ዳይረክተር ሳይንስ ኣመሪካ ክትከውን ብፕረዚደንት ባይደን ዝተመዘዘት ኤርትራዊት ፕሮፌሰር ኣስመረት በርሀ

ምንጪ ስእሊ, University of California
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንኤርትራዊት ተመራማሪት ፕሮፌሰር ኣስመረት ኣሰፋው በርሀ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጸዓት ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ስነፍልጠት (ሳይንስ) ክትከውን መዚዙዋ።
ፕሮፌሰር ኣስመረት፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ፡ መምህር ስነሓመድ (ሶይል ባዮጂኦኬሚስትሪ) ኮይና፡ ዝተፈላለየ ሓላፍነታት ዝተዋህባ ፍልጥቲ ጓል-ኣንስተይቲ ተመራማሪት እያ።
እቲ ክትገብሮ ዝጸንሐት ምርምራት ስነምድሪ፡ ብዛዕባ ፍግረ-መሬት፡ ባርዕን፡ ሳዕቤናት ክሊማዊ ለውጥን ዘጠቓለለ ምዃኑ፡ እቲ ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት (ዋይት ሃውስ) ብዛዕባ ድሕረ ባይታኣ ዘውጽኦ ጽሑፍ የረድእ።
ኣስመረት፡ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ኮይና፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ናይ መጀመርታ ማዕርግ ትምህርታ ብስነሓመድን ዕቃበ ማይን ወዲኣ።
ብድሕሪኡ፡ ናብ ኣመሪካዊ ዩኒቨርሲቲ ሚሺጋን ብምኻድ ብ'ፖለቲካል ኢኮሎጂ' (ፖለቲካ ማሕድሮ) ብማስተርስ ተመሪቓ።
ቀጺላ ድማ፡ ካብቲ ኣብ በርክለይ ዝርከብ፡ ክፋል ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ፡ ብ'ባዮጂኦኬሚስትሪ' ናይ ዶክትረይት (ፒ-ኤች-ዲ) ማዕርግ ተቐቢላ።

ምንጪ ስእሊ, Asmeret Asefaw Berhe/Twitter
ኣብ 2020፡ ብዝካየደቶ ዕዉት ምርምራት፡ "ዕዉትቲ ስደተኛ፡ ክብርቲ ኣመሪካዊት" ዝብል ሽልማት ብሓደ 'ካርነጅ ኮርፖረሽን ኒውዮርክ' ዝተባህለ ፍሉጥ ትካል ተዋሂባ።
"ኣብ ክፍሊ ጸዓት ዳይረክትር ቤት ጽሕፈት ሳይንስ ክኸውን ምርቁሐይ ክብሪ ይስምዓኒ" ክትብል ኣብ ትዊተር ጽሒፋ።
ፕሮፌሰር ኣስመረት፡ ምስ ካልኦት 11 ውልቀሰባት'ያ፡ ነቲ ምምሕዳር ባይደን ኣንቂልዎ ዘሎ፡ ምህናጽ "ዘመናዊ ትሕተ-ቅርጽን፡ መጻኢ ጽሩይ ጸዓትን" ንምዕዋት ተሓርያ ዘላ።
መዝነታ ብላዕለዋይ ባይቶ (ሰነት) እንድሕር ጸዲቑ፡ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ መንግስቲ ኣመሪካ ክሰርሑ ዝበቕዑ ኤርትራውያን ክትከውን'ያ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ንክሊማዊ ለውጢ ንምግታእ ብዘለዎ ቆራጽነት ኣብታ ሃገር ተሓዳሲ ጸዓት ንምፍጣር ዝተፈላለየ ስጉምትታት ይወስድ ምህላዉ ይፍለጥ።
ባይደን፡ ነታ ብፕረደዚንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብ ስምምዕ ክሊማ ፓሪስ ወጺኣ ዝነበረት ኣመሪካ፡ ናብቲ ውዕል ከምትምለስ ምግባሩ ይዝከር።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







