ኤርትራ፡ ስነጥበባዊት ዊንታ ገረዝግሄር ንሽላማት ሳቲጉ 2021 ተሓጽያ

ምንጪ ስእሊ, WINTA
ኤርትራዊት ተዋሳኢት ዊንታ ገረዝግሄር፡ በታ ኣብ ቴለቪዥን ኤርትራ እትመሓለለፍ ዘላ ተከታታሊት ፊልም ማጨሎ ብዝተላበሰቶ ገጸ ባህርን ብዘርኣየቶ ናይ ምውሳእ ብቕዓትን፡ በቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝመደበሩ ንኣፍሪቃውያን ተዋሳእቲ ዝሽልም ሳቲጉ ዝተሰመየ ትካል ንሽልማት ተሓጽያ።
ዊንታ ብጽላት 'ቤስት ሆፕ ኣፍሪካን ቲቪ ሾው' እያ ንሽልማት ተሓጸያ ዘላ።
ሳቲጉ ኣዋርድ ካብ ዝጅመር ንዝሓለፉ ሓሙሽተ እብረታት ክሽልመ ዝጸንሐ ኮይኑ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ንሻዱሻይ ግዚኡ እዩ ዝኸውን ዘሎ።
እቲ መስርሕ ሽልማት ካብ 10 ክሳብ 13 ሕዳር ዝካየድ ኮይኑ ኣብ ዝተፈላላየ ጽላታት ናይ ዓውዲ ፊልም ተሓጽዮም ካብ ዘለዉ ብዙሓት ተዋሳእትን ኣለይትን 38 ክሽለሙ እዮም።
ዊንታ ገረዝግሄር ብሽልማት ተሓጽያትላ ዘላ ፊልም ማጨሎ፡ ንናብራ ሕብረተሰብ፡ ንሓዳርን ንፍቅርን ከምኡ'ውን ሓድሕድ ምትሕልላይን ስሰዐ ንዋይን ናይ ደቂ ሰባት እትድህስስ ተኸታታሊት ፊልም እያ።

ምንጪ ስእሊ, WINTA
ዊንታ ገረዝግሄር መን'ያ?
እዛ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ 50 ፈልምታት ናይ ኤርትራ ዝተዋሰአት ዊንታ፡ ኣብ ዓውዲ ፋሽን'ውን ከም ሞዴልን ከም ሰፋይት ቅዲ ክዳንን ኮይና ትሰርሕ እያ።
ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ፡ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰምበል፡ 2ይ ደረጃ ኣብ ቤት ትምህርቲ ባርካ ድሕሪ ምክትታል፡12 ክፍሊ ትምህርታ ንምዝዛም ናብ ሳዋ ወሪዳ።
ኣብ ኢንስቲትዩት ስማፕ ብዓውዲ ትምህርቲ ምሕደራ ናይ ክልተ ዓመት ስልጠና ብምውሳድ ከኣ ኣብ 2016 ብዲፕሎማ ተመሪቓ።
ዊንታ ገረዝግሄር፡ ብነፍሲሄር ኢሳይያስ ጸጋይ ተደሪሰን ዝተኣልያ ፊልምታት ጉያን ትማሊን፡ ብደበሳይ ወልዱ ዝተደርሰት ፊልም ጸጸር፡ ኣብታ ብፍትዊ ተኽለማርያም (ዲሰሎ) ዝተደርሰት ንጣብ ዝኽሪ ዘመን ዝኣመሰላ ኣብ ብዙሓት ፊልማታት ተዋሲኣ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ኤሪ ቲቪ ወትሩ ሰንበት እትመሓላላፍ ዘላን ንሽልማት ዘሕጸየታን ማጨሎ ዘኣርእስታ ፊልም ኸኣ ኣብ ምውሳእ ትርከብ።
ፊልም ማጨሎ ብደበሳይ ወልዱ ዝተደርሰት ኮይና፡ ተኣምራት ዩውሃንስ ዝተኣለየት ፊልም እያ፡ እታ ፊልም ክሳብ ሕጂ 92 ክፋል በጺሓ ኣላ።
ዊንታ ገረዝግሄር፡ ኣብ ከም ከም በዓል ሃኒ፤ ህያብ ፍቑራት፡ ባንከይ፡ ጆሲ፡ ይቕረ ንመን፧፡ ባህጊ፡ መብራህቲ፡ ቤትናኳ ዓለም'ያን ካልእን ዝብላ ፊልምታት'ውን ከምዝተዋሰአት ኣብ 2020 ምስ መጽሄት መንእሰይ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት ገሊጻ ኣላ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







