ኢብራሂም ዑመር፡ ካብ ስደተኛ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ኣባል ፓርላማ ኒውዘላንድ ዝኾነ ትውልደ-ኤርትራዊ

ኢብራሂም ዑመር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኤርትራዊ ዝትውልዱ ኢብራሂም ዑመር ፍሕሽውን ሕዉስን ባህሪ ዘለዎ ሰብ ዀይኑ፡ ኣብ ሃገረ ኒውዘላንድ ንሰልፊ ሰራሕተኛታት ወኪሉ ከም ኣባል ባይቶ ኰይኑ ዜገልግል ዘሎ ፖለቲከኛ'ዩ።

ኢብራሂም መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ካብ'ቲ ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ሃዲሙ ኣብ 2003 ኣብ ሱዳን ተዓቝበ። ኣብ ሱዳን ግን ኵነታቱ ጽቡቕ ስለ ዘይነበረ ኣብ 2008 ብሓገዝ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ንኒውዘላንድ ክሰግር ከኣለ።

ኢብራሂም፡ ኣብ ኒውዘላንድ ንዘጋጠምዎ ብድሆታት ስዒሩ ኣብቲ ሃገር ዝነብሩ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ዉሽጢ ንብዙሓት ወጻእተኛታት ዝውክሉ ማሕበራት ተወዲቡ ብምግልጋል፡ ኣብ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣትዩ ህርድግ ብምባል ብቕዓቱ ዘመስከረ ከምዝኾነ ብዙሓት ይመስክርሉ።

ኣባል ባይቶ ኒውዘላንድ

ኢብራሂም ኣብ 2020 እዩ ኣባል ፓርላማ ዀይኑ ዝተመርጸ። እዚ ቀዳማይ ዕዉት ኣፍሪቃዊ ፖለቲከኛ ካብ ስተድኛ ናብ ኣባል ባይቶ ብዝገበሮ ዝላ ኣብ ብዙሓት ሰባት ኣድናቖት ኣትሪፉ'ዩ።

ቅድሚ ኣብ ፓርላማ ምእታዉ ምሸተ-ምሸት ንነዊሕ ሰዓታት እናሸቀለ፡ ቀትሪ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቪክቶርያ እናተማህረ ጌዜኡ ዕድላቱን ተጠቕመሎም።

ኣብ እዋን ምርጫ "ኣነ ነቶም ብከምዚ ኣነ ዘሕለፍክዎ ናብራ ተጸሚዶም ዝነበሩ ሰባት ዝሓሸ መነባብሮኣዊ ዕድላት ንክፍጠረሎም ተጊሀ ክጽዕር'የ" እናበለ'ዩ ጐስጒሱ።

ኢብራሂም ዑመር

ምንጪ ስእሊ, Ibrahim Omer

ኢብራሂም ኣብ ፓርላማ ክሳብ ዝሃለወሉ እዋን ኣብ ዓሌታዊነት፡ ዘይምዕሩያት ዕድላት፡ ትሑት ደሞዝ ዝረኽቡ ሰራሕተኛታት ኣትኲሩ ክሰርሕ ምዃኑ ብዕሊ ገሊጹ። ከምኡ'ውን ድምጺ ፍልስጠማውያን ብዓውታ ዝስማዓሉ መዳያት ከናዲ ምዃኑ'ውን ቃል ኣትዩ ነይሩ።

ኢብራሂም፡ ኣዘራርብኡ ንጹር፡ ኣሰዃዅዓ ቃላቱ ስጡም፡ ኣቀራርብኡ ድማ ልበ-ምሉእ'ዩ። ካብ ኩሉ ዜገርም ነገር ድማ ብመርገጺኡ ኣዝዩ ተስፋ ዘሕድር ሰብ ምዃኑ ይዝረበሉ።

"ሃገርና እቲ እትሓልፎ ዘላ ሓርፋፍ ጕዕዞ ሰጊራ ኣብቲ ስሩዕ መገዲ ክትኣቱ ምዃና ኣይጠራጠርን'የ" እናበለ ንኵነታት ኤርትራ ጠቒሱ ክምጕት ምስምዑ ንልቢ ዘረስርስ ትስፉው ኣረኣእያ እዩ።

ብዛዕባ ኣተዓባብይኡን ተዘክሮታቱን

ብዛዕባ ንእስነቱ ዘሎዎ ተዘክሮታት ከዕልለና ምስ ተወከስናዮ "ኣነ ኣውራ ዝዝከረኒ እቲ ምሉእ መዓልቲ ምስ ደቂ-ገዛውተይ ኰይነ ዝጻወቶ ዝነበርኩ ዘይውዳእ ጸወታ ኵዕሶ እግሪ'ዩ። ንምሳሕ'ኳ ጊዜ ኣይንረኽበሉን ኔርና፣ ኣዴታትና ወይ አሕዋትና ብምፍርራሕ ጸዊዖም ንክንምሳሕ ይቕስቡና ከም ዝነበሩ፡ ነቲ መግቢ ዉሕጥ-ውሕጥ ኣቢልና ድማ ተመሊስና ናብ ኵዕሶ ጸወታ ንምለስ ነበረና ... እዋን ጸወታን ንጽህናን ግርህነትን 'ዩ ነይሩ" ይብል።

ወሲኹ፡ "እቲ ዝነበረ ማሕበራዊ ምትእስሳር ማሕበረ-ሰብና ዕዙዝ'ዩ ነይሩ፣ መቕርብና፡ ጐረባብትና፡ ፈተውትና ብዘይ ቈጸራ ክበጽሑና ይመጹ'ሞ ሻሂ ኣፍሊሕና፡ እንተ ቅጫ፡ ሕንባሻ ወይከኣ ዕንባባ ቀሪብና፡ ተኣኪብና ከነዕልልን ክንስሕቕን ነምሲ ኔርና። ጥዑም ጊዜ'ዩ ነይሩ" እናበለ ብናፍቖት ይዝከሮ።

ሓደ-ሓደ ክብርታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ብምጥቃስ ከኣ "ኣብ ዓድና ዝምስረት ጽኑዕ ፍቕርን ዕርክነትን፡ ምስ ጐረቤትና ዝፍጠር ምትእምማን፡ ኣብ ሓድሕድና ዘሎ ምክብባር ዕዙዝ'ዩ" እናበለ ሓደ ብሓደ ይጽብጽቦም።

"ኣብቲ ዝነብረሉ ዝነበርኩ ከባቢ ኣኽርያ ገብሪኤል'ዩ ነይሩ ንግደትና። ህዝቢ ዛሕዛሕ ክብል፡ ኣብ እንዳ ኣደይ ኣበባ - ኣደ ዓርከይ - ሕልበት ክንበልዕ ይዝከረኒ፣ ከምኡ'ውን ኣብ መዓልቲ ዒድ ዝርእዮምን ዘስተማቕሮን ዝነበርኩ ፍቕርን ምትሕውዋስን ክሳብ ክንደይ ከም ዝናፈቖም ሕጂ ኣጸቢቑ ይርድኣኒ ...

"ኣዕሩኽተይ ሒዘ ንገዛ እኸይድ'ሞ ገዓት ክንበልዕ፡ ኣብዓኸ ክንሰቲ፡ ከምኡ'ውን መቕሊል፡ ሳምቡሳ፡ መሸበኽ ክንሕውሰሉ ከቶ ዘይሃስስ ተዘክሮታት ኣሎኒ " ይብል ኢብራሂም።

ወሲኹ ድማ፡"እዚ ሕጂ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝዕዘቦ ሓርጐጽጐጻት ብሓቂ ይገርመኒ ... መሰረታዊ መልክዕና ኣይኰነን ድማ ክብል እኽእል፣ እቲ ጽቡቕና ይበዝሕ፡ ሃገር ብፖለቲካ ጥራይ ክግለጽ ቅኑዕ ኣይኰነን። ኣብ ሃገርና ኣብ ጊዜ መርዓ፡ ሓዘን፡ በዓላት ኰኑ ካልኦት ጽምብላት ዝርአዩ ህዝባዊ ባህርያትና ሞጐስናን ክብርናን'ዮም" ድማ ይብል።

ኢብራሂም ዑመር ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኒውዚላንድ

ምንጪ ስእሊ, Ibrahim Omer

'ኤርትራ ዝብል ቃል ምስ እነልዕል ...'

ኣባል ባይቶ ኣቶ ኢብራሂም ዑመር ብዛዕባ ኩነታት እታ ተወሊዱ ዝዓበየላ ዘለዎ ስምዓታት'ውን ኣካፊሉና ነይሩ።

"ካብ ኤርትራ ካብ ዝወጽእ ዳርጋ 18 ዓመታት ሓሊፉ። ይዅን'ምበር፡ ኤርትራ ዝብል ስም ክጥቀስ ኣብ ሓንጐለይ ጦብላሕ ዝብሉኒ ጉሩም ዝዀኑ ስምዒታት ኣለዉ" ብምባል'ዩ ንርእይቶታቱ ዝፍልም።

"ኤርትራ ማለት ጐረቤተይን ማሕበረሰበይን ቀረባ ሰበይን ማለት'ዩ። ኣብታ ጐረቤትና ጥራይ ብፍቕሪ ተኣሳሲሩ ዝነብር ብዙሕ ዓይነት ሰብ ነይሩ - ጀበርቲ፡ ዓሳውርታ፡ ደቂ ከበሳን መታሕትን፡ ኣስላምናን ክርስትያንናን - ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብዝሐ-ዓይነት ሰብ ኮታ! እዚ ኣብ ኣኽርያ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ኩሉ ዝርአ'ዩ - ማይጨሆት፡ ገዛባንዳ፡ ሓዝ-ሓዝ፡ ኣብ ከባቢ ኣስመራ፡ ውረድ ንመታሕት ... ኣብ ኩሉ ኢዱ ቆሪጹ ዝህበካ ሕብረተሰብ'ዩ ዘሎና" እናበለ ብሓበን ይዛረብ።

"እወ፡ ኤርትራ ዝብል ቃል ምስ ዝሰምዕ እዞም ኣብ ግዳም ዝርከቡ ደቂ ዓድና'ውን ኣብ ሓሳበይ ይመጹኒ'ዮም። ብዙሓት መናእሰይ ክወጹ፡ ኣብ ጕዕዘኦም ዜጓንፎም ጸገማት፡ ድሌት ልቦም ከይተማልኣሎም ዕግንግን ክብሉ ምርኣይ፡ ኣብቲ ዝነብርሉ ሃገር ዘሎ መኽሰባት ከይተጠቕምሉ ኰለል ክብሉ ምርኣይ ... ኣዝዩ ልበይ ይትንክፈኒ፣የሕዝነኒ ድማ" ይብል።

ነቶም ፈቖድኡ ፋሕ ዝብሉ ዘለዉ ኤርትራውያን መንእሰያት ዘለዎ ምኽሪ ከካፍል ምስተወከስናዮ፡ ብቕጽበት "ትምህርቲ" ክብል'ዩ መሊሱ። ኢብራሂም ንኣድላይነት ትምህርቲ ብክልሰ-ሓሳብ ጥራይ ዘይኰነስ ዉጽኢቱ ብግብሪ ስለ ዝረኣየ ኣብ ዘርብኡ ዳርጋ ደጋጊሙ ዝጸቕጠሉ ጕዳይ'ዩ።

"በቲ ኣነ ዝሓለፍክዎ'ዮም እዞም ሕጂ ዝስደዱ ዘለዉ ኤርትራውያን ዝሓልፉ ዘሎዉ፣ ስለዚ ኵነታት ስደተኛ ቀሊል ኣይኰነን። ዋሕዚ ስደተኛታት እናወሰኸ ክኸይድ ከኣ እርእዮ ኣሎኹ። ዕድላት ክትጥቀመሎም እንተ ዘይክኢልካ ስደት ኣይምሕርን'ዩ። በቲ ትረኽቦ ዕድል ፎግፊግካ ናይ ምእታው ዓቕሚ ከተጥሪ እንተድኣ ዘይክኢልካ ኣይክትምዕብልን ምዃንካ ምፍላጥ" ይብል።

"እቲ ካልኣይ ምኽረይ ድማ ምስ ትምህርቲ ዝተኣሳሰር'ዩ። ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ናይ ትምህርቲ ዕድላት ኣሎዉ፡ ምናዳ ንስደተኛታት ዝወሃቡ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ብርክት ዝበሉ'ዮም። ድሌት ሓዲሩካ ነቲ ዕድል እንተዘይተጠቒምካሉ ግን ህይወትካ ኣይምዕብልን'ዩ።

"ናተይ ኣብነት ህያው'ዩ። ትምህርቲ ኣእምሮኣዊ ኣቛምና ክልውጥ ስለ ዝኽእል ትምህርቲ ዘይተሓወሶ ህይወት ኣይሃበና'የ ዝብል" ኢሉ የስምረሉ።

"ኣካደምያዊ ትምህርቲ ክንቀስም እንተዘይተኻኢሉ ድማ ንዓና ዝኸውን ሞያዊ ወይከኣ ኢደ-ጥበብ ኣሎ፣ ተገዲስናን ተጊህናን ነቲ ዕድል ምስ እንጥቀመሉ ምስኡ ናይ ስራሕ ዕድላትና ክብ ይብል" ክብል ብርእሰ-ተኣማምነት ምኽሩ ለገሰ።

"ኣባና ኣብ ፈቐድኡ ተኣኪብካ ኣብ እንዳ ሻሂ ድዩ እንዳ መስተ ምእካብ ልሙድ'ዩ፣ ብፖለቲካ ሓደ-ክልተ ተባሂልካ ኣብ ዘየድሊ ባእሲ ምእታው ኣሎ። ምስ ኩሉ ድኽነትና ድማ ስራሕ ምንዓቕ'ውን ኣሎ።

"መቸም ነቲ ኣዕቘብቲ ሃገራት ዝህባና ዕድላት ብግቡእ ዘይምጥቃም - ምናዳ ኣብ ዓውደ ትምህርቲ - ዓቢ ጌጋ'ዩ። ኣብ እንዳ ቑማር ምውዓል ንህይወትና ኣየማዕብሎን'ዩ ... ሃገርና'ኮ ካብ'ዚ ሕጂ ኣብ ስደት ዘሎ መንእሰይ'ዩ ተስፍኣ ... እቲ ሞያ ዘጥረየ ብሞያኡ፡ እቲ ገንዘብ ዝደለበ ገንዘቡ ኣዋፊሩ፡ እቲ ዝተማህረ እናምሃረ ... ኤርትራ ንእሽቶ ሃገር'ያ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ክንልውጣ ንኽእል ኢና ኢለ ግን እኣምን፣ እዚ ዘሎ ኵነታት ንሓዋሩ ዝጸንሕ ከም ዘይኰነን ስለ ዝፈልጥ።

"እዝከረኒ ክሳብ 1997 ኤርትራ ሓፍ ኢላ ጩራታት ተስፋ ዝተነዝሓ ሃገር'ያ ነይራ ... እዚ ኣነ ባዕለይ ዘርከብኩሉን ዝተዓዘብኩዎን'ዩ ነይሩ። ዕድል ኣይገበርናን፣ እቲ ንሞዴል ሲንጋፖር ክንክተል ተተሊሙ ዝነበረ ተስፋታት ኣይተማልአን" እናበለ የስተንትን።

ኢብራሂም ዑመር

ምንጪ ስእሊ, Ibrahim Omer

ብዛዕባ ኒውዘላን እንታይ ይብል?

ኢብራሂም ብዛዕባ ኒውዘላንድ ብኣድናቖትን ምስጋናን'ዩ ዚዛረብ። "ኣነ ንኒውዘላንድ ብመድበለ-ባህላውነት'የ ዝገልጻ፣ ከምኡ'ውን ዓንዲ ሰብኣውነትን መሰል-ደቂሰብን ብምዃና ኣይኰነንዶ ንደቀባት ንዓና ስደተኛታት'ውን ሙሉእ ሕጋዊ መሰልና ዝኽበረሉ ሃገር'ዩ" ይብል።

ኒውዘላንድ ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ (ጥቃ ኣውስትራልያ) እትርከብ፡ ብስፍሒ 268,000 ትርብዒት ኪ.ሜ. - ዳርጋ ክንዲ ክልተ ኤርትራ - ኰይና ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝኣኽሉ ነበርቲ ዘለዋ ሃገር'ያ። 70% ተቐማጦ ኒውዘላንድ ካብ ኤውሮጳ ዝመንጨዉ ጸዓዱ ዀይኖም፡ 16.5% ከኣ ደቂ ማውሪ(ደቀባት)፡ 15% ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት እስያ ከምኡ'ውን ሒደት ኣፍሪቃውያን ይነብሩዋ።

ኒውዚላንድ ብ 'ኦል-ብላክስ' ዝፍለጥ ሃገራዊ ጋንታ ራግቢ (ጸወታ ኵዕሶ) ኣቢላ ኣብ ዓለም ዝና ዘትረፈት ሃገር'ያ። ከምኡ'ውን ብባህሊ ማውሪ ዀነ በቲ ማራኺ ትርኢት ዘሎዎ መልክዐ-መሬት፣ ፍርያት ኣባጊዕ፣ ነቢት፣ ፍረ-ኪዊ ፍልጥቲ'ያ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማዩ 'ኪዊ' መጸውዒ ደቂ ኒውዘላንድ ኰይኑ ዝቕጽል ዘሎ።

ኢብራሂም በቲ ኒውዘላንድ ዝገበረትሉ ምቅብባል፡ ዝሃበቶ ዕድላት፡ ከም ሰብ ንክዓቢ ዝገበረትሉ ምዅስኳስ ብዕዙዝ ኣገባብ እናመስገነ'ዩ ዝዛረብ። ካበይ ከም ዝመጸ፡ ንክሰግር ዘሕለፎ መከራ፡ ኣብ ኒውዘላንድ ዝረኸቦ እፎይታ እናዘከረ ክዛረብ ምስምዑ መሳጢ'ዩ። ኣብ ኒውዘላንድ ምስ በጽሐ ኸኣ ተደርብዩ ንከይተርፍ ዘካየዶም ጻዕርታት እናጠቐሰ'ዩ ዝዛረብ።

'ብዛዕባ ሃለዋት ስድራኻ ...'

ኢብራሂም ናፍቖት ስድራቤቱ ከም ዘለዎ ኣግሂዱ'ዩ ዝዛረብ። ሕጂ ብዕድመ ደፊኦም'ዮም። "ብ2019 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ረኺበዮም ነይረ። ዝበዝሑ ኣባላት ቤተሰበይ፡ ብጀካ ሓደ ሓወይ፡ ዳርጋ ኩሎም ኣብ ኤርትራ'ዮም። እዚ ኮሮና ጽቡቕ ገይሩ ይሕለፈልና'ምበር ናብ ኤርትራ ተመሊሰ ምስ ስድራቤተይን ህዝበይን ከዕልል ተስፋ ኣሎኒ" ይብል።

"'ኣብ ስደት ዘሎኹም ደቂ ኤርትራ ክትምለሱ ንጽበየኩም ኣሎና' እናበለ ኣቦይ ከዕልለኒ ንልበይ ይነኽኦ። ብዘይ ብኡ ኣነ ኣስመራ ኣጸቢቐ'የ ዝናፍቕ... እንዳ ሻሂ፡ ኣዝማራ ቤት-መግቢ፡ ካፕሪ፡ ክኸይድ ኣሓልም" እናበለ ኢብራሂም ዘለዎ ምድፍናቕ ይገልጽ።

"ሹም ኢብራሂም - ካብ ዓሳውርታ፡ ኣባሓጎይ'ዩ። ኣነ ብስሙ'የ ተጸዊዐ። ብንእሽቶይ ምስኡ ከዕልል ይዝከረኒ፣ ለባምን መስተውዓልን ሰብ'ዩ ነይሩ። መቓልሕ'ቲ ዕላል ክሳብ ሕጂ እሰምዖ" ብምባል ነቲ መደምደምታ ዕላሉ ወሰኸሉ።

ኣብ መወዳእታ፡ "ኣነ ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ክኣቱ'የ ኢለ ሓሲበ ኣይፈለጥን፣ ኵነታት'ዩ ደፊኡ ኣእትዩኒ፣ ዝዀነ ኰይኑ፡ ዕድለይ ጸቢቑ ተሓጕሰ እነብር ኣሎኹ ... እዚ ወድሓንካ" ብምባል ተሰናበተና።