ጆ ንጉሰ፡ ኣብ ጉዳይ ክሲ ትራምፕ ልዑል ግደ ዝጻወት ዘሎ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ኣባል ኮንግረስ

ምንጪ ስእሊ, AAron Ontiveroz
ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ ኣመሪካ ንፈለማ እዋን ዘጋጠመ ክስተት ኣብ ርእሰከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ይፍጸም ኣሎ።
ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ብባይቶ ኣመሪካ ንዝኣተዎ ቃለማሕላ ጠሊሙ ተባሂሉ ክልተ ግዜ ዝተኸሰ ኮይኑ'ሎ።
ኣብ ርእሲኡ፡ እዚ ናይ ሕጂ ዝያዳ ታሪኻውን ፍሉይ ዝገብሮ፡ ትራምፕ ስልጣኑ ከረክብ ሒደት መዓልታት ምስተረፎ ዝተወስደ ምዃኑ'ዩ።
ነቲ ኣብ ልዕሊ ህንጻ ባይቶታት ኣመሪካ፡ ካፒቶል፡ ዘጋጠመ ሂወት ሓያሎ ሰባት ዝተቐዝፍሉ ተቓውሞ ኣለዓዒሉ ተባሂሉ'ዩ ተኸሲሱ ዘሎ።
እቲ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝጸደቐ ውሳነ፡ ናብ ላዕለዋይ ባይቶ ወይ 'ሰነት' ሰጊሩ'ሎ። እቲ ናብ ፍርዳዊ መጋባእያ ተቐዪሩ ዘሎን ወሳኒ ስልጣን ዘለዎን ሰነት ብወገኑ፡ ነቲ ብወከልቲ ባይቶን ጠበቓታት ትራምፕን ዝቐርብ ምጉት ድሕሪ ምስማዕ ብዓብላሊ ድምጺ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ብዪን ከሕልፍ ትጽቢት ይግበረሉ።
ጆ ንጉሰ ድማ ሓደ ካብቶም ነቲ ታሕተዋይ ባይቶ ብምውካል ነቲ ጉዳይ ናብ ሰነት ከቕርቡ ዝቐነዩ 9 ኣባላት ኮንግረስ'ዩ።
ጆ፡ ኣብቲ ንመዓልታት ዝቐጸለ ምጉት ኣብ ዓይኒ ካሜራታት ዓለምን ኣመሪካን ኣትዩ፡ ናይ ምዝራብን ምምጓትን ክእለቱ ዘመስከረሉ ኣጋጣሚ ኮይኑ'ሎ።
ንሱ ሓሙስ ምሸት ኣብ ዝሃቦ ናይ መዕጸዊ ቃል፡ ሰነት ንተገባራት ትራምፕ ሸለል ኢሉ እንተሓሊፍዎ፡ ነቶም ብድሕሪ ሕጂ ዝመጽኡ መራሕቲ ኣመሪካ ሕማቕ ኣብነት ከምዝኸውን ኣጠንቂቑ።
ጠበቓታትን ደገፍትን እቲ ፕረዚደንት ነበር ግን፡ ንወጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብምንጻግ ደገፍቱ ናብ ካፒቶል ብምኻድ ተቓወምኦም ከስምዑ ምትብባዑ፡ ሓሳቡ ናይ ምግላጽ መሰሉ'ዩ ተጠቒሙ ብሃልቲ'ዮም።
ጆ ንጉሰ መን'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, U.S. Embassy Asmara Eritrea
እቲ ኤርትራዊ ዝመቦቆሉን ኣባል ሰልፊ ዴሞክራት ዝኾነን ጆሰፍ ንጉሰ፡ ኣብ ሕዳር 2018 እዩ ኣባል ኮንገረስ ኣመሪካ ኮይኑ ተመሪጹ።
ንኮሎራዶ ወኪሉ ዝተመርጸ ፈላማይ ኣፍሪቃዊ-ኣመሪካዊ ኣባል ኮንግረስ ብምዃን ታሪኽ ዝሰርሐ ክኸውን በቒዑ።
ንሱ፡ ሓደ ካብቶም ንፖሊስን ባህርን ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣትሪሮም ክነቐፉ ዝጸንሑ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ኣብ ባይቶታት ኣመሪካ'ዩ።
ጆ ንጉሰ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኮሎራዶ ብዓውዲ ሕጊ'ዩ ተመሪቑ። ኣብ 2008 ድማ ኣብ ቦርድ ዩኒቨርሲቲ ኮሎራዶ ካልኣይ ጸሊም ኣሜሪካዊ ብምዃን ንኣስታት ሽዱሽተ ዓመታት ሰሪሑ።
ቀጺሉ ብዕድመ ዝነአሰ ኣብ ካቢነ ክፍለ ግዝኣት ኮሎራዶ ዝተመዘዘ ዜጋ ብምዃን ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኮሎራዶ ኤጄንሲ ምክልካል ሃልኪ ንክልተ ዓመታት ኣገልጊሉ።
ጆ፡ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣንድርያን ህጻን ጓሉ ናታልያን 'ላፍያት' ኣብ እትበሃል ከተማ እዮም ዝነብሩ።
ወለዱ ቅድሚ 35 ዓመት ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ናብ ኣመሪካ ከምዝተሰዱ ታሪኽ ሂወቱ የዘንቱ።
ዑደት ናብ ኤርትራ
ኣብ መጋቢት 2019 ምስቲ ኣደ መንበር ሓደ ፍሉይ ሽማገለ ባይቶ ኣሜሪካ ካረን ባስ ዝተመርሑ ሓደስቲ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ጆ ንጉሰን፡ ኣመሪካዊት ሶማላዊት ኢልሃን ዖመርን ናብ ኤርትራ በጺሖም ነይሮም።
እቶም ሽዑ ሓደስቲ ኣባላት ባይቶ ዝነበሩ፤ ፈላሚ ወግዓዊ ዑደቶም ናብ ኤርትራ ኣብ ዝገበርሉ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀልን ተራኺቦም ነይሮም።
እቲ ዑደት ድሕሪ 14 ዓመታት ብኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ዝተገብረ ዲፕሎማሲያዊ ፍጻመ ብንባሩ ንብዙሓት ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘዘራረበ'ዩ ነይሩ።
ገለ ኤርትራውያን፡ ኣመሪካ ነቲ ኣብ ለዕሊ ኤርትራ ተኽተሎ ዝነበረት ግጉይ ዝብልዎ ፖሊሲኣ ብምቕያር ገጻ ብምምላሳ ክንእዱ ተሰሚዖም።
ካልኦት ድማ ኤርትራ ብግህሰት ሰብአዊ መሰላት እናተኸሰት፡ ናይ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት እንከይፈትሐት፡ ቅድሚ 19 ዓመታት ዝዓጸወቶ ብሕታዊ ሕትመትን ሸዑ ዝኣሰረቶምን ጋዜጠኛታትን ከይፈትሐት ነቲ ዑደት ምፍጻሞም ኣበሳ መንግስቲ ዝሽፍን'ዩ ክብሉ ነቒፎም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







