እቲ ካብ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዝለዓለ ዓወት ኣመዝጊቡ ዘሎ ቢንያም ግርማይ መን'ዩ?

ቢንያም ግርማይ መስከረም 2021

ምንጪ ስእሊ, Tim de Waele

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ካብ 1930ታት ኣትሒዞም ኣብ ከባቢኦምን ኣብ ዞባኦምን ዓወት ከመዝግቡን ኣብ ውድድራት ኦሎምፒክ ክወዳደሩን ተራእዮም እዮም።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ'ውን [1991] ኣብ ብዙሓት መድረኻት ውድድር ብምስታፍ ሽሞምን ሽም ሃገሮምን ካብኡ ሓሊፎም'ውን ሽም ኣፍሪቃ ብሓበን ከጸውዑ ዝኽኣሉ ብዙሓት እዮም።

እንተኾነ ክንድቲ ቢንያም ግርማይ ኣብ 24 መስከረም 2021 ኣብ ውድድር ሻምፕዮና ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ትሕቲ 23 ዘመዝግቦ ዓወት ዝብርኽ ዓወት ብኤርትራውያን ይኹን ብኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ዝዳረግ ዓወት ግን ኣይተመዝገበን።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ኣብ ውድድር ሻምፕዮና ዓለም ትሕቲ 23 ዓመት፡ ቢንያም ግርማይ ውድድር ንኽውዳእ ዓሰርተታት ሜትሮታት ክሳብ ዝተርፎ ኣብ መበል 12 ድሕሪ ምጽናሕ'ዩ ብዘገርም ናህሪ ብብርቱዕ 'ስኳቶ' ንመወዳድርቲ እናሓለፈ ካልኣይ ኮይኑ ውድድሩ ክዛዝም ክኢሉ።

ቢንያም ግርማይ ድሕቲ እቲ ውድድር ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግልጺ ንዓወቱ "እዚ ንዓይ፡ ንሃገረይን ንኣፍሪቃን ዓቢ ነገር እዩ" ብምባል በቲ ዘመዝገቦ ዓወት ዝተሰመዖ ሓጎስ ገሊጹ።

ኤርትራዊ ቢንኣም ግርማይ [ጸጋማይ]፡ ተሸላሚ ወርቂ መዳልያ ጣልያናዊ ፍሊፖ ባሮኖቺ [ማእከላይ]፡ ሆላንዳዊ ተሸላሚ ነሓስ መዳልያ ኦላቭ ኮጂ [የማናይ]

ምንጪ ስእሊ, Tim de Waele

መግለጺ ስእሊ, ኤርትራዊ ቢንኣም ግርማይ [ጸጋማይ]፡ ተሸላሚ ወርቂ መዳልያ ጣልያናዊ ፍሊፖ ባሮኖቺ [ማእከላይ]፡ ሆላንዳዊ ተሸላሚ ነሓስ መዳልያ ኦላቭ ኮጂ [የማናይ]

ወዲ 12 ዓመት ተማሃራይ እንከሎ ውድድር ማውንተይን ባይክ ኣብ ኣስመራ ዝጀመረ ቢንያም፡ ወዲ 15 ዓመት ምስ ኮነ ኣብ ውድድር ሳልሳይ ዲቪዥን ክወዳደር ጀሚሩ።

ምስታ ብሳምሶም ሰሎሙን እትስልጠን ጋንታ ኣስቤኮ ተጠርኒፉ ውድድሩ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ ዓበይቲ ሃገራውያን፡ ኣህጉራውያንን ናይ ቱራትን ዓወታት ክጎናጸፍ ዝጀመረ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ 'ኣፍሪካን ቻምፕዮንሺፕ' ብናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድርን ናይ ጽርግያ ውድድርን ብዘመዝገቦ ዓወት ኣብ 2018 ኣብ መስለጠኒ ማእከል ዩሱኣይ ንክስልጥን ዕድል ስለዝረኸበ ንዝልዓለ ስልጣና ናብ ስዊዘርላንድ ብምምራሕ ናብ ዩሱኣይ ተሰጋጊሩ።

ክሳብ 2019 ኸኣ ኣብቲ ማእከል ንሱ 'ኣገዳሲ' ዝብሎ ስልጠናታት ተዋሂብዎ።

ቢንያም ግርማይ 2020 ንመጀመርታ ግዜ ምስ ናይ ወጻኢ ጋንታ ዝፈረመላ ግዜ እያ ነይራ፡ ምስ ፈረንሳዊት ጋንታ ዴልኮ። ምስታ ጋንታ ብምዃን ኸኣ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ኣብ ጋቦን ኣብ ዝተኻየደ ዙር ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ [ዙር ጋቦን] ክልተ ናይ መድረኽ ዓወታት ከመዝግብ ክኢሉ።

ቢንያም ግርማይ በዚ ከይተሓጸረ፡ ኣብ ትሮፉኖ ላይጉገልያ፡ ኣብ ዙር ዲ ዳውቢስን ኣብ ዙር ርዋንዳን ብሉጻት ናይ መድረኽ ዓወታት ብምምዝጋብ ሽሙ ክኹላዕ ተራእዩ።.

ንኤርትራ ብምውካል ኣብ ቻምፕዮን ዓለም ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ካብ ጸጋም ንየማን [ናትነኤል ተስፋጽዮን፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ፔጥሮስ መንግስ፡ ቢንያም ግርማይን ኤፍሬም ገብረሂወትን]

ምንጪ ስእሊ, Pool

ቢንያም ክሳብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ጋንታ ዴልኮ ድሕሪ ምጽዋት ኣብዚ ወርሒ ምስ ቤልጂማዊት ጋንታ ዋንት ጎርት ክሳብ 2024 ክጻወት ክታሙ ኣንቢሩ።

ምስታ ጋንታ ብምዃን ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ መስከረም ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዘካየዶ ውድድር ኸኣ ንስሙያት ተቐዳደምቲ ዓለም ብምስዓር ቀዳማይ ወጺኡ።

ቢንያም ኣብቲ 172.55 ኪ.ሜ ዝሸፈነን 1.1 ደረጃ ዝዕቀንን ግራንድ ባሳንኮን ዱቡስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወድድር'ዩ ብቕጽበታዊ ውድድር'ዩ ንመጋጥምቱ ብምስዓር ቀዳማይ ወጺኡ።

ቢንያም ግርማይ ኣብ ቻምፕዮን ዓለም ናይ መወዳእታ መስመር እናረገጸ

ምንጪ ስእሊ, Tim de Waele

ገለ ካብ በረኽቲ ዓወታት ቢንያም ግርማይ

ኣብ 2 ሚያዝያ 2000 ዝተወለደ ቢንያም ግርማይ ቁመቱ 1.84 ሜትሮ ኮይኑ ካብ 2018 ክሳብ እዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ምስ ሃገራዊት ጋንታ፡ ብውልቁን ምስ ዝወዳደረላ ጋንታን ብምዃን ዓበይቲ ዓወታት ዝጎናጸፍ ዘሎ ተቀዳዳማይ እዩ።

ንገለ ላላህመቱ ክንጠቅሶ ኢና።

2018

ኣብ 2018 ኣብ 14 መዓልታት 1142 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ውድድራት እዩ ኣካይዱ።

- ኣብ ናይ ጁንየር ኣፍሪካን ቻምፕዮንሺፕ ኣብ ናይ ጽርግያ ውድድር ቀዳማይ

- ኣብ ናይ ጁንየር ኣፍሪካን ቻምፕዮንሺፕ ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ቀዳማይ

- ኣብ ናይ ጁንየር ኣፍሪካን ቻምፕዮንሺፕ ኣብ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር ቀዳማይ

- ኣብ ግራንድ ፕሪክስ ሩብሊላንድ ካልኣይ

- ኣብ ውድድፍ ኣውቢል ቲሚስተር ሳልሳይ [ኣብዚ ውድድር ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ቀዳማይ ኮይኑ እዩ ውድድሩ ዛዙሙ] ዝብሉን ካልእን ።

2019

ቢንያም ግርማይ ኣብ ዓመተ 2019 ኣብ 35 መዓልታት 3967 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ውድድራት እዩ ኣካይዱ

- ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ዙር ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ ሳልሳይ

- ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ዜር ርዋንዳ ሓሙሻይ

2020

- ኣብ ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ ብነጥቢ ቀዳማይ

- ኣብ ሳልሳይን ሻዱሻይን መድረኽ ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ ቀዳማይ

- ኣብ ትሮፍዮ ላይጉጌላ ካልኣይ

- ኣብ ቱር ዱ ዶውቢስ ካልኣይ

- ኣብ ጊሮ ዴላ ቶስካና ራብዓይ

2021

ቢንያም ግርማይ ኣብዛ ገና ዘይተዛዘመት ዓመተ 2021 ኣብ 33 መዓልታት 5826 ኪሎ ሜተር ዘዊሩ ኣሎ

- ኣብ ውድድር ባሳንኮን ዱቡስ ቀዳማይ

- ኣብ ቻምፕዮና ዓለም ትሕቲ 23 ካልኣይ

- ቱር ዲ ዶውቢስ ካልኣይ

እዚ ገለ ካብቲ ቢንያም ግርማይ ክሳብ ሕጂ ኣመዝጊብዎ ዘሎ ዓወታት እዩ።