ምልዓል ሕጋዊ ከለላ፡ ኣባላት ሪፐብሊካን ኣንጻር ትራምፕ ቅዋም ክሕዙ ጀሚሮም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራት ንትራምፕ ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ብገለ ኣባላት ሪፐብሊካን ደገፍ ክረክብ ብምጅማሩ ቆላሕታ ዝረኸበ ጉዳይ ኮይኑ'ሎ።
ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ካብ ሞንጎ ሙኩራት ሪፐብሊካን ብሳልሳይ ደረጃ እትስራዕ ሊዝ ቸነይ፡ ትራምፕ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተወልዐ ዕግርግር ብዝተሓሓዝ ተሓታቲ ንክኸውን እቲ ዝነበሮ ተኸሳሲ ናይ ዘይምዃን ሕጋዊ ከለላ ንክለዓል ድምጺ ክትህብ ምዃና ኣፍሊጣ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ደገፍቱ ንባይቶ ኣሜሪካ ጥሒሶም ብእታው ዝፈጠርዎ ዕግርግር ሓላፍነት ከምዘይወስድ'ዩ ዝገልጽ።
ንሱ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን 20 ጥሪ ብጆ ባይደን ክትካእ መደብ እንተሃለወ'ኳ፤ ባይቶ ተወከልቲ ግን ሎሚ ረቡዕ ህውከት ብምልዕዓል ክኸሶ ምዃኑ ይሕበር።
እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ፕረዚደንታት ኣሜሪካ ክልተ ናይ ዘይተኸሳስነት ሕጋዊ ከለልኡ ዝተላዕለ መራሒ ክገብሮ ይኽእል።
ሪፐብሊካን እንታይ ይብሉ?
ጓል ምኽትል ፕረዚደንት ነበር ዲክ ቸነይ ዝኾነት ሊዝ ነቲ ምልዓል ሕጋዊ ከለላ ከምእትድግፍ ኣፍሊጣ'ላ።
እዚ ድማ ካብ መበል 37 ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ሪቻርድ ኒክሰን ንደሓር ሓደ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ብኣባል ናይ ባዓሉ ሰልፊ ዘጓንፎ ፈላሚ ተቓውሞ ኮይኑ'ሎ።
"ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ሓደ ፕረዚደንት ንቤት ዕዩኡን ንዝመሓለሉ ሕገ መንግስትን ዓብዪ ክሕደት ዝፈጸመሉ ኣጋጣሚ ኣይነበረን" ኢላ ሊዝ።
እታ ተወካሊት ግዝኣት ዋዮሚንግ ትራምፕ "ነቲ ናዕቢ ከም ዝጸውዐ፣ ከምዘዋደደን ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዘጓሃሃረን" ወሲኻ ሓቢራ።
ጆን ካትኮን ኣዳም ኪዚንገርን ዝተባህሉ ካልኦት ክልተ ኣባላት ሪፐብሊካን እውን ነቲ ምልዓል ከለላ ሕጊ ዝድግፍ ድምጺ ከም ዝህቡ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ኒውዮርክ ታይምስ ከም ዝጸብጸቦ ድማ መራሒ ሰኔት ሪፐብሊካን ሚች ማክኮነል ዴሞክራትስ ንሕጋዊ ከለላ ትራፕም ከልዕሉ ምድላዮም ከም ዘሐጎሶ ገሊጹ'ሎ።
ነዚ ዝበለሉ ምኽንያት ከኣ ንሰልፊ ሪፐብሊካን ካብ ትራምፕ ከናግፎ ዝኽእል ኣጋጣሚ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ካልኦት ኣባላት ሰልፊ ሪፐብሊካን እውን ተመሳሳሊ ቅዋም ይገልጹ ምህላዎም ይሕበር።
ትማሊ ሰሉስ ምኽትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስ ነቲ ሕጋዊ መስርሕ ተጠቒሙ ንትራምፕ ካብ ስልጣኑ ብምእላይ ጊዚያዊ ስልጣን ክሕዝ ካብ ዴሞክራትስ ዝቐረበሉ ውሳነ ኣይተቐበሎን።
ዴሞክራትስ ኣብ መመሓየሺ ዓንቀጽ 25 ንዘሎ ሓሳብ መሰረት ብምግባር ዘቕረብዎ ኣማራጺ፡ እቲ ምኽትል ፕረዚደንት ነቲ ፕረዚደንት ኣልዪ ብጊዚያውነት ነቲ ስልጣን ዝርከበሉ ሕጋዊ መሰርሕ ዘፍቅድ'ዩ።
ፔንስ ግን "ብመሰረት ሕገ መንግስትና መመሓየሺ ዓንቀጽ 25 ሓደ ናይ መቕጽዕን መመንዝዕን መገዲ ኣይኮነን" ብምባል ኣረዲኡ።
ዴሞክራት ግን ነቲ ትራምፕ ዘለዎ ናይ ዘይምኽሳስ ሕጋዊ ከለላ ዘልዕል ውሳነ ከሕልፉ ንሎሚ ረቡዕ ቆጸራ ሒዞም ኣለዉ።
እዚ ውሳንኦም ድማ ነቲ ኣብ 2024 ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ምዃኑ ብኣጋ ዝሕብር ዘሎ ፕረዚደንት ትራምፕ ፈጺሙ ኣብቲ ውድድር ከይርከብ ዝገብር ከምዝኸውን ይገልጹ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







