ኤርትራዊት ማርታ ኤርምያስ፡ ዓላሚት 'ፍኖት ናብ ዓወት'

ስእሊ ማርታ ኤርምያስ

ምንጪ ስእሊ, ማርታ ኤርምያስ

ንርእስኻ ተዓዊትካ መገዲ ዓወት ምሕባር ኩሉ ዝኽእሎ ኣይኮነን፡ እሞ ድማ ኣብ ስደት ኮንካ ከም መንእሰይን ኣደን፡ ብብዙሕ ሓላፍነት እናተወጠጥካ። ማርታ ኤርምያስ ሓንቲ ኣብነት ካብቶም ውሑዳት ኢያ።

ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዳ ዝዓበየት ማርታ ኤርምያስ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብ1996 ብዓውዲ ፊሲክስ ብዲግሪ ድሕሪ ምምራቓ ናብ ሃገረ ኣሜሪካ ተሰዲዳ። ኣብ ኣሜሪካ ትምህርታ ብምቕጻል ብዓውዲ ዓለምለኻዊ ቢዝነስ ካልኣይ ዲግሪ ኣውሒሳ።

ኣብ ካሊፎርንያ ኮሚኒቲ ኮለጅ ስራሕ ጀሚራ። ኣብ ኮርፖረይት ዲስትሪክት ኣፊስ ንኸባቢ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ድሕሪ ምስራሕ፡ ንሰልስተ ዓመትን ፈረቓን ከም ፕሮጀክት ማናጀር ኮይና ሰሪሓ፡ ቀጺላ ከም ተሓጋጋዚት ዲን ናይቲ ኮለጅ ብምዃን ሸመንተ ዓመት ሰሪሓ። ብሓፈሻ ን15 ዓመት ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ሰሪሓ።

ማርታ ዋላ እኳ ብትምህርታን ስርሓን ተዓዊታ ብናብርኣ ሕጉስቲ እንተነበረት፡ ውሽጣ ግና 'ገና ካልእ ዝብጻሕ ደረጃ ኣሎ' ይብላ ስለ ዝነበረ ዕጋበታ ምሉእ ኣይነበረን።

''ቅድሚ ኣብ ቢዝነስ ምእታወይ ንኣርባዕተ ዓመት ዝኸውን እዚ ሓሳብ ነይሩኒ። ግናኸ ይኽእሎ ድየ? እንታይ ዓቕሚ ኢዩ'ኸ ዘሎኒ. . . . ኩሉ ገና ዘይተፈተነ ኢዩ።"

ሓደ ፈታዊኣ ብኣጋጣሚ ብዛዕባ ኦንላይን ቢዝነስ ምስ ኣዕለላ ነቲ ኣጋጣሚ ክትጥቀመሉ ነግ ፈረግ ኣይበለትን።

ጎኒ ጎኒ ናይ ኮለጅ ስርሓ ድማ ምስ ሓደ ናይ ጸዓት ትካል ብምሽራኽ ናይ ኦንላይን ቢዝነስ ጀሚራ። ንሳ ነቲ ትካል ናይ ምውዕዋዕ ስራሓት ብምስራሕ ዓማዊል ተምጽኣሉ ብኡ መጠን ድማ ካብ ኣታዊታቶም ብጽሒታ ትኽፈል።

ብሓፈሻ ኣብቲ ትካል ሐሙሽተ ደረጃታት ዕብየት ኢዮም ዘለዉ። ማርታ ኣብ ቀዳመይቲ ዓመት ጥራይ ኣብ ራብዓይቲ ደረጃ ክትበጽሕ ብምኽኣላ፡ ካብቶም ኣዝዮም ቁልጡፋት ብምዃን ሓደ ሚእታዊ ሰራሕተኛታት ወይ መሻርኽቲ ጥራይ ዝበጽሕዎ ደረጃ በጺሓ።

ብኡ ኣቢላ ድማ ናይ ኮለጅ ስራሕ ሓዲጋ ምሉእ ብምሉእ ኣብዚ ዋኒን ተጸሚዳ።

ሓደ ካብቲ ዘዐወተኒ ትብል ማርታ፡ 'ዝኾነ ትጅምሮ ሓድሽ ነገር ሓንቲ ከምዘይትፈልጥ ኮንካ ምጅማር ኢዩ። ነቶም ዝፈልጡ ኸኣ ምስዓቦም።'

ማርታ ኣብ 1 ጥሪ 2018 ናይ ፈይስቡክ ቀጥታዊ ናይ ቪድዮ ፈነው ብምጅማር፡ ሰሙናዊ ብሰለስተ እተፈላለዩ ቋንቛታት ማለት ብትግርኛ ብእንግሊዝኛ ከምኡ'ውን ኣምሓርኛ ሰሚናር ወይ ስልጠና ትህብ።

እዚ ኣብ ውልቃዊ ምዕባለን፡ ቢዝነስን፡ መገዲ ዓወት ከመይ ይመስልን ዘተኮረ ኮይኑ፡ ካብ ውልቃዊ ተሞኩሮኣን ካብ ተንብቦም መጽሓፍትን መሰረት ዝገበረ ኢዩ።

እቲ መደብ መጀመርያ ብእንግሊዘኛ ዝጀመረ ኮይኑ ጸኒሑ ብትግርኛ ተወሲኽዎ ደሓር'ውን ብኣምሓርኛ ዝቕጽል ዘሎ ኢዩ። ማርታ ተመክሮኣን ፍልጠታን ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት እያ ብመገዲ ፈይስቡክ ንህዝቢ ተካፍሎ ዘላ።

ዋና ዓላማ ናይዚ መደብ ንሰባት ምምካርን ምንቃሕን ምስልጣንን ኮይኑ ኣብ ውልቃዊ ህይወትን ኣብ ቢዝነስን ከመይ ከም ዝዕወቱ መገዲ ምርኣይ ኢዩ። ኣብ ውልቃዊ ህይወት ማለት ከም ኣብ ትምህርቲ፡ ሓዳር፡ ምፍታሽ ውልቀ ባህርያት፡ ነብሰ ግትኣት ካብ ዝተፈላለየ ኣሉታዊ ነገራት ወዘተ ዘተኮረ እዩ።

ስእሊ ማርታ ኤርምያስ

ምንጪ ስእሊ, ማርታ ኤርምያስ

ኣብ ፈይስቡክ ከኣ ብቀጥታዊ ፈነወ፡ ከም ናይ ዝምድና ክእለት፡ ናይ ምዝራብን ምርድዳእን ክእለት፡ ናይ ስምዒት ብስለት፡ ናይ ምውሳን ክእለት፡ ርእሰ ተኣማንነት፡ ምምዕባል ሃናጺ ልማድ . . . ወዘተ የጠቓልል።

ኣብ ቢዝነስ ምዕዋት ድማ፤ ከም ውልቃዊ ዋኒን ክትገብር ምኽኣል፡ ምሕደራ ገንዘብን ግዜን፡ ምሕደራ ዓቕሚ ሰብ፡ ተራ ቴክኖሎጂ ኣብ ቢዝነስን ካልእን የጠቓልል።

'ገለ ካብ ተቖጺርካ ምስራሕ ናብ ናትካ ዋኒን ምህላው ብኸመይ ከም ዝሰግር ዘይፈልጥ ኣሎ- ልክዕ ከምቲ ኣነ ዝነበረክዎ '- ትብል ማርታ።

እንበኣር እዚ ናይ ፈይስቡክ መደብ ነቶም ተቖጺሮም ክሰርሑ ዘይደልዩ ግናኸ ብኸመይ ናቶም ዋኒን ወይ ቢዝነስ ይህልዎም ዘይፈልጡ ሰባት ኣዝዩ ሓጋዚ ኢዩ። ልዕሊ ኹሉ ድማ ብቐጥታ ብዘይ ዝኾነ ኽፍሊት ዝወሃብ ብምዃኑ ንተኸታተልቲ ዘተባብዕ ኢዩ።

''ብኣጋጣሚ ዝኽፈተልካ ዕድል ኣላልዮ!''

እዚ መደብ ክብገስ ከሎ ማዕረ ክንደይ ሰዓብቲ ከም ዝህልውዎ ማርታ ምንም ስእሊ ከም ዘይነበራ ትዛረብ። ይኹን እንበር ኣድማዕነት'ዚ መደብ ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ኮይኑ'ዩ ተረኺቡ። ገለ ቪድዮታት ከሳብ 140 ሽሕ ግዜ ከም እተራእየ ማርታ ትገልጽ።

ብፍላይ እኳ ናይ ትግርኛ መደብ ምጅማሩ ልዑል ተሳትፎ'ዩ ፈጢሩ። ገለ እዋን ትብል ማርታ፡ "ናይ ፈይስቡክ ቀጥታዊ መደብ ወዲኤ ነቲ ብድሕሪኡ ዝመጽእ ሕቶታት ክምልስ ክሳብ ሸሞንተ ሰዓታት'ዩ ዝወስደለይ"።

ብዙሓት ሰባት ነዚ ናይ ፈይስቡክ መደብ ብምክትታል ናይ ኣተሓሳስባን ናይ ባህርን ለውጢ ዘምጽኡ ከም ዘለው ማርታ ትጠቅስ። ኣብ ህይወቶም በዳሂ ኩነታት በዚ ኣስተምህሮ ክሰግርዎ ዝኸኣሉ'ውን ኣለዉ ትብል።

ማርታ ብዘይካ እቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኣብ ፈይስቡክ ትህቦ ኣስተምህሮ፡ ካልእ 'Path to Success' ወይ 'ፍኖት ናብ ዓወት' ዝብል ናይ ኦንላይን ስልጠና ኣበጊሳ ኣላ። እዚ ናይ 6 ሰሙን ስልጠና ኮይኑ፡ ኣብ ክልተ ዝኽፈል ኢዩ ትብል ማርታ።

''ሳላ ቴክኖሎጂ ኣብ ሓደ መዓልቲ ቢዝነስ ክትከፍት ትኽእል ኢኻ!''

እቲ ቀዳማይ፡ ኣብ ምቕያር ኣተሓሳስባ ዘተኮረ ኮይኑ ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ሰሙን ይወሃብ። ኣብዚ ሰልጠንቲ ብኸመይ ናይ ዓወት ኣትሓሳስባ ወይ ስነልቦና የማዕብሉ ይመሃሩ። እዚ ማለት ብዓቕምን ኣወንታዊ ባህርያትን ርእስኻ ብምህናጽን ብምድላውን መገዲ ዓወት ክትጸርግ ምኽኣል ኢዩ።

ኣብ ርእሲኡ'ውን እቲ ብተፈጥሮ ዝተዓደልዎ ክእለትን ፍሉይ ተውህቦን ብኸመይ ናብ ተጨባጢ ውጽኢት ከምጽእ ዝኽእል ሞያ ምቕያር ይከኣል ይመሃሩ።

እቲ ካልኣይ ክፋል ድማ፡ ውጥንን ፕሮግራምን ብኸመይ ተወጽእ፡ ዘውጻኻዮ መደብ ብኸመይ ተግባራዊ ክትገብሮ ትኽእል፤ ልዕሊ ኹሉ ድማ ርእስኻ ብኸመይ ትፍትሽ፡ ማለት ኣወንታውን ኣሉታውን ጎንታትካ ብምፍላጥ ብኸመይ ንቕድሚት ትስጉም ዝብል ኢዩ።

''ኣጋጣሚ ዝመጽእ ዕደል ተጠቐመሉ!''

እቲ ኣገባብ ሰልጠና ኣሳታፊ ኾይኑ፡ ሰልጠንቲ ምስ ኣሰልጣኒት፡ ሓደ ንሓደ ዝራኸብሉ ግዜ'ውን ይህልዎም።

ዋና ዓላማኡ ድማ ናይ ዓላማይ ወይ coaching ኣገልግሎት ምሃብ ኢዩ። ሓደ ሰብ ንበይኑ ኩሉ ክኸውን ሰለ ዘይኽእል ግድን ኢዩ ኣማኻሪ ወይ ዓላሚ ዘድልዮ ትብል ማርታ። ኣብ ዓለም ዕዉታት ዝበሃሉ ሰባት ኣሰልጠንቲ ከም ዝለውዎም ድማ ተረድእ።

ኣብ ቃልሲ ናብ ዓወት፡ ተራ ዓላሚ ኣዝዩ ኣገዳስን ወሳንን ሙዃኑ ኣጸቢቑ ከም ዝርድኣ፡ ይኹን እንበር ብዙሓት ሰባት ብቐሊሉ ክረኽብዎ ስለ ዝጽገሙ፡ ነቲ ዘሎ ሃጓፍ ንምምላእ ካብ ዝብል ሓሳብ ተደሪኻ ነዚ መደብ ከም ዘጣየሰቶ ኢያ ማርታ ተሕብር።

ቀዳማይ እብረ ሰልጠና ኣብ ምሃብ ዝርከብ 'ፍኖት ናብ ዓወት' ብዘይካ እቲ በብውልቂ ዝህቦ ስልጠና ብጥርኑፍ 169 ሰልጠንቲ ኣለውዎ። ክሳብ ሕጂ ድማ ዕውት ከም ዘሎ ኣሰልጣኒት ማርታ ትዛረብ። ሰልጠንቲ ናይ ዓመት ኣባልነት ስለ ዝወሃቦም ስልጠንኦም ድሕሪ ምውድኦም ናብቲ ናይ ስልጠና መርበብ ናይ ምእታው ዕድል ኣለዎም።

ሄኖክ ገብረእዝጊ ኣድከመ ተቐማጣይ ኖርወይ፡ ሓደ ካብ ሰልጠቲ 'ፍኖት ናብ ዓወት' ኮይኑ ብዛዕባ'ቲ ስልጠና ክዛረብ ከሎ፡ ዕላማ ዝወስዶ ዘሎ ስልጠና ብኸመይ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ጸጋታት ኣውጺኻ ትጥቀመሉ፡ ናብቲ ክትበጽሖ ትደሊ ዓወት'ከ ብኸመይ መገዲ ትበጽሕ ዝብል ኢዩ ብምባል ይገልጾ።

ንሱ ወሲኹ ''እዚ ስልጠና ኣብ ውሽጠይ ዝነበረ ጸጋታት ንኽወጽእ ሓጊዙኒ'ዩ፥ ንኣብነት ናይ ምብህሃል ክእለት ስለ ዘይነበረኒ ሓሳበይ ክገልጽ ይሽገር ነይረ፥ ሕጂ ግን ተለዊጠ ኣሎኹ" ይብል። ማርታ ሐሳባት ሰብ ብዝግባእ ትርዳእ፡ ናብ ዓወት ድማ ብዝግባእ ትመርሕ ብልጽቲ መምህር ሙዃና ከኣ ይገልጽ።

እቲ ስልጠና ብቐረብን ምሕደራን ዝነኣድ ሙዃኑ ብምጥቃስ፡ ነቲ ስልጠና ዝኽፈል ገንዘብ ምስቲ ዝወሃብ ኣገልግሎት ብምንጽጻር ውሑድን ኣዝዩ ዘተባብዕን ሙዃኑ ኢዩ ዝሕብር።

ስእሊ ማርታ ኤርምያስ

ምንጪ ስእሊ, ማርታ ኤርምያስ

'መደብ ዝሕንንጽጽ ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ፡ እቲ ዝገብሮ ግና ኣዝዩ ሒደት'

ፊዮሪ ኣርኣያ ካብ ግብጺ'ውን ካልእ ሰልጣኒት ኮይና፥ ርእይቶኣ ክትህብ እንከላ ድማ፡ ''ማርታ ምስ ረኣኻያ ጥራይ ኢኻ ከምኣ እንተዝኸውን ኢልካ ትቐንእ፡ ምስ ሰባት ዘለዋ ዝምድና፡ ንተመሃሮኣ ዘለዋ ኽብሪ፡ ድሲፕሊና፡ ዝተጓናጸፈቶ ዓወት. . . ኣዝዩ ኢዩ ዘተባብዕ'' ትብል።

ንሳ ብምውሳኽ፡ ትወስዶ ዘላ ስልጠና ብዙሕ ናይ ህይወት ሸነኻት ዝትንክፍን፡ ንምምካት ብድሆታት ህይወት ዝጠቅምን ሙዃኑ ትዛረብ።

ብዛዕባ ክፍሊት ክትዛረብ ከላ ድማ፡ ናይ ፈይስቡክ ቪድዮታት ንኹሉ ሰብ ብነጻ ዝወሃብ'ዩ፡ እቶም ኣብ መደብ 'ፍኖት ናብ ዓወት' ንስልጥን ግና ንምዝገባ ውሑድ ክፈሊት ንኸፍል ኢና፤ እዚ ምስቲ ንረኽቦ ንህይወት ምሉእ ዝኸውን ስልጠናን ለውጥን ኣረኣኢኻ ግና ዳርጋ ብናጻ ኢና ንረኽቦ ዘለና" ትብል።

ማርታ ንርእሳ ተዓዊታ ንዝሰምዕ ዘበለ ኩሉ መገዲ ዓወት ትሕብር ዘላ መንእሰይ እያ፡ ምስቲ ዘለዋ ተወሳኺ ሓላፍነታት፡ ኣዝዩ ዝንኣድ ተግባር ኣብ ምግባር ድማ ትርከብ።

ምስ ዘለኪ ሓላፍነት ከመይ ተኻኢሉ ተባሂላ ኣብ ዝተሓተተትሉ፡ "ኣብ ውሽጥና ብርቱዕ ሓይሊ ኣሎ፡ ዝዓበየ ጸገምና ከምኡ ከም ዘሎ ዘይምፍላጥ ኢዩ፡ ድሌት እንተ'ሎ ከኣ ዘይከኣል የለን፡ ምእማን ግን የድሊ'ዩ" ክትብል ትምልስ።

ማርታ ሒዛቶ ዘላ ፕሮግራማት እናሰፍሔ ከም ዝኸይድን፡ ሓደሽቲ ስልጠናታት - ከም ኣተሓሕዛን ምሕደራን ገንዘብ ከምኡ'ውን ጥበባት ዝምድና ምስ ሰባት ዝኣመሰሉ- ክውሰኾ ሙዃኑን ኣብ ዝተፈላለየ ዓድታት ኮንፈረንሳት ከም ዝውደብን ትሕብር።