'ኣብ ደሞክራሲ ክትሓልም ይከኣል እዩ' - ኤርትራዊ ኣባል ባይቶ ከተማ ሉዛን ሳምሶን የማነ

ኣባል ባይቶ ከተማ ሉዛን ኮይኑ ዝተመርጸ ወዲ 27 ዓመት ሳምሶን የማነ

ምንጪ ስእሊ, S.G

መግለጺ ስእሊ, ኣባል ባይቶ ከተማ ሉዛን ኮይኑ ዝተመርጸ ወዲ 27 ዓመት ሳምሶን የማነ

ኣብዚ ቐረባ ሳምንቲ ኣባል ባይቶ ከተማ ሉዛን ኮይኑ ዝተመርጸ ወዲ 27 ዓመት ሳምሶን የማነ፡ ገና ዓስራይ ዓመቱ ከይረገጸ፡ ኣብ 2003 ካብ ሃድን መንግስቲ ኤርትራ ነብሶም ከድሕኑ ምስ ዝነፈጹ ወለዱን፡ ሕጻናት አሕዋቱን፡ ብቦምባን ጥይትን ዝሕሎ ዶብ ሰጊሩ ንሱዳን ኣትዩ።

ካብኡ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ ዋጋ ምስ ዝኸፈሉ ስንኩላን ወለዱ ብኣጻምእ ሰሃራ ናብ ሊብያ፡ ካብ ሊብያ ቀጻሊ መርድእ ናብ ዘይፍለዮ ማእከላይ ባሕሪ ብናእሽቱ ጀላቡ ናብ ኢጣልያ ሰጊሩ።

ዳሕራይ ኣብ ስዊዘርንላድ ዑቕባ ምስ ዝሓተቱ ስድራ-ቤቱ፡ መንበሪ ፍቓድ ረኺቡ፡ ኣብታ ሃገር ዓብዩን ተማሂሩን፡ ሕጂ ኣብ ንኡስ ዕድምኡ፡ ሓደ ካብ ኣባላት ባይቶ ምምሕዳር እታ ዝነብረላ ከተማ ክኸውን በቒዑ።

ንሳምን ኣብ ፖለቲካ ንክዋሳእ ዝደረኸ ቀንዲ ረቛሒ

ሳምሶን፡ ካብ ኣጻምእ ሰሃራ ኣትሒዙ ኣብ እአምሮኡ ክውህለል ብዝጸንሐ ዘይተመለሰ ሕቶታት'ዩ ናብ ፖለቲካ ኣትዩ።

ምስ ወለዱን አሕዋቱን ኣጻምእ ሰሃራን ባሕርን ክሰግር እንከሎ፡ ዋላ እውን ወዲ ትሽዓተ ዓመት ቖልዓ እንተነበረ፡ እቱ ንሱን ወለዱን ካልኦት ኣማኢት መጓዕዝቲ ስደት መንእሰያት ዝሓልፉዎ ዝነበሩ መከራ ኣብ አእምሮኡ ይጸሓፍ ነይሩ።

"ኣብ ኩሉ እቲ ጉዕዞ፡ ስለምንታይ ኢና ካብ ሃገርና ንሃድም ዘሎና? ስለምንታይ ኢና'ኸ ብኸቢድ ጸበባን ሽግርን ተጓዒዝና? ስለምንታይ ብሕግን ፍቓድን ብመኪና ዘይገሽና? ዝብል ሕቶ ኣብ ሓንጎለይ ይመላለስ ነይሩ" ከኣ ይብል ሳምሶም ነቲ ሕሉፍ ክዝክር እንከሎ።

ብፍላይ እቲ ንናጽነት ኣብ ዝተኻየደ መሪር ወተሃደራዊ ቃልሲ፡ የማነይቲ እግሩ ዝተቖርጸ ወላዲኡ፡ እቲ ምስ ምሉእ ጥዕናን ድልዱል መሓውርን ንክተሰግሮ ዝኸብድ ኣጻምእ ሰሃራ፡ ብምርኩስ ክኸዶ ምስ ረኣየ፡ ብዙሕ ምላሽ ዘድልዮም "ስለምንታያት" ኣብ አእምሮኡ ከምዝተኸዘነ ይዛረብ። ምስ ዋሕዚ ስደት፡ ቀጻሊ መርድእ ጥፍኣት፡ ሞትን ጸበባን ኤርትራውያን መዛረቢ ማዕከናት ዜና ምስ ኮነ፡ እቲ "ስለምንታይ" ዝብል ሕቶ ምላሽ ክረኽበሉ ምስ ነብሱ ኣብ ቅልስ ኣተወ።

"ጠንቂ'ዚ ኩሉ ስደትን ጥፍኣትን ኤርትራውያን ስድራታትን መንእሰያትን፡ ኣብ ሃገርና፡ ንዜጋታቱ ብፍትሒ ዘመሓድር፡ ብልዕልና ሕጊ ዝግዛእ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ስለዘየሎ እዩ። ስለዚ ኣብ ዝነብረሉ ሃገረ ስደት፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ተማሂረን ተሞኲረን ሕጅን-ንመጻእን፡ ኣብዝን ኣብ ሃገረይን ብዓቕመይ እጃመይ ከበርክት ክመሃርን ክምኮርን ኣለኒ ብማለት ፖለቲካል ሳይንስ ከጽንዕ ወሲነ" ይብል ናብ ሰልፊ ደሞክራሲ ስዊዘርላንድ ብኸመይ ከምእተጸንበረ ክትርኽ እንከሎ።

ኣባል ባይቶ ከተማ ሉዛን ክኸውን እንታይ መስርሕ ሓሊፉ?

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምስተጸምበረ ኣባል ሰልፊ ሶሻል ዴሞክራት ስዊዘርላንድ ኮይኑ ተመዝጊቡ። ተገዳስነትን ንጥፈታቱን ሳምሶን ዝረኣየ ሰልፊ ደሞክራት ከኣ፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሉዛን ንክወዳደር ዕድል ከፊቱሉ።

ሉዛን ብዕቤታን ስፍሓታን ድሕሪ ዙሪክ፡ ጄነቫን ባሰልን ኣብ ራብዐይ ደረጃ እትስራዕ፡ ንኽትነብራ እተብህግ ኣዝያ ውሕስቲ ልዑል ኣገልግሎት ጥዕናን ትምህርትን ዝርከባ ምችእቲ ከተማ እያ።

ንኹለንትናዊ ደረጃ መንብሮ ናእሽቱ ከተማታት ዓለም ዘወዳደረ ሞኖሶል ደቡት ዝተባህለ መጽሔት ካብተን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝሰርዐን 25 ከተማታት ሉዛን ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ።

ሳምሶን ከኣ፡ ካብታ ልዕሊ 160 ሽሕ ሰባት ዝነብሩላን 90 ሽሕ ዘድምጹላን ግርምቲ ከተማ፡ ኣስታት ትሽዓተ ሽሕ ድምጺ ስለዝረኸበ'ዩ ሓደ ካብ ኣመሓደርቲ እታ ከተማ ኮይኑ ተመሪጹ ዘሎ። ኣብ ዝመጽእ ሓምለ ብወግዒ ኣብ ዝጅምሮ ስራሕ ከኣ ምስ ክፍሊ ፋይናንስ ክሰርሕ እዩ።

እቲ ክፍሊ ፋይናንስ፡ እታ ከተማ ካብ እትእክቦ ግብርን ቀረጽን ኮነ ካብ ማእከላይ መንግስቲ እትረኽቦ ባጀት ኣበየናይ ልምዓታዊ መደባት ከም እተውዕሎ ካብ ዝውስኑን ዘመቓርሑን ሰባት ሓደ ክኸውን እዩ።

ክሳብ'ዚ ቐረባ እዋን፡ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ወለዶ ስደተኛታት እዮም ኣብተን ዜግነት ዝሃበኦም ሃገራት ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ዝዋስኡ። ይኹን እምበር ቅድሚ 10 ዓመት ምስ ስድራ ቤቱ ተሰዲዱ ዝኣተዋ ሃገር ኣምሂራን መልሚላን ኣባል ምምሕዳር ካብተን ዝዓበያ ከተማታት ክትከውን ማዕጾ ከፊታትሉ።

"እንተጽዒርካ ዘይክፈት ማዕጾ የሎን" ዝብል እምነት ዘለዎ ሳምሶን ናብዚ ሕጂ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ ንኽበጽሕ ተራን ምትብባዕን ወለዱ ከምዝሓገዞ ይዛረብ። "ወለደይ መሓዙተይ እዮም። ቖልዓ'ዩ ከይበሉ ኩሉ ነገር ብግልጺ እናነገሩ፡ ኣብ ትምህርተይ ኽደፍእን ስለዘተባብዑኒ፡ ኣብዚ ደረጃ በጺሐ" ክብል ብኣኽብሮት ይዝክሮም።

እቲ ብምርኩስ ኣጻምእ ሰሃራ ዝጨደደ ተጋዳላይ የማነ'ኸ እንታይ ይብል?

ነብሲ ወከፍ ወላዲ፡ ውሉዱ፡ ብፍቕርን ስነ-ምግባርን ተኾስኵሶም ክዓብዩ፡ ኣብ ንእስነቶም ፍልጠትን ክእለትን ቀሲሞም ብትምህርቱ ክስጉሙ፡ ዓቕሞም አሐይሎም ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሑ፡ ትምህርቶም ዛዚሞም ዝምስገን ዝነባበርሉ ስራሕ ረኺቦም፡ ሓዳር መስሪቶም ወሊዶም ዘሚዶም ክማሙቑ እዩ ዝምነ። የማነ ከኣ ሳምሶን ወዱ ረኺቡዎ ብዘሎ ፈላሚ ዓወት ልዑል ሓጎስ ከምዝተሰመዖ እዩ ዝገልጽ።

"እቶም ካብ ብሱል ጥረ ዝኣተና ስንኩላን ተጋደልትን፡ እቲ ብኹሉ ዝኽእሎ ዘበለ ተወፍዩ፡ ደቁን ንብረቱን ከፊሉ ናጽነት ህያው ዝገበረ ህዝብና፡ ተመንዩ ዘይረኸቦ ደሞክራሲያዊ ምሕደራ፡ ምንም ኣብ ዘይገበርናሎም ሃገረ ስደትና ምስ ደቅና ንዋስኣሉን ነስተማቕሮን ብምህላውና ይኾርዕን ይሕበንን፡ ኣብቲ ኣካልና ዝሰንከልናሉ ሃገርና ብዘይ ምዃኑ ከኣ እሓዝንን እትክዝን" ይብል።

የማነ ንሳምሶን ኣብኡ

ምንጪ ስእሊ, S.G

ቢቢሲ ትግርኛ፡ ኣብ ታሕሳስ 2017፡ ብምኽንያት ዓለማዊ መዓልቲ ስደተኛታት፡ ንኣጻምእ ሰሃራ ብምርኩስ ንዝጨደዱ ክልተ ኣካለ ስንኩላን ኩናት ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ፡ ንተጋዳላይ የማነ ጊላጋብርን ኣበደ ተስፋይን፡ "ሰሃራ ሊብያ፡ ብምርኩስ ዝጨደዱ ስንኩላን ተጋደልቲ" ብዝብል ኣርእስቲ ታሪኾም ኣዘንትያ ነይራ።

ሽዑ ተጋዳላይ የማነ፡ ደጋፊ እቲ ጉጅለ -15 ዝተኣስርሉ ናይ ለውጢ ሕቶ ብምንባሩ፡ ብዙሓት ማእከሎት ካድራት ክእሰሩን ክህደኑን ምስ ጀመሩ፡ ካብ ሃድን ማእሰርቲ ኣምሊጡ፡ ጓል ሰለስተ ወርሒ ሕጻን እትርከቦም ሰለስተ ደቁን በዓልቲ ቤቱን ሒዙ፡ ኣብ ሕሩስ ግርሁ እናወደቐን እናተንስአን ብምርኩስ ንሱዳን ከምዝኣተወ ሓቢሩ ነይሩ - ንሰሃራ ከኣ ቀጺሉ። እዚ ሕጂ ሓደ ካብ ኣመሓደርቲ ከተማ ሉዛን ኮይኑ ዘሎ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ነበር ሳምሶን ውላዱ ከኣ ሓደ ካብቶም ብኣጻምእ ሰሃራ ዝተጓዕዙ ትሕተ ዕድመ ደቁ እዩ።

" ካብ ሕጂ ንደሓር እቲ ዕድልን መጻእን ንደቅና እዩ። ንሕና ኣብ ዕድመና ምእንቲ ናጽነት ህዝብና ዋጋ ከፊልና ፍርቂ ኣካልና ኣብ በረኻታት ሳሕል ቀቢርናዮ ዝመጻእና ውጻእ መዓት ኢና። ካብቶም ኣብ መዓስከር ስንኩላን ዘለው ብጾትና፡ እዞም ኣብ ስደት ዘሎና ኣነን ዝኸማይን ንሓይሽ። በዚ ኣጋጣሚ እዚ ከኣ እዚ ናይ ሳምሶን ተበግሶን ዓወትን ንብዙሓት መንእሰያት ደቅና ክጸልዎምን ኣብ ስደት ንዘሎ ኩሉ ዓይነት ዕድላት ክጥቀምሉን እምሕጸን" ክብል ለበውኡ ኣመሓላሊፉ።

መልእኽቲ ንመንእሰያት ኤርትራ!

ሳምሶን ብወገኑ፡ ስደተኛ ኬንካ ቋንቋን ባህልን እትነብረሉ ሃገረ ስደት ኣጽኒዕካ፡ ነቲ ኣብ ስምዒት ሰባት ዘይተርፍ ሕቡእን ቅሉዕን ዓሌታዊ ኣድልዎ ገጢምካ መን ምዃንካ ከተርኢ ብዓቕምን ክእለትን ክትወዳደርን ጸብለል ክትብል ከቢድ እኳ እንተኾነ፡ ግን ከኣ ናይ ግድን ክግበር ከምዘለዎ ይገልጽ።

ኣቡኡን ኣዲኡን ኣብ ዕቤቱን ምዕባለኡን ልዑል ኣበርክቶ ከምዝነበሮም ብምሕባር ከኣ " ስድራ-ቤታት ኤርትራ ምስ ደቆም ጽኑዕ ርክብ ክህልዎም" ክመሃሩን ክጽዕሩን ይመክር።

ልዕሊ ኩሉ ግን ምስ ማሕበረ-ሰብ እቲ እትነብረሉ ሃገርን ከተማን ክትላለን ክትተሓወስን ኣዝዩ ኣገዳስን ንኹሉ ዓይነት ምዕባለ ከምዝድርኽን ካብ ተመኩሮኡ ይዛረብ።

ምስ ፋኑስ ኔት ዎርክን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝደገሞን ዝርርብ "ኣብ ደሞክራሲ ክትሓልም ይከኣል እዩ'ሞ፡ ኩሉ ሰብ ንዝለዓለ ነገር ክሕልን ይግባእ። እዚ ሕጂ ኣብ ስደት ረኺበዮ ዘለኹ ዕድል፡ ምሕደራ ደሞክራሲ ተለማሚደን ተሞኲረን ንመጻኢ ኣብ ኤርትራ ክሰርሓሉን እምነ። ንኹላቶም መዛኖይ ከኣ ኣብ ዝኸድና ኬድና ንኤርትራ ክንርስዓ የብልናን ክብሎም እደሊ" ክብል መልእኽቱ አሕሊፉ።

ማሕበራዊ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ስዊዘርላንድ

ብ1888 እተመስረተ ማሕበራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ስዊዘርላንድ፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከባ ጥንታውያን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ሓደ እዩ። እቲ ካብ 1959 ኣትሒዙ ምስ መሻርኽቱ ሰልፈታት ተላፊኑ ዘመሓድር ዘሎ ሰልፊ ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ህይወት እታ ሃገር ዓቢ ጽልዋ ከምዘለዎ ኣብ ንእስነቱ ዝተጸምበሮ ሳምሶን የማነ ይገልጽ።

ቀንዲ ፖሊሲታት ማሕበራዊ ደሞክራስያዊ ሰልፊ፡ ምርግጋጽ ማዕርነት፡ ምግታእ ጾታዊ ዓመጽን ኣብ ትሕቲ ዕድመ ዘጋጥም ጸቕጥን፡ ምውጋድን ድኽነትን ከምኡ እውን ንኹሉ ማዕረ ዕድላት ዝህብ ከም ክንክን ኣረጋውያን፡ ክንክን ህጻናት፡ ኣቕርቦ ብቑዕ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን፡ ምርግጋጽ መሰላት ሰራሕተኛታት ካብቲ ቀንዲ ዝልለየሉ መትከላቱ ምኻኑ ይጥቀስ።