ኤርትራ፡ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ መርሃዊ ቅዱስ ምስ ኣመሪካዊት ጋንታ ፈሪሙ

ምንጪ ስእሊ, MERHAWI KUDUS
ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ መርሃዊ ቅዱስ ካብ 2022 ጀሚሩ ምስ ኣመሪካዊት ጋንታ 'ኢኤፍ ኤዲኬሽን ኒፓ' ክጽንበር ክታሙ ከምዘንበረ ንሱን እታ ዘፈረመቶ ጋንታ ብትዊተር ሓቢሮም።
ዕዉት ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ቻምፕዮን ኤርትራ 2021 ዝኾነ ወዲ 27 ዓመት ኦሎምፒካዊ ተወዳዳራይ መርሃዊ ቅዱስ ምስ ካዛኪስታናዊት ጋንታ ኣስታና ንሰለስተ ዓመት ድሕሪ ምጽዋት'ዩ ናብዛ ኣመሪካዊት ጋንታ ዝሰጋገር ዘሎ።
መርሃዊ ቅዱስ ምስ ጋንታ ኣስታና ብምዃና ኣብ 2019 ዕዉት ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ ኮይኑ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ "ናብ ጋንታ ኢኤፍ ምጽንባረይ ኣዝየ ሕጉስ'የ፡ ኣብ ስረሐይ ናብ ዝለዓለ ብራኽ ናይ ዓወት ክድይብን ነዛ ሓዳሽ ጋንታይ ዓቢ ኣበርክቶ ክገብርን'የ" ብምባል ምስ ጋንታ ኣስታና ዝነበሮ ጻንሒት ኣመስጊኑ።
ላዕለዋይ ሓላፊ እታ ጋንታ ጆናታን ቮክተር ብወገኑ፡ ንመርሃዊ ቅዱስ ንነዊሕ ግዜ ክከታተሎ ምጽንሑ ብምግላጽ ኣብ ጋንትኦም ክጻወት ክታሙ ምንባሩ ዝተሰመዖ ሓጎስ ገሊጹ ኣሎ።
መርሃዊ ቅዱስ ቅድሚ ኣብ 2014 ናብ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ኤምቲኤን ኵቤካ [ናይ ሕጂ ኩቤካ ኔክስተ ሃሽ] ምጽናባሩ፡ ካብ መስልጠኒ ማእከል ዩሲኣይ ንሓደ ዓመት ምስ ጋንታ ኣርኬ ሳምሲክ ተጻዊቱ ነይሩ እዩ።
መርሃዊ ቅዱስ ምስታ ካብ ኣፍሪቃ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ዝተሳተፈት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ኤምቲኤን ኵቤካ ብምዃን ኣብ 2015 ምስ ኤርትራዊ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ብምውድዳር ብቕዓቱ ክርኢ ክኢሉ እዩ።
ምስታ ኣብ 2016 ስማ ናብ ዳይመንሽን ዳታ ዝቐየረት ጋንታ ኤምቲኤን ኵቡካ ንሓሙሽተ ዓመታት ድሕሪ ምጽዋት ኸኣ ኣብ 2019 ናብ ጋንታ ኣስታን ብምጽናባር፡ ምስታ ጋንታ ኾይኑ ዕዉት ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ ክኸውን ክኢሉ።
መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ፡ ምስ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር ብምዃን ንኤርትራ ወኪሉ ምስታፉ'ውን ይዝከር።
ንሱ፡ ቅድሚ ናብ ውድድር ኦሎምፒክ ምምርሑ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ድሕሪ ኣብ ኦሎምፒክ ምስታፍ ዝዓበየ ሕልሙ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ናይ መድረኽ ዓወት ምምስጋብ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
ገለ ካብቲ ብዙሕ ግሉሕ ዓወታት መርሃዊ

ምንጪ ስእሊ, Luc Claessen
2013 ኣብ ማእከል መሰልጠኒ ብሽክለታ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረኸበ መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ 2014 ምስ ጋንታ ኤምቲኤን ኩቤካ ብምጽንባር፡ እታ ጋንታ ኣብ 2016 ስማ ናብ ዳይመንሽን ዳታ ምስ ቀየረትን'ውን ክሳብ 2018 ምስኣ ድሕሪ ብምጽናሕ'ዩ ኣብ 2019 ናብ ጋንታ ኣስታና ተጸንቢሩ።
- 2012 ኣብ ዙር ርዋንዳ ሻድሻይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ፡ ኣብ ሓደ መድረኽ ተዓዊቱ።
- 2013 ዕዉት ናይ ዓቐብ ውድድር ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ [ዜር ጋቦን]፡ ኣብ ዙር ኤርትራ ካልኣይ ኮይኑ ተዓዊቱ።
- 2014 ኣብ ዙር ላንግካዊ ካልኣይ ደረጃ
- 2015 ኣብ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ ኣብ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር ቀዳማይ
- 2018 ቻምፕዮን ኤርትራ
- 2019 ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ
- 2021 ዕዉት ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ቻምፕዮን ኤርትራ
- 2021 ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ንኤርትራ ብምውካል [ምስ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር ]ተወዳዲሩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







