ኣብ ዓመተ 2021 ኣብ ኤርትራ ካብ ዝተራእዩ ቀንዲ ምዕባለታት

ኣብ ዓመተ 2021 ኣብ ኤርትራ ካብ ዝተራእዩ ቀንዲ ምዕባለታት

ሎሚ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን ዓመተ 2021 ዛዚምና ንዓመተ 2022 ኣሃዱ ኢልና ጀሚርና ኣሎና። ንምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ 365 መዓልታት ኣብ ኤርትራ ዝተርኣዩ ከይተጠቐሱ ክሕለፉ ዘይብሎም ጉዳያት እንታይ ይመስሉ?

ጥሪ

ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ፡ ንፈለማ እዋን ኣመሪካ ጸዊዓ- ሰራዊት ኤርትራ ንሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምድጋፍ'ዮም ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ይዋግኡ ነይሮም።

ሃለዋት ናይቶም ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተቐርቀሩ ኣስታት 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሻቕሎት ከምዝፈጠረሉ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳታት ቪዛ ሰሪዙ። እቲ እገዳታት ብፕረዚደንት ነበር ዶናል ትራምፕ ዝወጸ'ዩ ነይሩ።

ለካቲት

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ኩነታት ኢትዮጵያ 'ግቡእና ነበርክት ኣለና' ክብል ተዛሪቡ። ኣብቲ እዋን ኤርትራ ምትእትታው ሓይልታታ ኣብ ኲናት ትግራይ ኣይተኣመነትን ነይራ።

ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ከተውጽእ ጸዊዑ።

ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ኣብ ኣመሪካ ዓሪፉ። ንሱ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ፡ ኣዛዚ ክፍለሰራዊት ዝነበረ ምዃኑ ይፍለጥ። ሓደ ካብቶም ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝነቐፉ ብጉጅለ-15 ዝፍለጡ ላዕለዎት መራሕቲ ኮይኑ፡ ኣብ ስደት ተቓውሞታት ይቕጽል ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብ26 ለካቲት አብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ዝተሳተፉ ወተሃደራት ኤርትራ: ኣብ መወዳእታ ሕዳር ኣብ ጥንታዊት ከተማ ኣክሱም ብምእታው: ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝቐተሉ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ከምዝሓበርዎ ገሊጹ'ሎ። ኤርትራ ብወገና፡ "ኣብ ልዕሊኣ ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝቐረበ ዘይመስል ክስታት ብቑጠዐን ብትርን ትነጽጎ" ክብል ሚኒስተር ዜና ገሊጹ ነይሩ።

መጋቢት

ኣብ ትግራይ ዝነበራ ክልተ መዓስከራት ስደተኛታት 'ምሉእ ብምሉእ' ከምዝዓነዋ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ። ኣብ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ዝነበሩ ስደተኛታት ብሰንኪ'ቲ ኲናት ተበታቲኖም፡ ገለ ናብ ኤርትራ ተወሲዶም፡ ገለ ናብተን ካልኦት መዓስከራት ተጸንቢሮም፡ ገሊኦም ድማ ናበይ ከምዝኣተዉ ኣይተፈልጠን። ዝተቐትሉ ከምዝነበሩ'ውን ይግለጽ።

ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ጃምላዊ ቅትለት ከምዝፈጸሙ ሁዩማን ራይትስ ዎችን ዝተባህለ ተጣበቕቲ መሰላት ከሲሶም። ኤርትራ ግን ነቲ ክስታት ክትነጽጎ'ያ ጸኒሓ።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዶባት ዝርከቡ ቦታታት ኢትዮጵያ ተቖጻጺሩ ከምዝነበረ ንፈለማ እዋን ዝተኣመን ቀዳማይ ሚስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኤርትራ ሓይልታታ ከተውጽእ ከምዝተሰማምዐት ገሊጹ ነይሩ። እንተኾነ ግን፡ ብድሕሪኡ ንነዊሕ እዋን ከምዝጸንሑ'ዩ ዝፍለጥ።

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ተዓጽየን ዝጸንሓ 'ኩለን' ኣብያተ ትምህርቲ ክኽፈታ'የን። ኤርትራ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተሪር ዕጽዋ ኣዊጃ ምንባራ ይዝከር።

ሕብረት ኣውሮጳ ብ22 መጋቢት ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ብብ/ጀነራልሃ ኣብርሃ ካሳ ዝምራሕ ትካል ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ ምርሸዓንን ምስኣርን" ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ከበድቲ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከምዝፈጸመ ብምኽሳስ እገዳ ከም ዘንበረሉ ሓቢሩ። እቲ ሕብረት ነቲ እገዳ ከንብር "ሕጋውን ሞራላውን ስልጣን የብሉን" ኤርትራ ተቓዊማቶ'ያ።

ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ጋዜጣታት ብሕቲ ኤርትራ ዝመስረቱ ኤርትራውያን ዝኾነ ዜጠኛ፡ ሚልክያስ ምሕረትኣብ ዓሪፉ። እቲ "ሰባር ስቕታ" ተባሂሉ ዝግለጽ፡ ሚልክያስ ኣብ ስደት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝነበረሉ እዋን'ውን ንመሰላት ፕረስን ጋዜጠኛታትን ዝጣበቕ ዝነበረ'ዩ።

ኣብ ኤርትራ ልዕሊ 30 ሰዓብቲ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን ተፈቲሖም።

ኤርትራ ንፈለማ እዋን ሰራዊታ ኣብ ኲናት ትግራይ ከምዝተሳተፉ ተኣሚና። መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ካብ ትግራይ ክወጹ ከምዝጀመሩ ኣፍሊጡ።

ግንቦት

መሰራቲን ኣዳላዊን ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ሰቲት ዝነበረ ፍሉጥ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ኣሮን ብርሃነ ብ3 ግንቦት፡ ኣብ መዓልቲ ፕረስ ዓለም፡ ኣብ ካናደ ዓሪፉ። ኣሮን፡ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምዃን ኣብ ገድሊ ንናጽነት ድሕሪ ምስታፉ፡ ድሕሪ ናጽነት ናብ ትምህርቲ ዓለም ተመሊሱ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብጋዜጠኝነት ብዲግሪ ተመሪቑ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፈልትማን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ ብዛዕባ ኲናት ትግራይን ዞባዊ ጉዳያትን ተዘራሪቡ።

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ኤርትራ ናይ ቪዛ እገዳ ኣንቢራ። እቲ ስጉምቲ "ሕጋውነትን፡ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ዘየደንፍዕ'ዩ" ክትብል ኤርትራ ተቓውሞኣ ገሊጻ።

ሸኽ ሳልም ኢብራሂም ኣልሙኽታር ሙፍቲ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

መግለጺ ስእሊ, ሙፍቲ ኤርትራ ሸኽ ሳልም ኢብራሂም ኣልሙኽታር

ሸኽ ሳልም ኢብራሂም ኣልሙኽታር ሙፍቲ ኤርትራ ኮይኖም ተመሪጾም። ኣብቲ ምርጫ፡ ላዕለዋይ ባይቶ ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን ኤርትራ፡ ጉባኤታት እስላም ኣውቓፍ ንኡሳን ዞባታት፡ ኣባላት ቤት-ጽሕፈት ኢፍታእ ኣብ ኩለን ዞባታት፡ ከምኡ'ውን መሻይኽን ዓበይቲ ዓዲን ዝርከብዎም 82 ወከልቲ ተሳቲፎም ነይሮም። ሸኸ ሳልም ኣካያዲ ስራሕ ሙፍቲ ኤርትራን ዋና ጸሓፊ ላዕለዋይ ባይቶ ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን ኤርትራ ኰይኖም ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገሉ'ዮም።

ሰነ

ሲኖዶስ ኦርቶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ንኣቡነ ቄርሎስ መበል 5ይ ፓትርያርክ ክኸውን ብወግዒ ከምዝሾመቶ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣፍሊጡ። ብሰንኪ ምእጋድን ምውጋዝን ናይቶም ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከቡ 3ይ ፓትርያርክ፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ብዘይ ፓትርያርክ ንዓመታት ምጽንሓ ይፍለጥ።

ብ27 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጽርግያ ውድድር ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ዓመተ 2021 ዳዊት የማነ ቻምፕዮን ክኸውን እንከሎ ካብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ከኣ ተቐዳዳማይ ጋንታ ሰምበል ኤፍሬም ገብረህይወት ቀዳማይ ኮይኑ። መርሃዊ ቅዱስን ኣድያም ተስፋለምን ኣብ ቻምፕዮን ኤርትራ 2021 ብግዜ ተዓዊቶም።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣምባሳደር ኤርትራ ኮይኑ ዝሰርሐ ኣቶ ኣርኣያ ደስታ ብሕማም ከምዝዓሪፉ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ።

ኣቡነ ቄርሎስ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/twitter

መግለጺ ስእሊ, ኣቡነ ቄርሎስ

ሓምለ

ኣብ ገምገም ባሕሪ ቱኒዝያ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተሳፈሩላ ጃልባ ድሕሪ ምጥሓላ፡ 43 ተጓዓዝቲ ከምዝጠለቑ ማሕበር ቀይሕ መስቀል እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ወዲ 21 ዓመት ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ቲም ኩቤካ ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ዓመተ 2021 ብዘመዝገቦ ዓወታት ዝተመሰጠት ጋንትኡ ካብ ወርሒ ጥሪ 2022 ጀሚሩ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ኮይኑ ምስ ዓባይ ጋንታ ቲም ኩቤካ ውድድሩ ከካይድ ፈሪሙ።

ክልቲኦም ተጻረርቲ ወገናት ግጭት ትግራይ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዒላማ ገይሮም ክብል ሕቡራት ሃገራት ከሲሱ። ንፈለማ እዋን፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ናብ መዓስከራት ስደተኛታት ትግራይ ኣትዩ።

ክብረ-ወሰን ጒነስ ረከርድስ ዘጻርዮ ዘሎ ዝነውሐ ከይኮነ ዘይተርፍ ዕምሪ ዝነበሮም ኣቶ ነታባይ ትንስኤው ዝተባህሉ ኤርትራዊ ኣቦ ኣብ መበል ልዕሊ 120 ዓመቶም ዓሪፎም።

ኤርትራዊት ዓወት ተስፋየሱስ ፈላመይቲ ጸላም ኣባል ፓርላማ ጀርመን ብምዃን ተዓዊታ። እታ ኣባል ሓምላይ ሰልፊ ዝኾነት ጓል 47 ዓመት፡ ነቲ እትነብረሉ፡ ንከተማታት ፍራንክፈርትን ካሰልን ዘጠቓለለ ዞባ ሄሰን ብምውካልያ ተወዳዲራ።

ኤርትራዊት ዓወት ተስፋየሱስ

ምንጪ ስእሊ, German Green Party

መግለጺ ስእሊ, ኤርትራዊት ዓወት ተስፋየሱስ

ነሓሰ

ገዲም ከራራይ ነስጥበባዊ ተኽለንኪኤል ገብሩ ኣብ መበል 71 ዓመት ዕድመኡ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።

ኣመሪካ፡ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ኣዛዚ ሰራዊት ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ እገዳ ኣንቢራ።

ሰራዊት ኤርትራን ምልሻታት ትግራይን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ዝርከቦም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ሁማን ራይትስ ዎች ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

መስከረም

ቻይና ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝግበር እገዳ ኮነ ምፍርራሕ እገዳ ከምእትቃወም ኣምባሳደር'ታ ሃገር ኣብ ኤርትራ ኣፍሊጡ።

መራሒ ሰልፊ ዕዮ ብሪጣንያ ነበርን ኣባል ባይቶን ጀረሚ ኮርቢን ኩሎም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ናይ ሕልና እሱራት ክፍትሑ ጸዊዑ።

ጥቅምቲ

ብኤርትራዊ ዮናስ ማይናስ ዝተሰርሐት ብዓረባዊ ቅዲ ዝተዜመት 'ሓሚዳ' ዘርእስታ ደርፊ ንኣፍሪቃዊ ሽልማት ተሓጽያ።

ኢንጂነር ግርማይ ዘርኣይ ኣበርሃምን መትከል ዘርኣይ ኣብርሃምን ብዝተባህሉ ኤርትራውያን ኣሕዋት ዝውነን ኣፕቴክ ኣፍሪቃ ዝተባህለ ትካል፡ ብቻይናዊ ቢልዮነር ኣብ ዝውሃብ ሽልማት ምስ ዝበለጹ ዓሰርተ ጸለውቲ ትካላት ኣፍሪቃ ተባሂሉ ተረቑሑ።

ኤርትራ ንኻልኣይ እዋን ኣባል ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኮይና ከተገልግል ተመሪጻ።

ቁጠባ ኤርትራ ካብ 2022 ክሳብ 2026 ኣብ ዘሎ ዓመታት ናብ 4.8 ሚእታዊት ክዓቢ ምዃኑ ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ሓቢሩ። እቲ ትካል ብ13 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ ኣመታዊ ጸብጻብ፡ ኣብ 2026 ናብ 3.9 ከምዝወርድ'ውን ኣሚቱ'ሎ።

ኣብ ኤርትራ ተወሊዳ ብንእስነታ ናብ ብሪጣንያ ዝተሰደት ነርስ ምብራቕ ገብረሂወት "ብሃር ብዓልቲ ሞያ ጥዕና" ተባሂላ ብምምራጻ ካብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሽልማት ተቐቢላ።

ኣብ ኢጣልያዊት ከተማ ቦሎኛ ኣብ ዝተኻየደ ዞባዊ ምርጫ፡ ስዒድ ነጋሽ ዝተባህለ ትውልደ ኤርትራዊ ንፈለማ እዋን ናብ ባይቶ ምምሕዳር እታ ከተማ ዝተመረጸ ጸሊም ኮይኑ።

ስነ ጥበባዊ ዮናስ ማይናስ ኣብ 2018 ብጽቡቕ ኣተኣላልያ ዝተሸለመት ደርፊ 'ክንራኸብ ኢና' ኣልዩ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Yonas Maynas

መግለጺ ስእሊ, ስነ ጥበባዊ ዮናስ ማይናስ ኣብ 2018 ብጽቡቕ ኣተኣላልያ ዝተሸለመት ደርፊ 'ክንራኸብ ኢና' ኣልዩ እዩ

ሕዳር

ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ነበር: ገዲም ተጋዳላይ: ብ/ጀነራል ነጋሽ ተስፋጼን ኣይበል፡ ብ18 ሕዳር 2021 ኣብ መበል 84 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ።

ንሳምንታት ዝቐጸለ ቅልውላው ምጥፋእ ኤልክትሪክ ኤርትራ ኣብ መነባብሮ ህዚቢን ኣፍረይቲ ትካላትን ዓቢ ጸገም ፈጢሩ።

ሓደ ካብ መስረትቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ጸሓፊ ህግደፍን ዝነበረ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ብሰንኪ ሕማም ኮሮናቫይረስ ኣብ ስዑዲ ዓሪፉ።

ኣመሪካ ምስ ቅልውላዉ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ነማርያምን ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝኾነ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወት ወልደኪዳንን ካብቶም እቲ እግዳ ዝግበረሎም ክኾኑ እንከለው፤ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ገዛኢ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ)፡ ከምኡ'ውን እቲ ብህግደፍ ዝውነኑ ዓቢ ንግዳዊ ኮርፖረሸን ቀይሕ ባሕሪን ማዕከን ሕድርን ኣብቲ እገዳ ኣንቢራ።

ኤርትራዊ ዮናስ ምሕረትኣብ ብኮሜድያዊት ደርፊ 'ሓሚዳ' ሽልማት 'ኦል ኣፍሪካን ሙዚክ ኣዋርድ' ተዓዊቱ።

ታሕሳስ

ኣካየድቲ ናይቲ ኣብ ሃገረ ጋቦን ዝካየድ ዙር 'ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ' ኣብ ዘውጽእዎ ዝርዝር ብሉጻት ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ብሽክሌታ፡ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ዓመተ 2021 ብዘርኣዮ ብቕዓት እቲ ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ኢሎም ሰምየሞ።

ቢንያም ግርማይ መስከረም 2021

ምንጪ ስእሊ, Tim de Waele

ጋዜጠኛን ደራስን ተስፋዬ ገብረኣብ ብዝሓደሮ ውሽጣዊ ሕማም ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ ሆስፒታል ኣጋካን ክሕከም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መበል 53 ዓመቱ ብ24 ታሕሳስ 2021 ዓሪፉ።

ህብብቲ ተዋሳኢት፡ ተዋዛዪትን ጸሓፊትን ኤርትራዊት ኣሜሪካዊት ቲፋኒ ሓድሽ ኣብ መበቆል ዓዳ ገዛ ከረን ንኡስ ዞባ ዓዲኳላ ጤሳ ከም ዝተዋሃበት ተገሊጹ። "ብዛዕባ መጻኢ ህዝቢ" ኤርትራ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዝተዘራረበት ሓቢራ።

ኤርትራ ናብታ ሃገር ንዝኣትዉ ገያሾ ዝምልከት ሓድሽ መምርሒታት ኮሮናቫይረስ ከምዘውጽአት ኣፍሊጣ።

ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ገያሾ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ መርመራ ክግበረሎም ምዃኑን፡ ተለኺፎም ዝተረኽቡ "ብናታቶም ወጻኢ" ኣብተን ብሰብመዚ ዝተፈልያ ሆቴላት ክውሸቡ ምዃኖምን ሓቢሩ።

እቲ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምዃን ንነዊሕ ዓመታት ዝመርሐ ኣቶ ሮሞዳን መሓመድ ኑር፡ ብረቡዕ 29 ታሕሳስ 2021 ኣብ መበል 83 ዓመቱ ኣብ ከተማ ካርቱም፡ ሱዳን ዓሪፉ።