ኤርትራዊ ተቀዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ ኣብ ፈረንሳ ቀዳማይ ወጺኡ

ተቀዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምስ ቤልጂማዊት ጋንታ ዋንት ጎርት ዝቀዳደም ኤርትራዊ ተቀዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዘካየዶ ውድድር ንስሙያት ተቐዳደምቲ ዓለም ብምስዓር ቀዳማይ ወጺኡ።

ቢንያም ኣብቲ 172.55 ኪ.ሜ ዝሸፈነን 1.1 ደረጃ ዝዕቀንን ግራንድ ባሳንኮን ዱቡስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወድድር'ዩ ብቕጽበታዊ ውድድር ንመጋጥምቱ ብምስዓር ቀዳማይ ወጺኡ።

ቢንያም ግርማይ ኣብ ትዊተር ጋንትኡ ኣብ ዘመሓላልፎ ናይ ሓጎስ መልእኽቲ፡ "ኣዝዩ ዝድነቕ መዓልቲ'ዩ በዚ ኣብ ኣውሮጳ ዘመዝገብክዎ ናይ መጀመርታ ዓወተይ ኣዝየ ሕጉስ'የ፡ ነቶም ንዓወተይ ዝሰርሑ ደቂ ጋንታይ ኸኣ ኣዝየ የመስግኖም" ኢሉ።

Skip X post, 1
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 1

ጋንትኡ'ውን በቲ ናይ ቢንያም ግርማይ ዓወት ዝተሰማዓ ሓጎስ ብመንገዲ ትዊተር ገሊጻ ኣላ።

ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ውድድር ኢጣልያዊ ቬንድራመ 2ይ፡ ፈረንሳዊ ኣክሰል ዚንግል 3ይ፡ ኮሎምብያዊ ናይሮ ኪንታና 4ይ ተርታ ሒዞም ውድድሮም ዛዚሚም።

ኣብቲ ውድድር ምስ ጋንታ ኣንድሪኒ ጂካቶሊ ዝወዳደር ኤርትራዊ መንእሰይ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጽየን'ውን ብተመሳሳሊ ጊዜ መበል 18 ተርታ ውድድሩ ብምምዝዛም ምስ ቀዳሞት ዕስራ ፈጺሙ።

Skip X post, 2
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 2