ዙር ጋቦን፡ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ተዓዋቲ ሻድሻይ መድረኽ ኮይኑ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ብጫ ማልያ ዓቂቡ

ምንጪ ስእሊ, Samsom solomon
ሎሚ ቀዳም ኣብ ከተማ ፖርት ገንቲል ዝተኻየደ ሻድሻእ መድረኽ ዙር ጋቦን ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ ብዓወት ቢንያም ግርማይ ተዛዚሙ፤ ናትናኤል ተስፋጽዮን ብጫ ማልይኡ ብምዕቃብ፡ ቀላሲ ናይቲ ውድድር ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ብረቡዕ ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ መድረኽ'ውን ተዓዋቲ ዝነበረ ተቐዳዳሚ ጋንታ ኒፖ ደልኮ፡ ቢንያም ግርማይ ኣብዚ ውድድር ንኻልኣይ ግዚኡ እዩ ናይ መድረኽ ተዓዋቲ ዝኸውን ዘሎ።
ቢንያም ነቲ 127.2 ኪሜ ርሕቐት ዝሸፈነ ውድድር ብ 2 ሰዓት፡ 47 ደቒቕን 39 ካልኢትን እዩ ዛዚምዎ።
ንቢንያም ስዒቡ ኣልጀርያዊ ሓምዛ ያሲን ግዜ ከየጥፍአ ካልኣይ፡ ተቐዳዳሚ ጋንታ ኮፊዲስ ኢጣልያዊ ኣቲልዮ ቪቪያኒ ሳልሳይ ክወጹ ከለው፤ ተቐዳዳሚ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናትናኤል ተስፋጽዮን ሻቡዓይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።
በዚ መሰረት ናትናኤል ኣብ ካልኣይ መድረኽ ዝተረከባ ቢጫ ማልያ ዓቂቡ ኣብቲ ጽባሕ ሰንበት ዝካየድ መዛዘሚ ውድድር ክኣቱ እዩ።
ናትናኤል ንመንእሰያት እትወሃብ ጻዕዳ ማልያ'ውን ለቢሱ ኣሎ። ሄኖክ ምሉእብርሃን (ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ) ካልኣይ፤ ፈረንሳዊ ተቐዳዳሚ ጋንታ ኮፊዲስ ቪክተር ላፋይ ሳልሳይ ኮይኖም ይስዕብዎ ኣለው።
ሓፈሻዊ ውጽኢት ሓሙሻይ መድረኽ ዙር ጋቦን
ኣብ ናይ ሎሚ ሓሙሻይ መድረኽ ዙር ጋቦን፡ ኣልጀራውያን ዮሱፍ ራጊግን ዮሲን ሃምዛን ቀዳማይን ካልኣይን ክወጽኡ እንከለዉ፡ ቢንያም ግርማይ ኣብ መበል ሻዱሻይ፡ ናታናኤል ተስፋጽዮን'ውን መበል ታሽዓይ ሲራክ ተስፎም መበል 21፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን መበል 26 ብምዃን ግዜ ከይከሰሩ ውድድሮም ዛዚሞም።
መኽሰብ ደበሳይ 5 ካልኢት ድሒሩ መበል 36፡ ናታናኤል ብርሃነ 9 ካልኦት ድሒሩ መበል 40፡ ከምኡ እውን ሮቤል ምኢኬል 3 ደቂቕን 45 ካልኢትን ድሒሩ መበል 66 ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።
ብነጥቢ ኣብ እትውሃብ ቀጠልያ ማልያ ተጻዋታይ ኒፖ ዴልኮ ዋን ፕሮቬንስ፡ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ብ95 ነጥቢ ወኒንዋ ኣሎ፡ ኣልጀርያዊ ዮሱፍ ራጊጊ ኸኣ ብሓንቲ ነጥቢ ድሒሩ ይስዕቦ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ብ81 ነጥቢ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ብ80 ነጥቢ ኣብ ሻዱሻን ሻውዓይን ደረጃ ተቐሚጦም ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Biniam Ghirmay
ንመንእሰይ ኣብ እትውሃብ ጻዕዳ ማልያ ሕጂ እውን ኤርትራውያን ናትናኤል ተስፋጽዮን ብ16 ሰዓትን 44 ደቒቕን፡ 50 ካልኢትን ክውንና እንከሎ ሄኖክ ሙሉብርሃንን፡ ዳዊት የማነን ካልኣይን ራብዓይን ኮይኖም ይስዕብዎ ኣለዉ።
ንኣምበሳ ዓቐበት ኣብ እትውሃብ ነጠብጣብ ማልያ ዳዊት የማነ ብ17 ነጥቢ ሕጂ'ውን ክዕቕባ እንከሎ፡ ሩዋንዳዊ ሞይስ ሙጉሻ ብ13 ነጥቢ ይስዕቦ ኣሎ።
ብጋንታ፡ ሃገራዊት ጋንታ ሩዋንዳ ብ50 ሰዓትን 12 ደቒቕን 40 ካልኢትን ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ እንከላ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብ2 ደቒቕን 56 ካልኢትን ድሒራ ኣብ ካልኣይ ደረጀ ተቐሚጣ ኣላ።
ጽባሕ ቀዳም ሻዱሻይ መድረኽ ናይ 127.2 ኪሎሜትር ከምኡ እውን ሰንበት ሻውዓይን መዛዘምን መድረኽ ካብ ንኮለ ናብ ሊበርቪለ ናይ 132.2 ኪሎ ሜትር ውድድር ክካየድ እዩ።

ንዝሓለፈ 10 ዓመታት ነዚ ውድድር ዝተዓወትሉ ተቐዳደምቲ
2019- ኢጣልያዊ ቦኒፌዞ ኒኮሎ
2018- ርዋንዳዊ ኣረሩያ ጆሴፍ
2017- ፈረንሳዊ ጀን ዮሃን
2016- ፈረንሳዊ ፐቲት ኣድርያን
2015- ቱኒዝያዊ ጊቶይ ራፌ
2014- ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ
2013- ፈረንሳዊ ጀን ዮሃን
2012- ፈረንሳዊ ቻርትዩ ኣንቶኒ
2011- ፈረንሳዊ ፍንሳዊ ቻርትዩ ኣንቶኒ
2010- ፈረንሳዊ ቻርትዩ ኣንቶኒ





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







