ኣባላት ኮንግረስ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ኢልሃን ዖመርስ ጽሒፋ፡ ጆ-ንጉሰኸ እንታይ ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, U.S. Embassy Asmara Eritrea
ብኣመሪካዊት ኣደ መንበር ባይቶ ኣሜሪካ ካረን ባስ ዝተመርሑ ሓደስቲ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ጆ ንጉሰን፡ ኣመሪካዊት ሶማላዊት ኢልሃን ዖመርን ናብ ኤርትራ በጺሖም።
እዞም ሓደስቲ ኣባላት ባይቶ፡ ፈላሚ ወግዓዊ ዑደቶም ናብ ኤርትራ ስለ ዝመረጹ'ዮም ምስታ ኣደ መንበር ባይቶ ናብ ኤርትራ ተጓዒዞም - ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀልን ተራኺቦም።
ዲፕሎማሲያዊ ዑደት ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ንኤርትራ ድሕሪ 14 ዓመታት ይፍጸም ብምህላው ከኣ ብዙሓት ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘዝመስሎም ርእይቶ ይህቡሉ ኣለው።
ገሊኦም፡ ኤርትራ ብሰንኪ ዝረን-ኣግልሎን ማሕበረ ሰብ ዓለም ንዝሓለፈ ክልተ ዓሰርተ ዓመት ግዳይ እገዳን ተነጽሎን ኮይና'ኳ እንተጸንሐት ኣብ መጨረሻ ግን ጽንዓትን ምጽማምን ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ስዒሩ፡ እቲ ሓቂ ስለዝተጋህደ ኣመሪካ እውን ገጻ ክትመልስ ተገዲዳ ኢሎም።
ካልኦት ከኣ፡ ኤርትራ ገና ብግህሰት ሰብአዊ መሰላት እናተኸሰት፡ ናይ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት እንከይፈትሐት፡ ቅድሚ 19 ዓመታት ዝዓጸወቶ ብሕታዊ ሕትመትን ሸዑ ዝኣሰረቶምን ጋዜጠኛታትን ከይፈትሐት ብስም'ዚ ገና ንህዝቢ ብወግዕን ብዝርዝርን ዘይተገልጸ መስርሕ ዕርቀ ሰላም፡ ሓጢኣት ስርዓት ኣስመራ ክርሳዕ ግቡእ ኣይኮነን ይብሉ።
ካልኦት እውን እዞም ሕጂ ንኤርትራ ኣትዮም ዘለው ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፡ ነቶም ኣብ 2001 ተኣሲሮም ዝተሸርቡ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ ነበርን ኩሎም ናይ ሕልና እሱራትን ደሃዮም ክሓትሎምን ንክፍትሑ ክጽውዑን ኣተሓሳሲቦም።
በንጻሩ ደሞክራሲያዊት ሃገር ኣመሪካ፡ ንምልካዊ ስርዓት ኣስመራ ግምት ሂባ፡ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ምክያዳ ዘሕዝን እዩ ዝበሉ እውን ነይሮም።
ቢቢሲ ትግርኛ፡ ንከማል ዓልን ስዩም ተስፋይን ካብ ኣመሪካ፡ ንምብጻሕ እዞም ኣባላት ባይቶ ብዝምልከት ርእይቶኦም ከካፍሉዎ ሓቲቱ'ሎ - እቲ ዝበሉዎ እነሆ፡-
ከማል ዓሊ ካብ ኮሎራዶ ኣመሪካ፡ "ጆ ንጉሰን ኢልሃምን፡ ከም ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሕጊ ንከርቅቑን ኣብ ምጽዳቕ ሕጊ ንኽካትዑን ንኽልተ ዓመት እዮም ተመሪጾም ዘለው" ብምባል የዘኻኽር።

ምንጪ ስእሊ, ከማል ዓሊ
ጆ-ንጉሰ ከኣ ኣብ ኮሎራዶ ብዓብላሊ ድምጺ ዝተመርጸ ናይ መጀመርታ ጸሊም ኣመሪካዊ ኣባል ባይቶ እዩ። ሶማላዊት ስደተኛ ኢልሃን ዖመር እውን ኣብ ሚኒሶታ ብልዑል ድምጺ እያ ተመሪጻ።
"እቲ ኮንግረስ ነዞም ዝተመርጹ ሰባት በብናቶም ዓቕሚ ኣብ ዝተፈላለየ ኮሚተታት እዩ ዝምድቦም።
እዞም ሕጂ ናብ ኤርትራ ከይዶም ዘለው ሓደስቲ ምሩጻት ከኣ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢን ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ኣመሪካን ኣብ ዝርኢ ትካል እዮም ዝሰርሑ ዘለው።
ካብኡ ተበጊሶም ከኣ ንኣመሪካ ዘካይዳን ዘርብሓን ሕጊ ክረቅቕ ይእምቱ፡ ሞያዊ ምኽሮም እውን ይህቡ። ስለዚ እዚ ናይ ሕጂ ጉዕዞኦም ንኤርትራ ብኣዎንታ እየ ዝርእዮ" ይብል ከማል።
"ምኽንያቱ እዞም ሰባት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣትኩሮ ጌሮም ኣለዉ። እዞም ሰባት ከኣ ኣመሪካውያን እዮም - ከም ኣመሪካውያን ኢና ክንርእዮም ዘሎና።
ስለዚ ጽባሕ ንግሆ ነቶም ዝመረጹዎም ኣመሪካውያን፡ ንኤርትራ ገይሾም ዝረኣዩዎም ዝተዓዘቡዎን ክነግሩዎም እዮም።
ጆ-ንጉሰ ከኣ ካብ ኤርትራውያን ስድራ ስለዝተወልደ፡ ወላዲኡ ተጋዳላይ ተሓኤ ስለዝነበረ ብዛዕባ ኤርትራ ገለ ኣፍልጦ ክህልዎ ይኽእል እዩ ዝብል ርእይቶ ኣሎኒ። ንሱ ከኣ ንኤርትራ ብዝግባእ ክርድኣ ይሕግዞ ይኸውን።
ኢልሃን ዑመር፡ ኣብ ትዊተር ተስፋ ዝህብ ነገራት ኣሎ ብምባላ፡ ተሃዊኽኪ ኢሎም ዝነቐፉዋ ሰባት ነይሮም።
ብርእይቶይ ግን ብዙሕ ዘንቅፋ ኣይኮነን። ንሕና ኤርትራውያን እቲ ሕጂ ምስ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ዕርቀ ሰላምን መስርሑን፡ ግሉጽነት ስለዝጎድሎ ዕቃበ ክህልወና ይኽእል እዩ።
ጆ- እኳ ምንም ኣይተዛረበን። ግን ዋላ እውን ንኢልሃም ብሓደ ቅጽበት ክንፈርዳ ኣይግባእን እዩ። ዑደቶም ወዲኦም ምሰተመልሱ ትዕዝብቶም ከካፍሉና ስለዝኾኑ ኣይንተሃወኽ" ይብል ከማል።
ስዩም ተስፋይ ብወገኑ፡ "እዞም ሰባት ገና ብሕጂ እዮም ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ክሙኮሩን ክመሃሩን። ሽዱሽተ ወርሒ እውን ኣይገበሩን ኣብ ባይቶ።

ምንጪ ስእሊ, ስዩም ተስፋይ
ስለዚ እቲ ዘሎ ኩነታት ብዓይኖም ክርእዩን ክመዝኑን ንኤርትራ ምኻዶም ብኣዎንታ እየ ዝርእዮ። ጽባሕ ንግሆ በጺሖም ምስተመልሱ ትዕዝብቶም ከካፍሉና እዮም።
ሽዑ ኸኣ ዝጎደሎም እንተሎ፡ ክንሕብሮም፡ ከነረድኦም፡ ክንነግሮም ናትና ግደ እዩ። ካብኡ ተረፈ ኤርትራ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እናተኸሰት ሰለምንታይ ንኤርትራ ይኸዱ ማለት ትርጉም የብሉን።
ንኸዐርዩን ንኽማኸሩን እውን ዕድል ስለዘሎ ንፍርዲ ክንህወኽ የብልናን" ይብል።
ሓያሎ ካብቶም ኣብ ትዊተር ርእይቶኦም ዝሃቡ ሰባት ከኣ፡ ጆ ንጉሰን ኢልሃን ዖመርን፡ ኣብ ቀርኒ ኣፈሪቃ ንዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ዝተደወነ ስእልን ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ድምጾም ከስምዑ ትጽቢት ንገብር ኢሎም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







