መርሃዊ ቅዱስ፡ ካልኣይ ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2019 ኮይኑ

መርሃዊ ቅዱስ

ምንጪ ስእሊ, MERHAWI KUDUS

ምሰ ካዛኪስታናዊት ክለብ ኣስታና ዝጻወት ፍሉጥ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክሌታ መርሃዊ ቅዱስ፡ ካልኣይ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኣህጉር ኣፍሪቃ 2019 ኮይኑ።

ካልኦት 4 ኤርትራወያን ተቐዳደምቲ ድማ ምስ ዝበለጹ 6 ቀዳሞት ተሰሪዖም።

ሓደ ካብ ዝሓየሉ ግጥማት ናይ ኣፍሪቃ ምዃኑ ዝምስከረሉ ዙር ጋቦን (ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ) ዓመታዊ ውህሉል ውጽኢት ኣፍሪቃውያን ርእዩ ኣብ ዝዕድሎ ሽልማት ንዓመተ 2019 ድቡብ ኣፍሪቃዊ ዳይሪ ኢምፐይ ክዕወተሉ እንከሎ መርሃዊ ቅዱስ ካልኣይ ኮይኑ ተመሪጹ።

ሳልሳይ ደረጃ ኣልጀርያዊ ዮሱፍ ረጊጊ ክሕዛ እንከሎ፡ ካብ ራብዓይ ክሳብ ሻዱሻይ ንዘሎ ደረጃ ኤርትራወያን ተቐዳደምቲ ናትናኤል ብርሃነ፡ ቢንያም ግርማይን ያቆብ ደበሳይን ብሒተሞ።

  • ሻወዓይ ርዋንዳዊ ዶደር ሙንያንዛ
  • ሻሙናይ ርዋንዳዊ ጆሴፍ ኣረሩያ
  • ታሽዓይ ወዲ ቡርኪናፋሶ ባቹሩ ኒኬማ
  • ዓስራይ ኣንጎላዊ ኣንቶንዮ ዳርዮን ድማ ካብ ሻውዓይ ክሳብ ዓስራይ ዘሎ ተርታ ተማቒለሞ።

ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተሸለሙ

  • 2012 : ናትናኤል ብርሃነ ( ኤርትራዊ)
  • 2013 : ልዊስ መንቲጀስ ( ድቡብ ኣፍሪቃዊ )
  • 2014 : መኽሰብ ደበሳይ (ኤርትራዊ)
  • 2015 : ዳንኤል ተኽለሃይማኖት (ኤርትራዊ)
  • 2016 : ተስፎም ዑቕባማርያም (ኤርትራዊ)
  • 2017 : ልዊስ መንቲጀስ ( ድቡብ ኣፍሪቃዊ)
  • 2018 : ጆሴፍ ኣረሩያ (ርዋንዳዊ )

መርሃዊ ቅዱስ መን'ዩ?

ካብታ ቀዳመ ሰናብቲ ብዘይ ውድድር ብሽክልታ ከተሕልፍ ቀጨውጨው ዝብላ ከተማ ኣስመራ፡ ካብ 2012 ጀሚሩ ኣብ ጣልያን፣ ፈረንሳን እስጳኛን ዝተወዳደሩን ዝወዳደሩ ዘለውን ብደርዘን ዝቑጸሩ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ክፈርዩ ክኢሎም እዮም።

ሓደ ካብኦም ኣብ 24 ጥሪ 1994 ዝተወለደ መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ዝጀመሮ ውድድር ኣብ ኣኽራናት ኣውሮጳ ኣፍሪቃን ዳንጋይዶ ዳንጋኻ ይብሃለሉ ኣሎ።

ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ 1.73 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ 2015 እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ተቐዳዳማይ ቱር ደ ፍራንስ ኮይኑ ተሰሚዩ።

መርሃዊ ቅዱስ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ካብ ዝኽውን ልዕሊ ሓሙሽት ዓመት ገይሩ ከምዘሎ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ዕላል ገሊጹ ነይሩ።

መርሃዊ፡ ክሳብ 2019 ንክለብ ዳይመንሽን ዳታ ወኪሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ውድድራት ክጻወት ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብ 2019 ናብ ጋንታ ኣስታና ተጸንቢሩ።

መርሃዊ ቅዱስ

ምንጪ ስእሊ, MERHAWI KUDUS

ትሪፒካለ ኣሚሳ ባንጎ 2020

እዚ 2.1 ዝዓቐኑ ውድድር ብሽክለታ ዙር ጋቦን ካብ 20-26 ጥሪ 2020 እዩ ክካየድ። ኣብዚ ንሽውዓተ መዓልታት ዝካየድ ወድድር ተቐዳደምቲ 1035.0 ኪሎ ሜትር ክሽፍኑ'ዮም።

ኣብ 2014 ንዙር ጋቦን ዝተዓወተሉ ናትናኤል ብርሃን፡ እቲ ቀዳማይ ነዚ ውድድር ዝተዓወተሉ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ክኸውን እንከሎ፡ ሎሚ ዓመት'ውን ምስ ጋንታ ኮፊደስ ብምዃን ክወዳደር'ዩ።

ዝወዳደራ ጋንታታት

  • ኮፊደስ ሶሉሽን ክረዲትስ
  • ቶታል ዳይረክት ኢነርጂ
  • ኒፖ ደልኮ
  • ባል ሲካሳል ፔትሮ ዲ ሉኣንዳ
  • ፕሮ ታች
  • ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ
  • ኔቸር ፎር ኤቨር
  • ዱክላ ባንስካ ባይስትሪካ
  • ሃገራዊት ጋንታ ቡርኪና ፋሶ
  • ሃገራዊት ጋንታ ካሜሮን
  • ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ
  • ሃገራዊት ጋንታ ጋቦን
  • ሃገራዊት ጋንታ ኣይቮሪኮስት
  • ሃገራዊት ጋንታ ጋቦን
  • ሃገራዊት ጋንታ ርዋንዳ