ኤርትራዊት ፕሮፌሽናል ተቐዳዳሚት ብሽክለታ ደሲት ኪዳነ ብሓደጋ መኪና ዓሪፋ

ደሲት ኪዳነ

ምንጪ ስእሊ, Justin Setterfield

ኤርትራዊት ፕሮፌሽናል ተቐዳዳሚት ብሽክለታ ደሲት ኪዳን ትማሊ ኣብ ስዓታት ናይ ንግሆ ኣብ መንገዲ ማይ ነፍሒ ኣብ እዋን ልምምድ ብዘጋጠማ ሓደጋ መኪና ዓሪፋ።

10 ጥቅምቲ 2000 ዝተወለደት ፕሮፈሽናል ተቐዳዳሚት ደሲት ኪዳን፡ ካብ 2019 ጀሚራ ኣብ ናይ ዩሲኣይ ጋንታ ተጠርኒፋ ንውልቃን ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ዓበይቲ ዓወታት ከተመዝግብ ዝጸንሐት ተቀዳዳሚት እያ።

ጓል 21 ዓመት ደሲት ኪዳነ፡ ኣብ 2018 ርዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ኣፍሪካን ኮንቲነንታል ቻምፕዮን ሺፕ ብናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድርን ናይ ጽርግያ ውድድር ብናይ ጁኔርን ሲነርን ተሸላሚት ወርቂ መዳልያ ኮይና እያ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ኣብ ሻምፕዮን ዓለም ምስ ዓበይትን ውሩያትን ተቐዳደምቲ ተወዳዲራ መበል 22 ኮይና ውድድራ ምዝዛማ ኣብ ውድድር ብሽክለታ ዘለዋ ብቕዓት ዘግሃደ ውጽኢት እዩ ነይሩ።

ኣብ 2019 ብናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ቻምፕዮን ኤርትራ ኮይና ውድድራ ዝዛዘመት ደሲት ኪዳነ ኣብ ናይ ጽርግያ ውድድር'ውን ንዳናይት ፍጹም ተኸቲላ ካልኣይቲ ኮይና እያ ውድድራ ዛዚማ።

ደሲት ኪዳነ ምስ ጋንታ ዩሲኣይ ካብ የማን ካልኣይቲ 10 ሓምለ 2021

ምንጪ ስእሊ, Mark Van Hecke

መግለጺ ስእሊ, ደሲት ኪዳነ ምስ ጋንታ ዩሲኣይ ካብ የማን ካልኣይቲ 10 ሓምለ 2021

ኣብ 2019 ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝተኻየደ ኣፍሪካን ጌም ኣብ ናይ ጁንየር ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ካልኣይቲ ብምውጻእ ተዓዋቲት ብሩር መዳልያ ክትከውን እንከላ ኣብ ሓፈሻዊ ናይ ግዜ ውድድርን ናይ ጽርግያ ውድድርን ኸኣ ሓምሸይቲ ኮይና ውድድራ ዛዚማ።

ኣብ 2019 ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዝተኻየደ ኣፍሪካን ኮንቲነታል ቻምፕዮን ሺፕ

  • ኣብ ናይ ጽርግያ ውድድር ኣብ ናይ ጁንየር ቀዳማይቲ
  • ኣብ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር ካልኣይቲ
  • ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ሳልሰይቲ ኮይና ውድድራ ብምዝዛም ኤርትራ ዝበዝሐ ሜዳልያታት ሒዛ ውድድራ ክትዛዝም ዓቢ ተራ ተጻዊታ።
Short presentational grey line

ደሲት፡ ኣብ ጠቕላላ ዓመተ 2019 ኣብ 19 መዓልታት ዝወሰደ ውድድራት ብምስታፍ 1215 ኪሎ ሜትር ርሕቀት ዝሸፈነ ብምዝዋር ኣብ ዩሲኣይ ዝተመዝገበ 43 ነጥቢ ኣዋህሊላ እያ ነታ ዓመት ዛዚማታ።

ብስራት ገብረመስቀል፡ ደሲት ኪዳነ፡ ኣድያም ተስፍኣለም

ምንጪ ስእሊ, Pool

መግለጺ ስእሊ, ብስራት ገብረመስቀል፡ ደሲት ኪዳነ፡ ኣድያም ተስፍኣለም

ኣብ ዓመት 2021 ድማ ምስ ጋንታ ናይ ዩሲኣይ ብምዃን ኣብ ዓበይቲ ኣውሮጳውያን ውድድራት ላ ኪላሲክ ማርቢሃን፣ ግራንድ ብሪክስ ማርቦሃን ፈሚኒን፣ ግሮተ ብሪጅ ካልኦትን ብምስታፍ ብሓፈሻ ኣብ 13 መዓልታት 1183 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ውድድራት ኣካይዳ።

ንሳ፡ ኣብ 25 መስከረም 2021 ኣብ ቤልጅም ኣብ ዝተኻየድ መበል 94 ቻምፕዮን ዓለም ምስ ኣድያም ተስፋኣለም፣ ብስራት ገብረመስቀልን ብምዃን ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብምውካል ኣብቲ ዓቢ ውድድር ክትሳተፍ ክኢላ እያ።