ኢትዮጵያ፡ ን75 ዓመታት ኣብ ሓዳር ዝነበሩ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ናይ ሰዓታት ፍልልይ ብሞት ተፈልዮም

ኣቶ ጊሎ ቶሌራ ወዲ 100 ዓመት ብዓልቲቤቶም ወ/ሮ ጥሩ በንቲ

ምንጪ ስእሊ, ILLU GELAN WEREDA COMMUNUCATION

ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ን75 ኣብ ቃል-ኪዳኖም ጸኒዖም ዝነበሩ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ሓደ መዓልቲ ምዕራፎም ንብዙሓት ኣገሪሙ'ሎ።

እቶም ነበርቲ ምዕራብ ሽዋ ዝኾኑ ሰብሓዳር ኣብ ውሽጢ ናይ ሰዓታት ፍልልይ ብሞት ምፍላዮምን ምፍልላዮምን ቤተሰቦምን ነበርትን ሓቢሮም።

ቅድሚ ሞቶም "ኣነ ምስ ሞትኩ ድሕሪ ወርሒ ክትስዕብኒ/ክትስዕበኒ. . ." ይብሃሃሉ ከምዝነበሩ፡ ወዶም ኣቶ ኣበራ ጊሎ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣቶ ጊሎ ቶሌራ ወዲ 100 ዓመት ብዓልቲቤቶም ወ/ሮ ጥሩ በንቲ ድማ ጓል 90 ዓመት ሰብጸጋ ዕድመ ዝነበሩ ኮይኖም፡ ኣብ ገላን ወረዳ ኣብ ዝርከብ ኪዳነ-ምህረት ዝተባህለ ቁሸት ዝነብሩ ዝነበሩ'ዮም።

ወዶም ከምዝበሎ፡ ክልቲኦም ን75 ዓመታት ኣብ ሓዳሮም ጸኒዖም ዝነበሩ'ዮም።

ኣብዚ ልዕሊ 70 ዓመት ዝቐጸለ ሓዳሮም 8 ቆልዑ ከምዝወለዱን ኣብ መንጎኦም ልዑል ፍቕርን ምክብባርን ከምዝነበሮምን ጎረባብቶም ይምስክሩ።

ካብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ ኣትሒዞም ሓሚሞም ድሕሪ ምጽናሕ ከምዝዓረፉ ወዶም ኣቶ ኣበራ ሓቢሩ።

"ሕማሞም ጽኑዕ ኣይነበረን፡ ከምዚ ገይሩና ኢሎም ዝገለጽዎ ነገር ኣይነበረን። ምስታይ ጥራይ ተሳኢንዎም ነይሩ። ክልቲኦም ኣብ ሓደ እዋን'ዮም ሓሚሞም" ድማ ይብል።

"ቀሊል ሕማም'ዩ ስለዝበልና ክሓውዩ'ዮም ዝብል ትጽቢት'ዩ ነይሩና" ዝበለ ኣቶ ኣበራ፡ "ድሓር ግን ኣደይ፡ ኣነ ኣኺሉኒ'ዩ ትብል ነይራ። ክድሕኑ'ዮም እናበል ከለና፡ መጸዋዕትኦም ኣኺሉ ዓሪፎም ኣለዉ"።

ኣቶ ጊሎ ቶሌራን ብዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ጥሩ በንቲን፡ ብኣካልን ሓሳብን ምርሕሓቕ ዘይኮነሎም ጽምዲ ምንባሮም ጎረባብቶምን ደቆምን ይምስክርሎም።

"ሓደ ካብቲ ሓደ ክፈላለዩ ኣይደልዩን'ዮም። ንሓደ ጉዳይ ናብ ሓደ ቦታ ምስ ዝኸዱ ወይ ድማ ናብ ሕክምና ምስዝኸዱ፡ ሓደ ካብቲ ሓደ ክፈላለዩ ኣይደልዩን" ይብል ወዶም ኣቶ ኣበራ።

"ምስ ሞትኩ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ክትስዕበኒ ኢኻ፡ በይነይ ኣይክኸውንን'የ። ብኣይ ጉሂኻ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ከተርክበኒ ኢኻ" ይብሃሃሉ ምንባሮም'ውን ይዝክር።

እቶም ንሓደ ምሉእ ክፍለዘመን ብሂወት ዝነበሩ ኣቶ ጊሎ ብረቡዕ 05 ጳጉሜን 2013 ሓሚሞም፡ ብ05 መስከረም 2014 (ግእዝ) ናይ ምሸት ሰዓት 3፡05 (9፡05) ዓሪፎም።

ብድኻም ዊኖአን ኣጥፊአን ዝነበራ ብዓልቲቤቶም ወ/ሮ ጥሩ ድማ፡ ድሕሪ 20 ሰዓታት ሞት ብዓልቤተን ንጽባሒቱ ሓሙስ ሰዓት 12፡00 (6፡00) ድሕሪ ቀትሪ ዓሪፈን።

ነባሪ ናይቲ ከባቢ ዝኾነ ወዲ 65 ዓመት ኣቶ በቀለ ጭምዴሳ፡ ሞት ናይቶም ብፍቕሮም ዝለለዩ ናይ ዕድመን ሓዳርን ሰብጸጋ ንማሕበረሰብ ናይቲ ከባቢ ከምዘሕዘነ ይገልጽ።

ነበርቲ ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ

ምንጪ ስእሊ, ILLU GELAN WEREDA COMMUNUCATION

"ሰብኣይን ሰበይትን ብኸምዚ መልክዕ ሂወቶም ምሕላፉ ንዓና ሓድሽ ነገር'ዩ። ሓደ ሓደ ሰባት ክዛረቡ ከለዉ፡ ንሓድሕዶም ስለዝፋተዉን ዝከባበሩን እግዚኣብሄር ብሓንሳብ ወሲድዎም ይብል" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ካልእ ነባሪ ናይቲ ከባቢ ዝኾነ ኣቶ ረቡማ ሞሲሳ ብወገኑ፡ "እዚ ንዓና ሓድሽ ነገር'ዩ። ኣብ ዕድመይ ከምዚ ዓይነት ነገር ርእየን ሰሚዐን ኣይፈልጥን'የ። ነቲ ሕብረተሰብ'ውን ኣዝዩ ኣገሪምዎ'ዩ" ብምባል ነቲ ዝተፈጥረ ስምዒታት ይገልጽ።

"ከም ቤተሰብ ሓደ ካብቲ ሓደ ከምዘይተርፍ'ኳ ንፈልጥ እንተኾንና፡ ከምዚ ክኸውን'ዩ ኢልና ግን ኣይተጸበናን። እዚ ኸኣ ፍርሒ ፈጢሩልና" ይብል ወዶም ኣቶ ኣበራ።

"ንዓቢ ምኽባር፡ ስነ-ምግባርን ምስምማዕን" ካብ ቤተሰቦም ከምዝተማህሩ ብምግላጽ ድማ "ስምምዕ ዘለዎም፡ ዝከባበሩን ዝሰማምዑን" ሰብሓዳር ምንባሮም ብኣድናቖት ይዝክሮም።

"ካብታ ዝተራኸቡላ መዓልቲ ጀሚሮም፡ ተገራጪዮምን ተረሓሒቖምን ኣይፈልጡን፡ ዘይምቅዳው እንተነይሩዎም'ውን ሰብ ኣብ መንጎኦም ኣትዩ ኣይፈልጥን" ይብል።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ አቶ ጊሎ ቶሌራን ወ/ሮ ጥሩ በንቲን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ 7 መስከረም 2014 ብሓባር ተፈጺሙ።