ቅድድም ብሽክለታ፡ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ዓመተ 2021 ኮይኑ

ተቀዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣካየድቲ ናይቲ ኣብ ሃገረ ጋቦን ዝካየድ ዙር 'ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ' ሎሚ ኣብ ዘውጽእዎ ዝርዝር ብሉጻት ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ብሽክሌታ፡ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ዓመተ 2021 ብዘርኣዮ ብቕዓት እቲ ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ኢሎም ሰምየሞ።

ቢንያም፡ ናይ ዓመተ 2020 ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ብምዃን ከምዝተሸለመ ይዝከር። በዚ ድማ እቲ ሽልማት ካብ 2012 ኣትሒዙ ክወሃብ ካብ ዝጅምር ኣከታቲሉ ንክልተ ዓመታት ዝተዓወተ እንኮ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ኮይኑ'ሎ።

ካልእ ኤርትራዊ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ ብወገኑ፡ ንደቡብ ኣፍሪቃዊ ሪያን ጊብሰን ተኸቲሉ ሳልሳይ ክኸውን እንከሎ፡ ሄኖክ ምሉእ ብርሃን ራብዓይ ኮይኑ ተረቚሑ።

ናትናኤል ተስፋጽዮን'ውን፡ መበል ሻውዓይ ብሉጽ ተቐዳዳማይ ተባሂሉ'ሎ።

በዚ መሰረት፡ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ምስ 10 ዝበለጹ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ተሰሪዖም ኣለዉ።

ኣብ ዝርዝር 15 ሕጹያት ኣትዩ ዝነበረ ናሆም ዘርኣይ'ውን፡ መበል 11 ኮይኑ'ሎ።

ሓሙሽቲኦም ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክሌታ ምስ 10 ካልኦት ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ነቲ ሽልማት ንምውሳድ ተሓጽዮም ነይሮም።

ጉስታቭ ባሶን፡ ኒኮላስ ዲላምኒ፡ ርያን ጊብሰን ከምኡ'ውን ልዊስ መንቲጅስ ነቲ ሽልማት ዝተሓጸዩ ደቡብ ኣድሪውያን ዝነበሩ ኮይኖም፡ ቡርኪና ፋሶ ብውገና ቦፓውል ዳውሞትን ሶሊማነ ኮነ ክትውከል ኣንካላ ካሜሮን'ውን ብተመሳሳሊ ብክሎቪስ ካምዞንግን ኣርቱስ ተላን ተወኪላ ነይራ።

ኣይቮርያዊ ኢስያካ ሲሰ፡ ኣልጀራይዊ ያሲም ሓምዛን'ውን ነቲ ሽልማት ተሓጽዮም ነይሮም።

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ናትናኤል ቢንያም ሄኖክ መርሃውን ናሆምን

እቲ ኣከታቲሉ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዕዉት ናይዚ ሽልማት ዝኾነ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ 2021 ብዘርኣዮ ተወዳዳርነትን ብዘመዝገቦ ዓለምለኻዊ ዓወታትን ነዚ ሽልማት ክወስዶ ብኣግኡ ግምት ተዋሂብዎ ነይሩ'ዩ።

ቢንያም፡ ብ24 መስከረም 2021 ኣብ ቤልጂም፡ ፍላንደርስ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሻምፕዮን ብሽክለታ ዓለም ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ካልኣይ ደረጃ ብምውጻእ ተሸላሚ ብሩር ሜዳልያ ምዃኑ ይዝከር።

ቢንያም ግርማይ ንኤርትራ ኣብ ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ፈላሚ መዳልያ ዘግዘመ ተቐዳዳማይ ብምዃን ዝበረኸ ዓወት ምስ ምምዝጋቡ ነዚ ሽልማት ከምዝበቕዐ ይግለጽ።

ክሳብ ሕጂ ነዚ ሽልማት ዝተዓወትሉ

እዚ ሽልማት ካብ 2012 እዩ ክውሃብ ጀሚሩ፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ንሽዱሽተ ጌዜ ብምዕዋት ላዕለዋይ ኢድ ክሕዙ ኣንከለዉ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ልዊስ መንቲጀስ ክልተ ግዜ (ኣብ 2013ን 2017ን) ተሸሊሙ።

2021 ቢንያም ግርማይ (ኤርትራ)

2020 ቢንያም ግርማይ (ኤርትራ)

2019 ኢምፐይ ዳርይል (ደቡብ ኣፍሪቃ)

2018 ኣርሩያ ጆሴፍ (ርዋንዳ)

2017 ልዊስ መንቲጀስ (ደቡብ ኣፍሪቃ)

2016 ተስፊም ዑቕባማርያም (ኤርትራ)

2015 ዳንኤል ተኽለሃይማኖት (ኤርትራ)

2014 መኽሰብ ደበሳይ (ኤርትራ)

2013 ብልዊስ ምውንቲጀስ (ደቡብ ኣፍሪቃ)

2012 ናትናኤል ብርሃነ (ኤርትራ)