ኮመድያዊት ቲፋኒ ሓድሽ ኣብ መበቆል ዓዳ ጤሳ ተዋሂባ

ምንጪ ስእሊ, yemane gebremeskel/twitter
ህብብቲ ኮሜድያዊት ተዋሳኢትን ጸሓፊትን ኤርትራዊት ኣሜሪካዊት ቲፋኒ ሓድሽ ኣብ መበቆል ዓዳ ገዛ ከረን ንኡስ ዞባ ዓዲኳላ ጤሳ ከም ዝተዋሃበት ተገሊጹ።
ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ተካይድ ዘላ ቲፋኒ ብሰኑይ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሐቶ ሓበሬታ ኣዝያ ከም ዝተሓጎሰት ገሊጻ።
"ክብሪ ተሰሚዑኒ። ኣባሓጎታተይ ከምዝተሓበኑ እፈልጥ'የ። ምስ ህዝበይ ግዜ ንምሕላፍ ተሃንጥየ ኣለኹ" ኢላ።
ሓላፊት ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣሜሪካ፡ ሓድነት ቀለታ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሐቶ ሓበሬታ ቲፋኒ ኣብ መበቆል ዓዳ ምውቕ ኣቀባብላ ከምዝተገበረላ ሓቢራ።
"ቲፋኒ ኣብ ዓዳ ምውቅ ኣቐባብላ ተገይሩላ፡ ናይ ትውልዲ መሰላ ስለዝኾነ'ውን ኣበ ገዛ ከረን ንኡስ ዞባ ዓዲ ኳላ [ዞባ ደቡብ] ጤሳ ተዋሂባ" ኢላ።
ኣብቲ ነቲ ጽሑፍ ኣሰንዩ ዝተዘርግሐ ስእሊ፡ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኣብ ሓደ ጎልጎል ተኣኪቡ ኣቀባብላ እናገበረላ ይርአ።
እቲ ጉዳይ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዘራራቢ ኮይኑ ክርከብ እንከሎ፡ ገለ ካብቲ ርእይቶታት ንዓመታት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝርከቡን ግቡኦም ዝፈጸሙን ዜጋታት ጤሳ ክረክቡ ከምዘይከኣሉ ብምግላጽ እቲ ኣሰራርሓ ግሉጽነት ከምዝጎድሎ ይዛረቡ።
ካልኦት ከኣ ንቲፋኒ ጤሳ ምሃብ ኣብቲ ከባቢ ልምዓታዊ ወፍሪ ንክተካይድ ዕድል ዝኸፍት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቲ ተግባር ናእዳኦም ገሊጾም።
ካብ ኤርትራዊ ኣቦ ኣሜሪካዊት ኣደን ዝተወለደት ቲፋኒ ሓድሽ ኤርትራዊ መንነት ክወሃባ ድሕሪ ዘቕረበቶ ሕቶ፡ ኣብ 2019 ኤርትራዊ ዜግነት ከም ዝተወሃበት ተገሊጹ ነይሩ።
ንሳ ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ምስቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ምስኣ ካብ ዝጸንሐ ብኮመን ዝፍለጥ ሙዚቀኛ ዓርካ ሎኒ ራሺድ ሊን ከምዝተፈላለየት መራኸቢ ብዙሓን ኣሜሪካ ጸብጺበን።
ቲፋኒ ሓድሽ መን እያ?
ህብብቲ ተዋሳኢትን ኮሚድያንን ቲፋኒ፡ ካብ ኤርትራዊ ኣቦኣ- ጸሃየ ረዳ ሓድሽን ካብ ኣፍሪቃዊት ኣሜሪካዊት ኣዲኣ- ለኦላን ኣብ 1979 ኣብ ደቡባዊ ሎስ-ኣንጀለስ ካሊፎርንያ እያ ተወሊዳ።
ቲፋኒ ብተለቪዥን ኣብ ዝመሓላለፍ ተኸታታሊ ፊልም 'If loving you is wrong' ከምኡውን ኮመድያዊ ፊልምታት 'Girls Trip' ብዝተዋስኣቶ ተራ ፍልጥቲ እያ። ብዘይካ'ዚ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ፊልምታት ተዋሲኣ እያ።
ተፈጥሮኣዊ ተውህቦ ምውሳእ ከም ዘለዋ ዝግለጽ ቲፋኒ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ እያ ህቡብነት ክተጥሪ ዝኸኣለት።
ጓል ሰለስተ ዓመት እንከላ ካብ ኣዲኣ ንዝተፈለየ ኣቡኣ ንምቕባር ቅድሚ ገለ ዓመታት ናብ ኤርትራ ዘምርሕት ቲፋኒ፡ በቲ ኣጋጣሚ ምስ ስድራቤት ኣቡኣ ክትራኸብ ከም ዝኸኣለትን ኣዝያ ከም ዝተመሰጠትን ምስ ቴለቪዥን ኤርትራ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ተዛሪባ ነይራ።
ኣብቲ እዋን፤ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ'ውን ተራኺባ ምንባራ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ስእልታት የርእይ።
ቲፋኒ ኣብቲ ኣብ 2018፡ መበል 90 ጽምብል ሽልማት ኦስካርስ ኣብ ዝተኣንገደሉ ከተማ ሆሊዉድ ኣሜሪካ፡ ባህላዊ ክዳን ሓበሻ ምኽዳና ኣቓልቦ ብዙሓት ማእከናት ዜና ዝሰሓበ ኮይኑ ነይሩ።
ቲፋኒ፡ ኣብ መስከረም 2018 ኣብ ጽምብል ሽልማት ኤሚ ኣብ ዝተረኽበትሉ እውን ብሕብርታት ባንዴራ ኤርትራ ዝመልክዐ ክዳን ተኸዲና ምቕራባ ይዝከር።
ንሳ ንኽብሪ'ቲ ቅድሚ ዓመት ዝዓረፈ ኣቦኣ፡ ከም ዝተኸደነቶ ገሊጻ ነይራ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







