ሓሙሽተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ንብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ተሓጽዮም

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ናትናኤል ቢንያም ሄኖክ መርሃውን ናሆምን

ሓሙሽተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ምስ 10 ካልኦት ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ንብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቀዳዳማይ 2021 ተሓጽዮም።

እዞም 15 ተቐዳደምቲ ኣብቲ ዓመታዊ ብኣካየድቲ ውድድር ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ (ዙር ጋቦን) ዝውሃብ ኣፍሪቃዊ ሽልማት'ዮም ተሓጽዮም።

ኣብ ቅድድም ሻምፕዮና ዓለም ተሸላሚ ብሩር መዳልያ ዝኾነ ቢንያም ግርማይ፡ መርሃዊ ቅዱስ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ናትናኤል ተስፋጽዮንን ናሆም ዘርኣይን እቶም ንኣህጉራዊ ንሽልማት ተሓጽዮም ዘለዉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ'ዮም።

ጉስታቭ ባሶን፡ ኒኮላስ ዲላምኒ፡ ርያን ሂብሲን ከምኡ'ውን ልዊስ መንቲጅስ ነቲ ሽልማት ዝተሓጸዩ ደቡብ ኣድሪውያን እዮም። ቡርኪና ፋሶ ብውገና ቦፓውል ዳውሞትን ሶሊማነ ኮነ ክትውከል ኣንካላ ካሜሮን'ውን ብተመሳሳሊ ብክሎቪስ ካምዞንግን ኣርቱስ ተላን ተወኪላ ኣላ።

ኣይቮርያዊ ኢስያካ ሲሰ፡ ኣልጀራይዊ ያሲም ሓምዛን'ውን ነቲ ሽላምት ተሓጽዮም ኣለዉ።

ኣብ 2020 ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳሚ ተባሂሉ ብኣካየድቲ ላ ትሪፒካለ ምሽላሙ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ 2021 ብዘርኣዮ ተወዳዳርነትን ብዘመዝገቦ ዓለምለኻዊ ዓወታትን ነዚ ሽልማት ክወስዶ ብኣግኡ ግምት ተዋሂብዎ ይርከብ።

ቢንያም ግርማይ 24 መስከረም 2021 ኣብ ቤልጂም፡ ፍላንደርስ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሻምፕዮን ብሽክለታ ዓለም ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ካልኣይ ደረጃ ብምውጻእ ተሸላሚ ብሩር ሜዳልያ ምዃኑ ይዝከር።

ቢንያም ግርማይ ንኤርትራ ኣብ ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ፈላሚ መዳልያ ዘግዘመ ተቐዳዳማይ ብምዃን ዝበረኸ ዓወት ምስ ምምዝጋቡ ኣብዚ ተሓጽይዎ ዘሎ ውድድር ክዕውት ከምዝኽእል ብዙሓት ይግምቱ።

ቅድሚ ሕጂ ነዚ ሽልማት ዝተዓወትሉእዚ ሽልማት ካብ 2012 እዩ ክውሃብ ጀሚሩ፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ሓሙሽተ ጌዜ ብምዕዋት ላዕለዋይ ኢድ ክሕዙ ኣንከለዉ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ልዊስ መንቲጀስ ክልተ ግዜ (ኣብ 2013ን 2017ን) ተሸሊሙ።2020 ቢንያም ግርማይ (ኤርትራ)

2019 ኢምፐይ ዳርይል (ደቡብ ኣፍሪቃ)

2018 ኣርሩያ ጆሴፍ (ርዋንዳ)

2017 ልዊስ መንቲጀስ (ደቡብ ኣፍሪቃ)

2016 ተስፊም ዑቕባማርያም (ኤርትራ)

2015 ዳንኤል ተኽለሃይማኖት (ኤርትራ)

2014 መኽሰብ ደበሳይ (ኤርትራ)

2013 ብልዊስ ምውንቲጀስ (ደቡብ ኣፍሪቃ)

2012 ናትናኤል ብርሃነ (ኤርትራ)