ኤርትራዊት ዘውዲ ኣርኣያ፡ ኣብ ኣህጕራዊ ዓውዲ-ሲነማ ዓቢ ተራ ዝተጻወተት ቀዳመይቲ ተዋሳኢት

ኤርትራዊት ዘውዲ ኣርኣያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ሰብዓታት ኣብ ከተማታት ኤርትራ ንዘውዲ ኣርኣያ ዘይፈልጥ ሰብ ዳርጋ ኣይነበረን ክበሃል ይከኣል። ምኽንያቱ ኣብ ኣህጕራዊ መድርኽ ወጺኣ ኣብ ኣብ ፊልምታት ከም ቀንዲ ተዋሳኢት ኮይና ትቐርብ ስለ ዝነበረት።

ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ዋላ'ኳ ሃገራዊ ብረታዊ ቃልሲ ይካየድ እንተነበረ፡ ኣስመራ ዘወናውን ጽባቐ ነበራ።

ኤርትራውያን ኣብ ናይ መንግስቲ ይዅን ብሕቲ ስራሓት ዝወፍረሉ፣ ሰብ-ሓዳር ቪላታት ዜስርሕሉ፣ ብዙሓት ደቀ'ባት ካብ ጣልያን ዝተረከብዎ ፋብሪካታት ዜመሓድርሉ፣ ብብዝሒ ዲታታት (ኩባንያታት) ዝነበርሉ፣ ሙኒቺፕዮ (ቤት-መዘጋጃ) ኣብ ክንክን-ከተማ ኣበርቲዑ ዝሰርሓሉ፡ ቍጠባ ከተማ ዝደንፍዓሉ፡ ጣልያን ከም ገዛእቲ ዘይኮነ ከም ተራን ኣካየድቲ ስራሕን ኰይኖም ዝነጥፍሉ፡ ደቂ ከባቢ ኣስመራ ናብታ ከተማ ኣትዮም እቶት ዝምእርርሉ ግዝያት ነበረ።

እዛ ብንእሽቶ-ሮማ ትፍለጥ ዝነበረት ከተማ ከም ፊያት ታሌሮ፡ ቃኘው-ስቴሽን ዝኣመሰሉ ብርክት ዝበሉ ትካላትን ኩባንያታትን፡ ከም እንዳ መሎቲ፡ እንዳ ደናዳይ፡ ዕሸጋ መግቢ፡ እንዳ ዓለባ ዝኣመሰሉ በብዓይነቱ ኣፍረይቲ ፋብሪካታት ነይሮማ። ብተወሳኺ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዜጋታት ብዋኒኖም ይነብሩ ነበሩ።

ናይ ቀደም ኣስመራ

እቲ ሽዑ ዝነበረ ህይወት ብምርኢት ኤክስፖ-ኣስመራ ክግለጽ ይከኣል። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኤክስፖ ናይ 1969 ኣስመራ ኣበይ በጺሓ ከም ዝነበረት ዜርኢ ምርኢት ነበረ። ኵሎም ትካላት፡ ኣፍረይቲ ፋብሪካታት፡ በብዓይነቱ ኣገልግሎት ዝህባ ኩባንያታት፡ ናይ ብሕቲ ዋኒናት ብወኪላተን ኣቢለን ኣብ ኤክስፖ ምርኢት ዜቕረብሉ ኣጋጣሚ ነበረ።

ምስ ኤክስፖ-ኣስመራ ተኣሳሲሩ ዉድድር ቍንጅና ደቂ'ንስትዮ ተኻየድ'ሞ ሽዑ ጓል 17/18 ዝነበረት፡ ዘውዲ ኣርኣያ ዝተባህለት ተመሃሪት ቀዳመይቲ ብልጫ ወሰደት።

ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ተዘክሮታት ዘውዲ

ዘውዲ ኣርኣያ፡ ቍመታ ነዋሕ፡ ዓይና ፍሩይ፡ ጽልም ኢላ፡ ሰውነታ ሸጥ ዝበለ፡ ኣዝያ ቆንጆ ነበረት። ኰይኑ ድማ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ውድድር ኤክስፖ፡ ብቍንጅንኣ ቀዳመይቲ ኰይና ተመርጸት። እቲ ውድድር ንፈለማ እዋን'ዩ ተኻዪዱ። ሓደ ካብ'ቶም ዝተሸለመቶም ብልጫታት ከኣ ንዓዲ ጣልያን ኣብጺሑ ዚመልስ ናይ ነፋሪት ትኬት ነበረ።

ታሪኽ እዛ ንህይወታን ቍንጅንኣን ብግቡእ ዝተጠቕመትሉ ዕዉትቲ ተዋሳኢት ኣብ ብዙሓት ብቀረባ ኣብ ትምህርትን ዝዓበየትሉ ጎደናታትን ብርሑቕ ከኣ ኣብ እትሰርሖ ፊልምታት ዝፈልጡዋ ሰባት ስኑድ እዩ።

"ዘውዲ ኣብ 'ቦተጎ' - ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ጣልያን ምዃኑ'ዩ - መማህርተይ'ያ ነይራ፣ እኳ ድኣ ጓል ክፍለይ" ትብል ስም ክትርቋሕ ዘይትደሊ መሓዝኣ። "ገዛውታ ልዕሌና፡ ጥቓ ባር-ትብለጽ ዀይኑ መብዝሕትኡ እዋን ካብ ገዝኣ ንቤት-ትምህርትና ንበይና ብእግራ ክትመላለስ ትዝከረኒ" ትብል።

"ዘውዲ ምሉእ ነብሰ ምትእምማን ዝነበራ፡ ቍሊሕ-ምሊሕ ከይበለት እትኸይድ፡ ኵሉ ሰብ ብጽባቐኣ ዝጥምታ፡ ኣብ ዉሽጢ ክፍልና ድማ ብዙሕ ዘይትዛረብ ኵርዕቲ ጓል ነበረት" ክትብል ወሰኸትሉ።

ንዘውዲ ሓጺር ክዳን ተኸዲና ሸናዕ ክትብል ዝዝክርዋ ብዙሓት'ዮም። ክዳና ንቅርጺ ኣካላታ ዝውድስ'ኳ እንተነበረ ገለ ገለ ሰባት ግን ብሓጹር ባህሊ ተኸዊሎም ይጎጥዩዋ ነይሮም። መቸም መንእሰይ ንዝኾነ ሓዲሽ ነገር ቀልጢፉ እዩ ዝርዕሞ። ኣወዳት ገፊሕ ዝእግሩ ስረ ተኸዲኖም፡ ጸጕሮም ኣጐቲኖም ዝኸድሉ፣ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ሓጺር ክዳን ዝኽደናሉ ዘመን ነበረ።

"ኣብ ናይ ውድድር ቍንጅና ትካፈለሉ ዝነበረት እዋን ድማ ብዙሕ ጊዜ ካብ ቤት-ትምህርቲ ትበኵር ከም ዝነበረት፡ ኣብ ኤክስፖ ስዒራ ኣብ ቤት ትምህርትና ምስ ተመልሰት ድማ ሓንቲ መምህርና ከምቲ ልሙድ ሕቶታት ብምሕታት ንኵላህና ተባጻሓልና ነበረት እሞ ተራ ዘውዲ ምስ በጽሐ፡ 'ሚስ ኤርትራ፡ ንሕቶይ መልሲ ክትህብሉ'ዶ ትኽእሊ?' እናበለት ክትሕጭጨላ እዝከረኒ" ኢላ ተዘንቱ። ዘውዲ ግን ቅጭጭ ከም ዘይበላ ኸኣ ትዝክር።

ዘውዲ ብ 10 ለካቲት 1951 ኣብ ደቀምሓረ ተወሊዳ። ኣቦኣ ከንቲባ ናይ ደቀምሓረ'ዮም ነይሮም።

ዘውዲ ኣርኣያ ምስ ኢጣልያዊ ኣክተር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዝሓለፈ መጋቢት (2021) ዘውዲ ኣብ "ኮሬረ ደ'ላ ሰራ" ዝበሃል ጋዜጣ ዘካየደቶ ቃለ-መጠይቕ ከመይ ኢላ ንዓዲ ጣልያን ከም ዝሰገረት፡ ኣብኡ ኸኣ ከመይ ኢላ ኣብ ዓውዲ-ሲነማ ዓወታት ከም እተጓናጸፈት ተዘንቱ።

"ኣነ ንበይነይ፡ ካብ ኵሎም ኣሕዋተን ኣሓተይን፡ እንዳ ጥልያን ቤት ቲምህርቲ'የ ተማሂረ" ትብል ዘውዲ። "ካብ ብንእሽተይ ኸኣ ሓላሚት'የ ነይረ፣ ሕልመይ ከኣ ንዓዲ ጣልያን ከይደ ኣብኡ ክሰርሕን ክነብርን ነበረ" እናበለት ታሪኽ ምትእስሳር ጣልያንን ኤርትራን ወሲኻ ትገልጽ።

"ኣቦይ፡ ከም ሰቡ፡ ከምኡ'ውን ከምቲ ባህልና ዝጠልቦ፡ ሕይል ዝበለ ረዚን ሰብ ነበረ። ኣነ ግን ክቱር ሕልሚ ስለ ዝነበረኒ ኣብ'ቲ ናይ ውድድር ቍንጅና ከይነገርኩዎ ተሓቢአ'የ ተሳቲፈ፣ ተዓዊተ ኸኣ" ትብል ዘውዲ። በቲ ዝወሰደቶ ባዕላዊ ዉሳኔ ግን ኣቦኣ ሕጉስ ከም ዘይነበሩ'ውን ተረድኣ።

እቲ ዉሳኔ'ቲ ክትወስድ፡ ነቲ ዝሰዓረቶ ብልጫ ሒዛ ድማ ንቕድሚት ክትግስግስ ክሳብ ክንደይ ሓያል ባህርን ቆራጽነትን ከም ዝነበራ'ዩ ዘርኢ። ባህልና ሓያል፡ ቀሳቢ፡ ሸምቂቑ ዝሕዝ ባህርያት ከምዘለዎ እቶም ብእኡ ዝሓለፉ ናይቲ ዘመን ሰባት ይዛረቡ።

ዝዀነ ዀይኑ፡ ድሕሪ ኤክስፖ ህይወት ዘውዲ ጨሪሱ ተለወጠ፣ ንባህልና ፈንጢሳ ብምውጽኣ ተዓወተት፣ ዕድል ገበረት፣ ዝና ኸኣ ኣሰናያ። ንዓዲ ጥልያን ናይ ምኻድ ሕልማ ድማ ሰመረላ።

ዘውዲ ኣብ ዓዲ ጣልያን

ሕብረተ-ሰብ ጣልያን ንዘውዲ ብጽቡቕ ተቐበላ። ባህልን ቋንቋን ጣልያን ትቕበሎን ትፈልጦን ስለ ዝነበረት ድማ ኣብቲ ሕብረተሰብ ክትኣቱ ኣይተሸገረትን።

ብጽባቐኣን ኣቀራርብኣን ንብዙሓት ኢጣልያውያን ክትምስጥ ስለ ዝኸኣለት ድማ ኣብ ሲነማ ከም ተዋሳኢት ንኽትነጥፍ ዕድል ረኸበት።

ኣይጸንሐትን፡ ዘውዲ ኣብ ዓውዲ-ሲነማ ዓወታት ክትጓናጸፍ ጀመረት። እታ ቀዳመይቲ ዝተዋሰአትላ ዓባይ ፊልም ድማ - ቃል-ብቃሉ ምስ እንትርጕሞ - "እታ ቆርበት ወርሒ ዘለዋ ጓል" (La ragazza dalla pelle di luna) - ምስ ተዘርግሐት ብዙሕ ሰብ ንዘውዲ ረኣያ።

ኣብ ኤርትራ ዋላ'ኳ ናይ ሲነማ ምርኣይ ባህሊ እንተነበረ ናይ ቺነማቶግራፊያ ባህሊ ስለ ዘይነበረ ህዝቢ ነቲ ዘውዲ ዝተዋስአቶ ፍቕራዊ ጣባይ ናይታ ፊልም ምስ ረኣየ ኣይተዋሕጠሉን። እቲ 'ታርዛን'፡ 'ማቺስተ'፡ ናይ 'ካውቦይ' ፊልምታት እናርአየ ዝዓበየ ሰብ ናይ ዘውዲ ፊልም ምስ ረኣየ ቀባሕባሕ በለ። ብኻልእ ኣዘራርባ ሰገጥ በለ፣ ንከምኡ ዓይነት ፊልም ኣይተዳለወን ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ኰይኑ ድማ ነቲ ቀዳድ-ነግሒ ጻዕራ ብቀርኑ ተቐበሎ።

እቲ ትልሚ ናይ'ታ ፊልም ከምዚ ዚስዕብ ነበረ። ሓዳር ናይ ኣልበርቶ ዝተባህለ መሃንዲስን ሄለን ዝተባህለት ሰኣሊትን ኣማስይኡ ኣብ ፈተነ ምስ ወደቐ ክልቲኦም ሓቢሮም ንክዛነዩ ናብ ሲሸልስ ዝተባህለ ሃገር ምስ ገሹ ንሓንቲ ሲሞዋ (ዘውዲ ምዃና'ዩ) ዝተባህለት 'ጓል ኣባት' ይረኽቡ'ሞ ኣብ ፍቕርን ጥልመትን ዝተመርኰሰ ርክባት ይፍጠሩ። እቲ ትልሚ ኤሮሳይ ኰይኑ (ብጾታዊ ርክባት ዝተሰነየ) እቲ ፊልም ኣብ ኣስመራ ምስ ተራእየ ኣከራኻሪ ዛዕባ ከም ዝፈጠረ ብዙሓት ይዝክርዎ።

"ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ከም ሓንቲ ኮኾብ ክስመ ኣብ ሃገርና ግን ኣይግድን"

ዘውዲ ክሳብ 1987 ኣብ ትሽዓተ ፊልምታት ተዋሲኣ'ያ። ከምኡ'ውን ብዛዕብኣ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዛንታታት፡ ቃለ-መሕትታት፡ ኣሳእል፡ ነዋሕትን ሓጸርትን ሓተታታት ቀሪቦም'ዮም። ብሓጺሩ፡ ብ70'ታትን 80'ታትን ሓንቲ ካብ'ተን ብሉጻት ተዋሳእቲ ጣልያን ብምዃን ዓቢ ቆላሕታ ረኺባ'ያ።

እቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ኵነታት ተመሊስካ ክረአ እንከሎ፡ ኣብ ኤርትራ ሰባት ንዘውዲ ዝዀነን ዘይኰነን ሓዋዊሶም ኣስማት ከውጽኡላ'ኳ እንተ ፈተኑ ንሳ ግን ከይተጨነቐት ስርሓ ቀጸለት፣ ካልኣይን ሳልሳይን ፊልምታት ድማ ወሰኸትሉ።

እቲ ኣካይዳ ዘውዲ ኣብ ግዳም ንቡርን ቅቡልን'ኳ ይንበር ኣብ ኤርትራ ማሕለኻታት ይበዝሖ ከም ዝነበረ ዝምስክሩ ሰባት ኣለዉ። እንተ ዘውዲ ግን ጽንዕትን ሓንጐላ ብዝበላ ትኸይድን ስለ ዝነበረት ብስርሓ ዓወት ኣብ ልዕሊ ዓወት ተጎናጸፈት። እንተዀነ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ስድርኣ ዝወረደ ጸቕጢ ኣጸቢቑ ከምዝሃሰያ፡ ዘውዲ ባዕላ ምስ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ብሓዘን ገሊጻቶ ኣላ።

ሓደ እዋን፡ ብ2015 ምዃኑ'ዩ፡ ኣብ ሓደ ጋዜጣ ጣልያን በቶም ዝሰርሓቶም ፊልምታት ክትዛረብ ከላ "ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ከም ሓንቲ ኮኾብ ክስመ ኣብ ሃገረይ ግን ዉርደት" ከም ዜሰነያ ኣግሂዳ ተዛረበት።

ዘውዲ ኣርኣያ ምስ ኢጣልያዊ ኣክተራት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሕጂ ዘውዲ ኣበይ ኣላ?

ሕጂ ዘውዲ ብዕድመ ደፊኣ ግናኸ ብጽብቕታ ኣብ ሮማ ትነብር ኣላ።

ከምሰባ ኣብ ህይወታ ብሓጐጽጐጽን ላዕልን ታሕትን እያ ተጓዒዛ። እቲ ኣዝያ ተፍቅሮ ዝነበረት፡ ብ1983 ዝተመርዓወቶ ፍራንኮ ክሪስታልዲ ዝበሃል ኣብ ናይ ፊልም-ስርሓት ዝነጥፍ ዝነበረ ህቡብ ሰብኣያ፡ ብ1992 ካብዛ ዓለም ምስ ተፈልየ ብዙሕ ሓዘነት።

ብ1994 ካብ'ዚ ሕጂ ዘሎ ብጻያ (ማሲሞ ስፓኖ) ዝወለደቶ እኹል ወዲ ኣለዋ።

ዘውዲ በዓል ቤታ ፍራንኮ ክሪስታልዲ ምስ ሞተ ምውሳእ ገዲፋ ፊልም ኣብ ምስራሕ ሰገረት። ብመጠኑ ኸኣ ተዓወተት።

ሕጂ ንድሕሪት ተመሊሳ ንህወታ ክትርእዮ ቅስንቲ ምዃና እቲ ንታሪኻ ዝስዕቦ ሰብን መማህርታ-ነበርን ይምስክሩላ።

ዘውዲ ኣርኣያ፡ ብመጠኑ እውን እንተኾነ ንኤርትራ ኣብ ወጻኢ ከም እትፍለጥ ገይራ'ያ። እቲ ናይ ምዕራባውያን ዝነበረ ዓውዲ-ሲነማ ማዕጾኡ ብምርሓው ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ነቲ ስራሕ ከም እትበቕዖ ኣመስኪራ፣ ብዝከኣላ መጠን መልክዓን ክእለታን ተጠቒማ ኣብቲ ሰፊሕ ውድድር ዘለዎ ጽንኩር ዓውዲ ኣትያ ተቓሊሳ'ያ። ሕጂ'ውን ጌና ኣብ ዓለም ከም ኣቕራቢት ፊልም ኰይና ሓርኰትኰት ትብል ኣላ።