ መግቢ ክንህቦም ከም እንኽእል ጥራይ ኣይኰነን።

ብዘይካ'ዚ ንዓታቶምን ንዝመጽእ ወለዶታትን ሰላምን ምቹእ ሃዋህው ብኸመይ ከም እንህቦምን ነቲ ኣብ ብምሉኡ ሰንሰለት ምግቢ ዘሎ ብከላ ብኸመይ ከም እንንክዮን እዩ። ሓደ ካብቲ መልሲ ብቐዳምነት ብዝተኻእለ መጠን ዝወሓደ ጐዳኢ ከሚካላት ብምጥቃም ከምዝዀነ ክኢላታት ይሕብሩ።