ዓወት ተስፋየሱስ፡ ፈላመይቲ ጸላምን ኣፍሪቃዊትን ጓል-ኣንስተይቲ ኣባል ፓርላማ ጀርመን ኮይና ተመሪጻ

ኤርትራዊት ዓወት ተስፋየሱስ

ምንጪ ስእሊ, German Green Party

ኤርትራዊት ዓወት ተስፋየሱስ ፈላመይቲ ጸላም ኣባል ፓርላማ ጀርመን ብምዃን ተዓዊታ።

እታ ኣባል ሓምላይ ሰልፊ ዝኾነት ጓል 47 ዓመት፡ ነቲ እትነብረሉ፡ ንከተማታት ፍራንክፈርትን ካሰልን ዘጠቓለለ ዞባ ሄሰን ብምውካልያ ተወዳዲራ።

ኣብ 2006 ካብ ዩኒቭርሲቲ ፍራንክፈርት ብሕጊ ዝተመረቐት ዓወት፡ ጠበቓ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ኮይና ክትሰርሕ ምጽንሓ ማዕከናት ዜና ጀርመን ሓቢረን።

እዛ ሓዳስ ኣባል ፓርላማ፡ ኣብ ኤርትራ ተወሊዳ፡ ጓል 6 ዓመት እንከላ ምስ ስድራቤታ ናብ ጀርመን ተሰዲዳ፡ ኣብ ሄደልበርግ ዝተባህለ ቦታ ድማ ዓብያ።

ዓወት፡ ካብ 2009 ኣባል ሓምላይ ሰልፊ'ኳ እንተነበረት ኣብ 2020 እያ ናብ ንጡፍ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኣትያ።

ኣብ ለካቲት 2020 ኣብ ሓንቲ ኣብ ከባቢ ፍራንክፈርት እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ብሓደ ሕሉፍ የማናዊ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 11 ሰባት ምቕታሎም ናብ ፖለቲካ ክትኣቱ ከምዝደፋፍኣ ትገልጽ።

"ስም ይመርሕ - ጥዋፍ የብርህ" ከምዝብሃል ድማ ዓወት ኣብዚ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዝተኻየደ ፓርላመንታዊ ምርጫ ብምዕዋት ታሪኽ ሰሪሓ'ላ።

ወት ተስፋየሱስ

ምንጪ ስእሊ, Awet Tesfaiesus

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ለካቲት 2020 ኣብ ሓንቲ ኣብ ከባቢ ፍራንክፈርት እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ብሓደ ሕሉፍ የማናዊ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 11 ሰባት ምቕታሎም ናብ ፖለቲካ ክትኣቱ ከምዝደፋፍኣ ትገልጽ

ድሮ መንበራ ንምሓዝ ናብቲ ኣብ በርሊን ዝርከብ "ቡንደስታግ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ፈደራላዊ ባይቶ ክትጽምበር'ያ።

ማእከላይ-ጸጋማዊ ሰልፊ 'ሶሻል ደሞክራትስ' (ደሞክራስያዊ ማሕበራውነት) ኣብቲ ምርጫ ብጸቢብ ከምዝተዓወተ ብወግዒ ገሊጹ'ሎ። በይኑ መንግስቲ ከቕውም ስለዘይክእል ግን መላፍንቲ ይደሊ ኣሎ።

መራሒ ናይቲ ሰልፊ ኦላፍ ስኮልዝ፡ ልፍንታዊ መንግስቲ ንምምስራት ምስ ሓምላይ ሰልፊ ክሰርሕ ከምዝደሊ ኣሚቱ'ሎ- መን ይፈልጥ እዚ እንተሰሊጡ ዓወት ዓወት መሊሱ ይደምቕ ይኸውን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኤርትራዊ ኢብራሂም ዑመር ንፈለማ እዋን ኣባል ባይቶ ሃገረ ኒውዝላንድ ክኸውን ዝበቕዐ ኣፍሪቃዊ ከምዝኾነ ይዝከር። ንሱ ኣባል ሰልፊ ዕዮ እታ ሃገር እዩ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም፡ ብደረጃ ሃገርን ዞባዊ ምምሕዳራት ኣብ ዝካየድ ምርጫታት ሓያሎ ኤርትራውያን ታሪኽ ክሰርሑ ይራኣዩ ኣለዉ።