ዴሞክራት ኣባላት ባይቶ፡ ኣብ ካፒቶል ንዝነበረ ናዕቢ ትራምፕ ‘ብውልቁ ተሓታቲ’ዩ’ ኢሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዴሞክራት ኣባላት ባይቶ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ካፒቶል ንዝተላዕለ ዓመጽ “ብውልቁ ተሓታቲ” ስለ ዝኾነ ገበነኛ ክብሃል ኣለዎ ኢሎም።
ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ብወግዒ ዝጀመረ መስርሕ ቅድመ ፍርዲ፡ እቲ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ነበር፡ “ኣብ ልዕሊ ክሕልዎ ቃል ዝኣተወሉ ሪፐብሊክ ዓመጽ ብምልዕዓል” ዝብል ክሲ ኣዳልዮምሉ ኣለዉ።
እዚ ድማ፡ ትራምፕ ድሕሪ ሕጂ ንዝኾነ መንግስታዊ መዝነት ከይወዳደር ዝጽውዕ እዩ።
ሰብ ሞያ ሕጊ ትራምፕ፡ እቲ ዴሞክራት ዝጥቀምሉ ዘለው ናይ ክሲ ዓንቀጽ ንሕገ መንግስቲ ኣመሪካ “ዝጥሕስ” እዩ ኢሎም ይካትዑ።
ብ6 ጥሪ 2020 ኣብ ካፒቶል ዓመጽ ክለዓል እንከሎ፡ ኣባላት ኮንግረስ፡ ዓወት መረጻ ጆ ባይደን ከጽድቑ ኣብ ውሽጢ ተኣኪቦም ነይሮም።
ቅድሚ እቲ ብዕጥቂ ዝተደገፈ ናዕቢ፡ ትራምፕ ብኣሽሓት ንዝቑጸሩ ደገፍቱ “ኣመሪካ ነድሕን” ብዝብል ኣብ ከባቢ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዝነበሮም ምትእኽኻብ “ኣብቲ መረጻ ስለ ዝተዓወትና፡ ክትቃለሱ ኣለኩም” ኢሉ ነይሩ።
ሓለፍቲ ክሲ ትራምፕ ድማ፡ “እቲ ቁጥዐ ዝነበሮ ህዝቢ፡ ንዓመጽ ድልዊ ነይሩ” ንምባል ናይ ትራምፕ ዘረባን ምስልን መረዳእታ ገይሮም ከም ዘቕርቡ ተገሊጹ ኣሎ።
“እቲ መረዳእታ ግልጺ’ዩ። እቲ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ንምዕላው ዝተገብሩ ካልኦት ፈተነታት ክፈሽሉ ከለው፡ እቲ ፕሬዝደንት ነበር ኣብ ካፒቶል መጥቃዕቲ ክፍጸም ኣለዓዒሉ’ዩ” ዝብል ጽሑፍ ኣዳልዮም።
እንተ ጉጅለ ሰብ ሞያ ሕጊ ትራምፕ ግን፡ ነቲ ኣብ ዝቕጽል ሰኑይ ዝጅምር መስርሕ ፍርዲ ዝምልከት ዝዳሎ ዘሎ ጉዳያት ዘይሕገመንግስታውን ንመሰል ናጽነት ምዝራብ ዝዳፋእን’ዩ ይብሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ካብ 50 ኣባላት ሰኔት ሪፐብሊካን፡ እቶም 45 ነቲ ሰኔት ደጊፎም’ኳ እንተድመጹ፡ ገበነኛ’ዩ ዝብሉዎ ኣይመስሉን።
እቲ ኣብ ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ ዝተልዓለ ዓመጽ፡ ሓደ ኣባል ፖሊስ ሓዊሱ ምኽንያት ሞት ሓሙሽተ ሰባት ኮይኑ’ዩ።
ትራምፕ ንኻልኣይ ግዝኡ ክኽሰስ እንከሎ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ክልተ ግዜ ዝተኸሰሰ ፈላማይ ፕሬዝደንት ይኸውን።
እዚ ዓይነት ክሲ፡ ሓደ ሓጋጊ ሕጊ ካብ ቤት ጽሕፈት ንምስንባት ዝግበር መስርሕ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ግን ካብ ስራሕ ዝወጽኡ ሓለፍቲ መንግስቲ ተሓተትቲ ንምግባር'ውን ኣብ ግብሪ ውዒሉ’ዩ።
ትራምፕ ግን፡ ኣብቲ ሰልፊ ዘሕለፎ መልእኽቲ “ሙሉእ ንሙሉእ ትኽክለኛ’ዩ” ብምባል፡ ዋላ ሓደ ዝተቐበሎ ነቐፌታ የለን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







