ኤርትራ፡ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቻምፕዮን ዓለም ንኤርትራ ቀዳመይቲ መዳልያ ኣግዚምዋ

ተቀዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብቲ ትማሊ 24 መስከረም 2021 ኣብ ቤልጂም፡ ፍላንደርስ ዝተኻየደ ውድድር ሻምፕዮን ብሽክለታ ዓለም ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ መበል ካልኣይ ደረጃ ብምውጻእ ተሸላሚ ብሩር ሜዳልያ ኮይኑ።

ቢንያም ግርማይ ንኤርትራ ኣብ ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ፈላሚ መዳልያ ዝተሸለም ዘግዘመ ተቐዳዳማይ ብምዃን ዝበረኸ ዓወት ኣመዝጊቡ።

ነቲ 161.1 ኪ.ሜ ዝሸፈነ ውድድር ኢጣልያዊ ፊሊፖ ባሮንቺ ብ 3 ሰዓት፡ 37 ደቂቅን፡ 36 ካልኢትን ብምዝዛም ቀዳማይ ኮይኑ ክዕወት እንከሎ፡ ቢንያም ግርማይ ንመወዳድርቱ ብቅጽበታዊ ውድድር (ቮላታ) ብምስዓር ካብ ቀዳማይ ብክልተ ካልኢት ድሒሩ ካልኣይ ብምዃን ንኤርትራን ንውልቁን ኣብቲ መድረኽ ፈላሚ ረኺቡ።

Skip X post, 1
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 1

ኣብቲ ንመበል 87 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ሻምፕዮና ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኤፍሬም ገብረሂወት፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ መንግስ ጴጥሮስ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮንን፡ ቢንያም ግርማይን ንኤርትራ ብምውካል ትውሳቲፎም።

ኣብቲ ብዙሓት ተቀደምቲ ክዛዝምዎ ዘይክኣሉ ሓያል ውድድር፡ ኣባላት ሃገራዊት ኤርትራ ንውድድሮም ብምዝዛም እዚ ዝስዕብ ውጽኢት ኣመዝጊቦም።

ፕሮፌሽናል ተቀዳዳማይ ሄኖክ ሙሉብርሃን 2 ድቂቕን 41 ካልኢትን ድሒሩ መበል 60፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን 6 ድቂቕን 20 ካልኢትን ድሒሩ መበል 82፡ ኤፍሬም ገብርሂወት 9 ደቂቕን 43 ካልኢትን ድሒሩ መበል 93፡ መንግስ ጴጥሮስ 10 ደቂቕን 16 ካልኢትን ድሒሩ መበል 99 ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሚም።

Skip X post, 2
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 2

ቅድሚ ሕጂ ነዚ ውድድር ዝተዓወትሉ

2021 ጣልያናዊ ባሮኒቺ ፍሊፖ

2020 ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣይተኻየደን

2019 ጣልያናዊ ባቲስቴላ ሳሙኤል

2018 ስዊዘርላንዳዊ ሂርች ማርክ

2017 ፈረንሳዊ ኮስነፍሮይ ቤኖት

2016 ኖርወጃዊ ሃርቨርሶን ክሪስቶፈር

2015 ፈረንሳዊ ሊዳኖይስ ኬቭን

2014 ኖርውጃዊ ባይስትሮም ኤሪክ

2013 ስሎቮንያዊ ሞሆሪች ማትች

2012 ካዛኢክስታናዊ ሉትሴንኮ ኣሌክስ

2011 ፈረንሳዊ ዲማረ ኣርኖድ