ክብረ-ወሰን ጒነስ ረከርድስ ዘጻርዮ ዘሎ ዝነውሐ ከይኮነ ዘይተርፍ ዕምሪ ሓደ ኤርትራዊ ኣቦ

ኣቶ ነታባይ ትንስኤው

ምንጪ ስእሊ, Zere Netabay

መግለጺ ስእሊ, ኣቶ ነታባይ ትንስኤው

'ዕድመ ጸጋ'ዩ' - ክብሪ እውን እዩ። ወለዲ፡ ዕድመ ካብ ዝህቦ ጸጋ ንኽትቋደስ መታን 'ዕድሜኻ የንሓዮ'፡ 'ዕድመ ማቱሳላ ይግበረልካ' ኢሎም ይምሩቕኻ።

ይኹን እምበር ወዲ ሰብ ብባህርያውን ባዕሉ ብዝፈጠሮ ሓደጋታትን ዕምሩ ክሓጽር ምርኣይ መዓልታዊ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ። ዓለምና ከኣ ንልደትን ሞትን ሰብ፡ ብመርትዖ ክምዝገብ ካብ ዝጅምር መዋእል ገይሩ'ሎ። ኣብ ኤርትራ ሓደ ክፍለ ዘመን ምሉእን ልዕሊኡን ዕድመ ዝነበሩ ሓያሎ ሰብ ጸጋ ዕድመ ከምዘለዉ ወትሩ ዝስማዕ ዕላል'ዩ።

ናይዞም ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዝዓረፉ ኣቦይ ናታባይ ዛንታ ግን ሕልፍ ዝበለን ምናልባት'ውን ብዓለም ደረጃ ኣብ ቅድሚት ክስራዕ ዝኽእል እዩ።

እቲ ዝግበር ዘሎ ምጽራይ እንተደጊፉዎ እሞ ብሰነድ እንተተረጋጊጹ፡ ኣብ መዝገብ ዓለም ዝለዓለ ስም ዘለዎም በዓል ዕድመ ጸጋ እከኸኑ ይኽእሉ እዮም።

ዛንታ ሂወት ኣቦይ ናታባይ

ኣቶ ነታባይ ትንስኤው፡ ካብ ኣቦኦም ትንስኤው ታይብን ወላዲቶም ወ/ሮ ክብድ ዓይብን ብ1 ግንቦት 1894 ዓዘፋ ኣብ እትብሃል ዝዓበዩላን ዝነበሩላን ቁሸት ከምዝተወልዱ ስድራቤቶምን መራሒ ቤተክርስትያን እታ ዓዲ ዝነበሩን ይምስክሩ።

እዚ ማለት ከኣ ካብ ዕለተ ልደቶም ክሳብ ሕልፈቶም ንልዕሊ 127 ዓመትን ብሂወት ኣብዛ ዓለም ተመላሊሶም ኣለዉ።

ዓዘፋ ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ንኡስ-ዞባ ዒላበርዕድ፡ የማን ካብ መስመር ኣስመራ-ከረን እትርከብ ንእሽቶ ዓዲ'ያ።

ኣብ ነሓሰ 2014 ዝተሓትመት መንግስታዊት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ እዞም ኣቦ ኣብ ዓለም እቲ ዝነውሐ ዕምሪ ዘለዎም ሰብ ከይኮኑ ከምዘይተርፉ ጽሒፋ ነይራ።

ኣቦይ ነታባይ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፡ መበል 120 ዓመተ ልደቶም የኽብሩ ምንባሮም'ውን ተዛሪቦም ነይሮም።

ኣብ ዓዘፋ ን7 ዓመታት ዘገልገሉ ዝነበሩ ካህን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣባ መንታይ ናይር ከምዝብልዎ፡ "ኣብ ናይ ጥምቀቶም መዝገብ ዘሎ 1894 ዝብል'ዩ" ድሕሪ ምባል ኣብ 2014 ናይ መበል 120 ኢዮቤልዩ ኣብዒሎም ምንባሮም ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

ኣብ እዋን መግዛእቲ ሃይለስላሰን ደርግን ኣብ ውልቀ ቤትን ኣብያተ ክርስትያን ዓድን ዝተታሕዘ ሰነዳት ልደትን ሞትን ብግፍዕን ዳርባ መዳፍዕን ደብዳብ ነፈርትን ይቃጸል ብምንባሩ፡ ሰነዳት ናይታ ቤተክርስትያን ካብ ቶሮንኳ ናብ ሽዕብ (ረብቶ) ግዒዙ ድሕሪ ምጽናሕ ዳሕራይ እዩ ብማሕበር ካፑቺኒ ናብ ዓዘፋ ተመሊሱ። ኣብዚ እዋን'ዚ ድማ ኣብኡ ከምዝርከብን ኣባ መንታይ ይሕብሩ።

"ንዓይ [እቲ መዝገብ] ኣብ ዓዘፋ'ዩ ጸኒሑኒ" ክብሉ'ውን እቲ ሓበሬታ ኣብ ወግዓዊ ሰነድ ዝሰፈረ ምዃኑ የረጋግጹ።

ዓደፋ

ምንጪ ስእሊ, Catholic Eparchy Keren

ኣብ መበል 120 ዓመቶም፡ "ብዘይካ ናይ ዓይኒ ድኻም፡ ጥዕናኦም ምሉእ'ዩ ነይሩ" ዝበሉ እቶም ኣገልጋሊ ቤተክርስትያን ኣባ ማንታይ ናይር፡ ኣብ መወዳእታ ዘመነ ሂወቶም ብደገፍ ምርኩስ ይንቀሳቐሱ ምንባሮም መስኪሮም።

ኣቶ ነታባይ ትንስኤው ታይብ፡ ብሰኑይ 20 ሓምለ 2021 ከምዝዓረፉ፡ ቤተሰቦም ንቢቢሲ ገሊጾም። በዚ መሰረት፡ ዕድመ ኣቦይ ነታባይ 127 ዓመትን 4 ወርሕን 20 መዓልትን ምዃኑ ምርዳእ ይከኣል።

ወዲ ወዶም ንኣቶ ነታባይ ዘርአ ተኽለ ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ ዋላ'ኳ ብወግዒ 127 ዓመት ከምዝገበሩ መርትዖ እንተሎ፡ ንሶም ግን ዕድሚኦም ልዕሊኡ ምዃኑ'ዮም ዝዛረቡ ነይሮም።

ኣብ 1894 ብወግዒ ከምዝተወልዱ ዝገልጽ ወግዓዊ ሰነድ'ኳ እንተሎ፡ ኣቶ ነታባይ ግን፡ እቲ ሰነድ ናይ ዕለተ ጥምቀቶም እምበር ንዕድሚኦም ከምዘየንጸባርቕ እናመጎቱ እዮም ሓሊፎም።

ስነ-ስርዓት ጥምቀቶም ምስ ዓበዪ ከምዝተፈጸመን ኣጸቢቖም ከምዝዝክርዎን ድማ ይዛረቡ ነይሮም።

ስለዚ ንሶም ከምዝብልዎ፡ ዕምሪ ሂወቶም 127 ጥራይ ኣይኮነን፡ ካብኡ ብሓያሎ ዓመታት ዝዛይድ'ዩ። እዚ ግን ዛጊት ብንጹር ክፍለጥ ኣይተኻእለን ዘሎ።

ምጽራይ ክብረወሰን ጒነስ ረከርድስ

ነፍሲሄር ኣቶ ነታባይ ክብረ ወሰን ዕምሪ ሰብ ዓለም ክምዝገቡ ከምዝኽእሉ ዝኣምኑ ቤተሰቦም እቲ ሓበሬታ ናብቲ ትካል ሰዲዶም ኣለው። እቲ ክብረ ወሰን ሰባት ብመጽናዕቲ ዝምዝግብ ጒነስ ረከርድስ ነቲ ሕቶ ከምዝተቐበሎን፡ ምጽራይ ምስ ገበረ መልሲ ከምዝህብ ከምዝገለጸሎም ኣቶ ዘርአ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ሓደ ንሕሉፍ ትእምርቲ፡ ትንግርትን ፍሉያት ፍጻሜታትን ዓለም ዝስንድ ጒነስ ዝተባህለ ትካል፡ ነዞም ሓለፋ ብሂወት ክነብሩ ዝተዓደሉ ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ኣብ መዝገብ ክብረወሰን ከስፍሮም ካብ ዝጅምር ነዊሕ ገይሩ'ዩ።

ብመሰረት ጒነስ ዎርለድ ረከርድስ (Guinness World Records) ኣብ መዝገቡ ዘስፈሮ ሓበሬታ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዎ ሰብ ተባሂላ ወግዓዊ ክብረወሰን ሒዛ ዘላ፡ ፈረንሳዊት ጄን ሊዊስ እያ።

እታ ኣብ ኣርለስ ዝተባህለ ቦታ ትነብር ዝነበረት ጄን፡ ብ21 ለካቲት 1875 ተወሊዻ፡ 122 ዓመትን 164ን መዓልታትን ከምዝነበረት እቲ መዝገብ ይጠቅስ።

'ስፓኒሽ ፍሉ' (ሰዓል ስጳኛ) ተባሂሉ ዝፍለጥ ቀዛፊ ለበዳ፡ ከምኡ'ውን ቀዳማይን ካልኣይን ኲናት ዓለም ዝራኣየት እታ ፈረንሳዊት፡ ዝዓበየት ተዋሳኢት ፊልም ምንባራ'ውን ይፍለጥ።

ልዕሊ 100 ዓመት ምስኮነትን'ውን ብሽክሌታ ምዝዋር ከምዘየቋረጸት ዛንታ ሂወታ ይምስክር። ብ4 ነሓሰ 1997 ድማ ዓሪፋ።

ቀንዲ ምስጢር ናይቲ ዝነበረቶ ነዊሕ ዕምሪ፡ ኣብ መግባ ዘይቲ ኣውሊዕ፡ ቸኮላታን 'ፖርት' ዝተባህለ ምቁር ቀይሕ ወይኒን ተዘውትር ብምንባራ ምዃኑ ተዛሪባ ነይራ።

ዛንታ ሂወት ኣቦይ ነታባይ እኹል ኣቓልቦ ረኺቡ፡ ጸጋ ዕድሚኦም እንተተረጋጊጹ ድማ፡ ነቲ ዝጸንሐ ክብረ ወሰናት ጸብለል ክብሎ እዩ።

ኣቦይ ነታባይ

ምንጪ ስእሊ, Zere Netaby

ምስጢር ነዊሕ ዕምሪ ኣቦይ ነታባይ እንታይ'ዩ?

ሓደ ካብቲ ቀዳማይ ሕቶ እቶም ናይ ዕድመ ሰብ ጸጋ፡ ምስጢር ንውሓት ዕድመኦም እንታይ ኮን እዩ ዝኸውን ዝብል'ዩ. . . ።

መብዛሕትኦም'ውን ሰብ ምሉእ ጥዕና ክብሃሉ ዝኽእሉን፡ ኣዝዮም ዕድመ ምስ ደፍኡ'ውን እንተኾነ ኣካላዊ ምንቅስቓሶም ካብ ዕድሚኦም ንላዕሊ'ዩ።

እታ ኣቦይ ነታባይ ዝተወልዱላ "ዓዘፋ" እትበሃል ዓዲ፡ ኣብ መንጎ ከበሳታትን መታሕትን ዞባ ዓንሰባ እትርከብ ብዝያዳ ተወላዶ ብሄረ ብሊን ዝነብርሉ ማእከላይ ኩነታት ኣየር ዘለዋ ዓዲ እያ። ኣቦይ ነታባይ ትንስኤው ድማ ኣካል ናይቲ ብሄርን ባህሉን እዮም።

ህዝቢ'ቲ ከባቢ፡ ብሕርሻን ጉስነትን' ዝናበር'ዩ። ከብትን ኣጣልን ከኣ ካብተን ቀንዲ ጥሪቱ እየን። ኣብቲ ሓውሲ ሑጻ ዝበዝሖ መሬት እቲ ከባቢ ከኣ ብልቱግን ማሸላን ፉልን ይሓፍስ።

ከም ዘይቱን ኣራንሽን መንደሪንን ዝኣመሰለ ፍረታትን ኣብ ገማግም ሩባ ዓንሰባ ዝበቁል ዝተፈላለየ አሕምልትን እውን የፍሪ እዩ።

ገለ ካብቶም እዞም ብዓል ነዊሕ ዕምሪ ኣቶ ነታባይ ዘዘውትርዎ መግቢ ገዓት ብልቱግ፡ ጸባ፡ ጠስሚን መዓርን ይርከብዎም።

ኣቶ ዘርአ ከምዝብሎ፡ ሓደ ካብ ምስጢራት ጸጋ ዕድመ ኣባሓጎኡ "ዓይነት ኣነባብራን ኣመጋግባን" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሂወትካ ብመደብ ምምራሕን ባህርያዊ መግብታት ምዝውታርን ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ይዛረብ።

ኣብቲ ኣብ 2014 ዝገበርዎ ቃለመሕትት'ውን፡ መዓር ዝተሓወሶ ጠስሚ ይሰትዩ ከምዝነበሩ ኣቶ ነታባይ ምስክርነት ሂቦም ነይሮም።

ንሶም ነቲ ፍሉይ ኣመጋግባ ዝጥውር ንህቢ ኣብ ገዝኦም ብምንባሩ መዓር እናበርበሩ ይጥቀሙ ነይሮም። እቲ ንገዓት ዝጥቀምሉ ሓሩጭ ግን ብጠሓኒት ዘይኮነ ብኢድ ሰብ ዝተጣሕነ ኦርጋኒክ እዩ።

ሓሩጭ ናይቲ ብቋንቋ ብሊን "ሔለ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ማሸላ'ውን ይጥቀሙ ምንባሮም ዛንታ ሂወቶም ይነግር።

እቲ ካልእ መብዛሕትኦም ሰብ ነዊሕ ዕድመ ዝፍለጥሉ ካልእ ረቛሒ ድማ፡ ኣብ ሂወትን ናብራን ዘለዎም ኣረኣእያ'ዩ። "ኣቦይ ነታባይ ቅሱን፡ ዘይጭነቑ" ሰብኣይ ከምዝነበሩ ኣባ መንታይ ይምስክሩ።

"ኣቦ ሓጎይ ለጋስ፡ ፈቃር፡ ሓላዪ፡ ህርኩት ሰራሕተኛ እዩ ነይሩ . . ." ዝብል ወዲ-ወዶም ዘርአ ብወገኑ፡ "ምስጢር ዕድመ ኣባሓጉኡ ትዕግስቲን ፍቕርን ሰላምን'ዩ" ይብል።

"ኣባሓጎይ ካብ ማሕረሱ በዂሩ ኣይፈልጥን'ዩ. . .ካብ መገሽኡ'ውን ተዓናቒፉ ወይ ተደናጒዩ ኣይፈልጥን'ዩ፡ በቕሉ ሰሪሩ'ዩ ዝኸይድ ነይሩ" ይብል ዘርአ።

ወዲ ወዶም ከምዝብሎ ሓደ ካብቲ ፍሉይ ባህርያቶም፡ ኣብ ኩሉ ኣካይድኦም፡ ኣቦይ ነታባይ ቅርጡውን ንብረቶም ብዝግባእ ወዲቦም ዝሕዙን እዮም ነይሮም።

ኣቶ ነታባይ ትንስኤው ምስ በዓልቲ ቤቱ

ምንጪ ስእሊ, Zere Netabay

ሓዳርን ስድራቤትን- ዝተደራረበ ክብረወሰን. . .?

ዛንታ ኣቶ ነታባይ ከምዘለዎ እንተ ተወሲዱ፡ ነዊሕ ዕምሪ ዝነበሮም ሰብ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ካልኦት ክብረወሰናት ከመዝግቡ'ዮም።

ብደረጃ ደቂ-ተባዕትዮ ክረአ እንከሎ፡ ነቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ መዝገብ ጒነስ ሰፊሩ ዘሎ፡ ብጃፓናዊ ጂሮሞን ከሙራ ዝተታሕዘ ናይ 116 ዓመታት 54 መዓልታትን ዕምሪ ኣዝዩ ሰጊርዎ ኣሎ ማለት'ዩ።

ብሂወት እንከለዉ እኹል መጽናዕቲ ተኻዪዱ እንተዝኸውን'ሞ፡ እቲ ሰነዳት ተቐባልነት እንተዝርከብ'ውን ነቲ ብጓል ኣስታት 118 ዓመት ጃፓናዊት ተሓዚኡ ዘሎ ዝነውሐ ዕድመ ህልዋት ሓሊፎም ኣብ ኮረሻ ክብረወሰን ብሓበን ምተወጥሑ ነይሮም . . . ።

መዓስ ንሱ ጥራይ ነቲ፡ ነቲ ድሕሪ ሞት ወዲ 112 እንግሊዛዊ ቦብ ወይተን ክፉት ኮይኑ ዘሎ ዝነውሐ ዕድመ ህሉዋት ደቂ-ተባዕትዮ'ውን ምባሓትዎ ነይሮም . . . ።

እንታይ'ሞ . . . ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ኣብዚኣ በጺሓስ እታ ዕምሪ ሓጺራቶም . . ሓዲኡ ክሳብ ዝኸውን እንተዝጸንሑ መን ምሃበ . . .።

እቲ ካልእን ኣገዳስን ጸጋ ኣቶ ነታባይ ድማ ሓዳሮም እዩ።

ብመሰረት ኣብ 2014 ንሓዳስ ኤርትራ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ንሶም ወዲ 40 ዓመት እንከለዉ፡ ምስተን ኣብቲ እዋን ጓል 14 ዓመት ትሕቲ-ዕድመ ዝነበራ ብዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ለተሩፋኤል ቃል-ኪዳን ኣሲሮም- እዚ ብ1934 ምዃኑ'ዩ።

እዚ ማለት ድማ፡ ልዕሊ 85 ዓመት ኣብ ሓዳሮም ጸኒዖም ዝቐጸሉ መዘና ኣልቦ ይገብሮም- ካልእ ርእሱ ዝኸኣለ ክብረወሰን ዓለም። ክሳብ ሕጂ ተመዝጊቡ ዘሎ ክብረ ወሰን ሓዳር ልዕሊ 80 ዓመት'ዩ፡ ብኢኳዶራውይን ጁልዮ ሲዛር ሞራ ታፕያን ብዓልቲ ቤቱ ዋልድራሚና ማክሎቪያ ኲንተሮ ድማ ተታሒዙ ይርከብ።

ትሕቲ-ዕድመ መርዓ ሓደ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ዝስግደድ ዝነበረን ኣብዚ እዋን'ዚ ብሕጊ ዝተኸልከለን ድሑር ልምድታት ኤርትራ'ዩ ነይሩ።

እተን ኣብ 2019 ካብዛ ዓለም ዝተፈልያ፡ ኣብቲ ነዊሕ ጉዕዞ ሂወት ኣቦይ ነታባይ ወሳኒ ተራ ከምዝነበረን ዝንገረለን ወ/ሮ ለተሩፋኤል ጓል 99 ዓመት ኮይነን እየን ካብዚ ዓለም ተፈልየን።

እቶም ኣርባዕተ ገዛእቲ ስርዓታት (ጥልያን፡ እንግሊዝ፡ ሃይለስላሰን ደርግን) ድሕሪ ምርኣይ፡ ናጽነት ሃገሮም ክርእዩን ከስተማቕሩን ዝበቕዑን ኣቶ ነታባይ ትንስኤው ታይብ፡ 10 ውሉድ (ሽዱሽተ ኣወዳት ኣርባዕተ ኣዋልድን) ፈርዮም እዮም።

ኣብ 2014 "ንደቆምን ደቂ-ደቆምን ደቂ ደቂ ደቆምን ደቂ ደቂ ደቂ ደቆምን ማለት ኣብ ሓሙሻይ ትውልዲ ሓረግ በጺሖም ኣለዉ"። ዘርኦም ከኣ 134 በጺሖም ኣለዉ" መንግስታዊት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣስፊራ ነይራ።

ኣብ ሕብተሰብ ብሌን፡ ንዓበይቲ ሰባት እንተሓጊዝካ ወይ ክትምርዖ እንከለኻ ''ኵዕለትኻ ሺርኒ፡ ኵገድኻ በጃኽኒ'' ኢሎም ኢዮም ዝምርቑኻ፡ ትርጉሙ ድማ ''ዕድመኻን፡ ዘርእኻ ይብዛሕ'' ማለት'ዩ።

ኣብ ዝቐጸላ 7 ዓመታት ዘርኦም ፈርዩን ተባዚሑን ክኸውን ከምዝኽእል ርዱእ'ዩ። እኹል መጽናዕቲ ምስተገብረ ድማ ምሉእ ስእሊ ዛንታ እዞም ዝተዓደሉ ኣቦ ክወጽእ ተስፋ ንገብር።

ብወገንና፡ ንኹሉ ቤተሰቦምን ዘርኦምን ጸንዓትን ይሃብኩም እናበልና፡ ነዞም ዘገርም ታሪኽ ገዲፎም ዝሓለፉ ኣቦ ድማ ኣብ ገነቱ ይቀበሎም ንብል።