ቅልውላው ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ህጹጽ ረዲኤት ብወደባታ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክኣቱ ከምዘይትዕንቅፍ ኣፍሊጣ

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, EMBASSY OF THE STATE OF ERITREA

ኤርትራ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ስጉምቲ ክወስድ ንዝእምት መግለጺ ሓደ ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ኮኒና።

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ርእሰ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ኣብ ዘውጽኦ መገለጺ ኣባል ኮንግረስ ብራድ ሸርማን፡ ኤርትራ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረዲኤት ከይኣቱ ወደባታ እንተዓጽያ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ንንግዳዊ ንጥፈታታ ኣብ ባሕሪ ክዕንቅፎ ከም ዝኽእል ምዝራቡ "ዘሰንብድ'ዩ" ክብል ተቓውምኡ ገሊጹ።

ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ኢትዮጵያ ከይኣቱ ከም ዘይኣበየት'ውን እቲ መግለጺ ኣነጺሩ።

እቲ ኣባል ባይቶ፡ ብዛዕባ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ፍሉይ ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ'ዩ ነቲ ርእይቶ ሂቡ።

ኣብቲ ኣኼባ መብርሂ ዝሃበት ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ሓላፊት ጉዳያት ኣፍሪቃ፡ ሞሊ ፊ፡ ዝምድና ኣመሪካን ኤርትራን "ኣሉታዊ" ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ብወደባት እታ ሃገር ናብ ትግራይ ንምብጻሕ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ ምዃኑ ኣሚታ።

ነቲ ኣብ ክፍለ ሃገር ካሊፎርንያ ዝርከብ መበል 30 ናይ ምርጫ ኣከባቢ (ዲስትሪክት) ዝውክል ኣባል ባይቶ፡ ኣመሪካ ብቐጥታ ብነፈርቲ ህጹጽ ረዲኤት ናብ ትግራይ ከተብጽሕ ትኽእል እንተኾይና'ውን ነታ ሓላፊት ጉዳያት ኣፍሪቃ ተወኪሱ ነይሩ።

"ንምዃኑ፡ እቲ ዝህብዎ መልሲ'ኳ እፈልጦ'የ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ፡ መግቢ ኣብ ወደባት ኤርትራ ከነውርድ፡ ማካይንና ብቐጥታ ናብ ትግራይ ክኸዳ ዘፍቅድ እንተኾይኑ ሓቲናዮዶ" ክብል እቲ ኣባል ባይቶ ሓቲቱ።

ኣባል ኮንግረስ ብራድ ሸርማን

ምንጪ ስእሊ, House Foreign Affairs Committee

መግለጺ ስእሊ, ኣባል ኮንግረስ ብራድ ሸርማን

"ከም'ቲ ትፈልጦ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ምስ ኤርትራ ዘለና ዝምድና ኣሉታዊ'ዩ . . ." ብምባል እቲ ተኽእሎ ከም ዘየሎ ኣተንቢሃ።

ኤምባሲ እቲ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "እቲ ሓቂ ንምርግጋጽ ዝኣክል፡ ኤርትራ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ኢትዮጵያ ከይኣቱ ዓጽያን ዕንቅፋት ኮይናን ኣይትፈልጥን'ያ" ኢሉ።

እቲ ኣባል ባይቶ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ምትብብዑ'ውን ነቒፉ።

ክሳብ ሕጂ፡ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ትግራይ ክኣቱ ዘለዎ ሰብኣዊ ረዲኤት 11 እሚታዊት ጥራይ ከም ዝኣተወ ሓላፊት ምምሕዳር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ዶ/ር ዳያና ፑትማን ነቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኣባላት ባይቶ ሓቢራ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ መንግስቲ ኣመሪካ ምስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ሰራዊትን ህግደፍን ዝርከቦም ትካላትን ሰበ ስልጣንን ኤርትራ እገዳ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ጎኒ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምስላፍ ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፈ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ትግራይ ጃምላዊ ቅትለት ከም ዝፈጸመ ጸብጻባት ተሓለቕቲ መሰላት ይኸሱ።

ኤርትራ ግን ነቲ ጸብጻባት ብምንጻግ፡ ዝኾነ ነቲ ተግባር ፈጺሙ ዝተረኽበ ወተሃደር ክሕተት ምዃኑ'ያ ክትምጉት ጸኒሓ።

ኤርትራ፡ ብዛዕባ ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ተሪር ነቐፌታ ክትገልጽ ጸኒሓ'ያ። ኣመሪካ ብወገና ነቲ ነቐፌታ ከም ዘይትቕበሎ'ያ ትገልጽ።

ብራድ ሸርማን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ብሄር መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ ዝርከቦ ምግሃስ መሰላት ይፍጽም ምህላዉ ብምጥቃስ ነቒፉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቶም ምስ ህወሓት ርክብ ኣለዎም ዝበሎም ጥራይ ዒላማ ከም ዝገብር'ዩ ዝምጉት።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ጸብጻባት ይገልጹ።

እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ድሕሪ ምልሓሙ ናብ ሓፈሻዊ ኲናት ሓድሕድ ተሰጋጊሩ ይርከብ።

እቲ ግጭት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ቅትለት፡ ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ዝርከብዎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ'ሎ።

ዛጊት ብሰላማዊ ዘተ ንምፍትሑ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታትን ጻውዒታትን ፍረ ኣይሃበን።