ባይቶ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ክሲ ምምስራት ሕገ መንግስታዊ ምዃኑ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ባይቶ ኣሜሪካ ማለት ሴነት ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ክሲ ናይ ምምስራት (ኢምፒችመንት) መስርሕ ሕገ መንግስታዊ ምዃኑ ብምግላጽ ክቕጽል ወሲኑ።
ጠበቓታት ትራምፕ፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ካብ ቤተመንግስቲ ኣሜሪካ፡ ድሕሪ ምውጽኡ ክኽሰስ ከም ዘይኽእል እዮም ሞጊቶም ነይሮም።
እንተኾነ ግና እቲ ውሳነ ብ56 ድጋፍ ን44 ተቃውሞ ድምጺ ብልጫ ክሓልፍ ክኢሉ ኣሎ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ደገፍቱ ንህንጻ ባይቶ ኣሜሪካ፡ ካፒቶል፡ ብምውራር ጉድኣት ኣብ ዘብጽሑሉ፡ “ከም ዘተባብዖም” ይኽሰስ።
ትራምፕ ዝኾነ ጭብጢ ብዘይምቕራብ፡ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ምትላል ከም ዝነበረ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ክሲ ኣልዒሎም ዘለው ኣባላት ደሞክራት ብሰሉስ ኣብ ዝጀመርዎ መስርሕ፡ ትራምፕ ጥሪ 6 ዘስምዖ መደረን ገለ ደገፍቱ ዝፈጸምዎ ህውከትን ዘርእይ ቪድዮ ንኣባላት እቲ ባይቶ ኣቕሪቦም።
ኣባል ደሞክራት ጀሚይ ራስኪን ኣብ ዘስምዖ ምጉት፡ እቲ ተግባር “ዓቢይ ገበን” ምዃኑ ገሊጹ።
ንሱ ወሲኹ፡ “እዚ ዘየኽስስ እንተኸይኑ፡ ካልእ ዘኽስስ ጥሕሰት ሕጊ ክህልው ኣይኽእልን” ኢሉ።
ጠበቓታታት እቲ ፕረዚደንት ነበር ብወገኖም፡ ንሓደ ፕረዚደንት ነበር ካብ መዝነቱ ምስ ተኣለየ ምኽሳስ ሕገ መንግስታዊ ከም ዘይኾነ ብምግላጽ፡ እቶም ኣባላት ደሞክራት ብፖለቲካ ተደሪኾም ይገብርዎ ምህላዎም ከሲሶም።
እቲ ባይቶ ኣብቲ ጉዳይ ድምጺ ኣብ ዝሃበሉ፡ ሽዱሽተ ኣባላት ሪፓብሊካን እቲ ክሲ ክቕጽል ብምፍቓዶም 56-44 ብዝኾነ ድምጺ ተወሲኑ።
እቲ ፕረዚደንት ነበር በቲ ክሲ ገበነኛ ምዃኑ ክረጋገጽ፡ ክልተ ሲሶ ናይቲ 100 ኣባላት ዘለዎ ሴነት ‘እወ’ ከድምጽ የድልይ።
በደለኛ ኮይኑ ምስ ዝርከብ ኣብ መጻኢ ነቲ መዝነት ካብ ምሓዝ ከም ዝእገድ ይገብሮ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







