ቲፋኒ ሓድሽ፡ 'ብዛዕባ መጻኢ ህዝቢ' ኤርትራ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምዝተዘራረበት ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, Tiffany Haddish
ፍልጥቲ ኣመሪካዊት-ኤርትራዊት ቲፋኒ ሓድሽ "ብዛዕባ መጻኢ ህዝቢ" ኤርትራ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዝተዘራረበት ሓቢራ።
እታ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ትገብር ዘላ ህብብቲ ተዋሳኢትን ተዋዛዪትን ቲፋኒ፡ ኣብ ትዊተርን ኢንስታግራምን ኣብ ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ፡ "መንእሰያት ብዙሕ ዝጽበይዎ ነገር ኣሎ" ክትብል ጽሒፋ።
"ሓቀኛ ሃብቲ እንታይ ምዃኑ ክፈልጡ'ዮም" ድማ ኢላ።
እንተኾነ፡ ትሕዝቶ ናይቲ ሎሚ ረቡዕ ዘካየድዎ ዝርርብ ብንጹር ኣይሓበረትን።
ዝበዝሑ መንእሰያት ኤርትራ ናብቲ ገደብ-ኣልቦ ኮይኑ ዝርከብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክቑረኑ ስለዝግደዱ፡ ሂወቶም ንምድሓንን ንምምራሕን ናብ ስደት ከምዝውሕዙ ይፍለጥ።
ቲፋኒ ሓድሽ፡ ኣብ 2018 ኣቦኣ ንምቕባር ናብ ኤርትራ ኣብ ዝገበረቶ ፈላሚ መገሻኣ'ውን ምስቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ኣብ ከባቢ ዲጋ ዓዲ-ሃሎ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ተራኺባ ምንባራ ይዝከር።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ጉዕዞኣ ድማ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ ኣብ ዝርከብ ገዛ ከረን ተባሂሉ ዝጽዋዕ መበቆል ዓዳ ጤሳ ከም ዝተዋሃበት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓቢራ ነይራ።
"ክብሪ ተሰሚዑኒ። ኣባሓጎታተይ ከምዝተሓበኑ እፈልጥ'የ። ምስ ህዝበይ ግዜ ንምሕላፍ ተሃንጥየ ኣለኹ" ክትብል ምስ መበቆል ዓዳ ዘተኣሳስራ ጤሳ ምርካባ ከምዘሐጎሳ ተዛሪባ።
ኣብ ግንቦት 2019 ጽንብል መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ንምስታፍ ናብታ ሃገር ኣብ ዝተመለሰትሉ እዋን'ውን፡ ኤርትራዊ ዜግነትን ወረቐት መንነትን ተዋሂባ እያ።

ምንጪ ስእሊ, Tiffany Haddish
ብዙሓት ተሓለቕቲ ግን፡ ገለ ዜጋታት ጤሳ ከይወሃቡ ኣብ ዝተኸልከልሉ ኩነታት፡ ቲፋኒ ጤሳ ምርካባ ባህ ከምዘይበሎም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይገልጹ ኣለዉ። ገለ ግን፡ ኣብ ዓደ-ኣቦኣ ጤሳ ምውሳዳ ይግባኣ'ዩ ክብሉ ይምጉቱ።
ዘይስሩዕ ኣተገባብራ ፖሊሲ መሬት ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ከዘራርብ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ኮሚድያንን ቲፋኒ፡ ካብ ኤርትራዊ ኣቦኣ- ጸሃየ ረዳ ሓድሽን ካብ ኣፍሪቃዊት ኣሜሪካዊት ኣዲኣ- ለኦላን ኣብ 1979 ኣብ ደቡባዊ ሎስ-ኣንጀለስ ካሊፎርንያ እያ ተወሊዳ።
ቲፋኒ ብተለቪዥን ኣብ ዝመሓላለፍ ተኸታታሊ ፊልም 'If loving you is wrong' ከምኡውን ኮመድያዊ ፊልምታት 'Girls Trip' ብዝተዋስኣቶ ተራ ፍልጥቲ እያ። ብዘይካ'ዚ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ፊልምታት ተዋሲኣ እያ።
ቲፋኒ ኣብቲ ኣብ 2018፡ መበል 90 ጽምብል ሽልማት ኦስካርስ ኣብ ዝተኣንገደሉ ከተማ ሆሊዉድ ኣሜሪካ፡ ባህላዊ ክዳን ሓበሻ ምኽዳና ኣቓልቦ ብዙሓት ማእከናት ዜና ዝሰሓበ ኮይኑ ነይሩ።
ቲፋኒ፡ ኣብ መስከረም 2018 ኣብ ጽምብል ሽልማት ኤሚ ኣብ ዝተረኽበትሉ እውን ብሕብርታት ባንዴራ ኤርትራ ዝመልክዐ ክዳን ተኸዲና ምቕራባ ይዝከር።
ንሳ ንኽብሪ'ቲ ቅድሚ ዓመት ዝዓረፈ ኣቦኣ፡ ከም ዝተኸደነቶ ገሊጻ ነይራ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







