ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ኵናት ኣብ ምስፍሑ ዝስዕብ ዘሎ ምጥርጣርን መስዋእትን

ብወልንተኦም ከባቢኦም ኣብ ምሕላው ዝተዋፈሩ መንእሰያት

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ብወልንተኦም ከባቢኦም ኣብ ምሕላው ዝተዋፈሩ መንእሰያት

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ዓሰርተታት ዝኾኑ ወለንታውያን መንእሰያት ብለይቲ ውሕስነት ከባቢኦም ንምርግጋጽ መካይን ደው ኣቢሎም ክፍትሹን መንነት ሰባት ክሓቱን ተራእዮም ነይሮም።

ነቲ ናይ ተፍትሽ ስርሓት ዘወሃህድ ዝነበረ ሓደ ዓቢ ሰብኣይ "ኣብዛ ናትና ብወለንታ ተፍተሽ ተካይድ ዘላ ጉጅለ ክሳብ 180 ዝኸውን ዓቕሚ ሰብ ኣለና፡ ብዙሓት ሰባት ሒዘና ኣለና፡ ብረትን ተባራዒ ነገርን ዝርከቦ ብዙሕ ንብረት ክንሕዝ ክኢልና ኢና" ኢሉ።

እቶም ኣብ ጎደናታት ወጺኦም ተፍትሽ ዘካይዱ ዝነበሩ ወለንታውያን፡ ብመሰረት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣወጆ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ምርኩስ ብምግባር ንኣባላት ህወሓትን ደገፍቶምን ንምርካብ ነቲ ተፍትሽ የካይድዎ ምንባሮም እዮም ዝገልጹ።

ብዙሓት፡ ኣሽሓት ሰባት ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ ይእሰሩ ከምዘለዉ ብምግላጽ ነቲ ተግባር'ኳ ይቋወምዎ እንተኾኑ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነቲ ምእሳር ዝድግፍ ሰብ ይበዝሕ።

ሓደ ሰብ ብሃንደበት ኣብ ሞባይል "ቀልጥፉ ክሃድም ይፍትን ኣሎ" ኢሉ እናተዛረበ ይስማዕ።

ካብቲ ናይ ተለፎን ምዝርራብ ዝካየደሉ ዝነበረ ቦታ ብዙሕ ከይረሓቅካ፡ ዝበዝሑ ዓበይቲ ዝርከብዎም ብወለንትኦም ተኣኪቦም ምረሻ ወተሃደራዊ ተዓሊም እናወሰዱን ንዝውሃቦም ትእዛዝ እናተግበሩን ይርኣዩ።

ብሓፈሻ ኣብ መላእ ኣዲስ ኣበባ ነገራት ብተዛማዲ ህድእ ዝበለ ይመስል።

ዋላ እኳ መንግስታት ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራትን ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ገጾም ይቐርቡ ኣለዉ ብምባል ኩነታት ጸጥታ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ይወርድ ምህላዉ እንተገለጻ፡ ኢምባሲ ሩስያ ኣብ ኢትዮጵያ ግን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ካብዚ ዝተፈለየ መልእኽቲ እዩ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ኢማባሲ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣወጆ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣብ መዓልታዊ ምንቅስቓስ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ዘምጽኦ ኣሉታዊ ተጽዕኖ የለን" ኢሉ።

ናይ ኮሮኔል ወተሃገራዊ ማዕረግ ዘለዎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ወተሃደራዊ ክዳኑ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ናይ ኮሮኔል ወተሃገራዊ ማዕረግ ዘለዎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ወተሃደራዊ ክዳኑ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ናብ ግምባር ብምዃድ ንሰራዊት ብምምራሕ ነቲ ኵናት ከምዘካይዶ ምግላጹ ይዝከር።

ብቪድዮ ተሰንዩ ኣብ ዝወጽአ ሓበሬታ'ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሓውሲ ድርቕ ዝበለ ከባቢ ክልል ዓፋር ወተሃደራዊ ክዳን ለቢሱ ብወተሃደራት ተዓጂቡ እንከሎ ተራእዩ።

ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ቪድዩ "ሕጂ ነዚ ከባቢ ምሉእ ንምሉእ ክንቆጻጸሮ ክኢልና ኣለና" ኢሉ ክዛረብ እንከሎ ይስማዕ።

ብምስዓብ "ፍናን ናይ ሰራዊትና ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ ዘሎ፡ ኢትዮጵያ ክሳብ ምሉእ ንምሉእ ነጻ ትኸውን ክንቅጽል ኢና" እውን ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሰራዊቱ ብዙሓት ከተማታት ካብ ኢድ ሰራዊት ሓይልታት ትግራይ ንምልቓቕ ይሰርሑ ምህላዎም ገሊጹ።

እንተኾነ ኣብቲ ከባቢ መስመር ቴሌፎን ተቋሪጹ ብምህላዉ ሓቅነት እቲ ዝብሃል ዘሎ ምርግጋጽ ኣይክኣልን እዩ።

ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ወጻኢ ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ ውዕሎ ውግእን ምንቅስቓስ ሰራዊት ንማዕከናት ዜና ሓበሬታ ከይውሃብ ኣዋጅ ስለዘመሓላለፈ ሓበሬታ ምርካብ ከቢድ ይገብሮ።

ብሕብሪ ባንዴራ ትግራይ ዝተለኸየ ፈረስ ዝተወጠሐ መንእሰይ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ብሕብሪ ባንዴራ ትግራይ ዝተለኸየ ፈረስ ዝተወጠሐ መንእሰይ

ኣብ ቀረባ ግዜ ብድሮን ዝተሰኣለ ምስሊ ኣሽሓት 'ምሩኻት ኵናት' ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዘርግሑ ሰብ መዚ ህወሓት ነቲ ኵናት ላዕለዋይ ኢድ ብምሓዝ ይቅልስዎ ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ነታ ቅድሚ ኣዲስ ኣበባ ምብጻሕካ ናይ መወዳእታ ናይ መከላኸሊ ዕርዲ ምዃና ዝግለጸላ ከተማ ደብረ ብርሃን ንምሓዝ ይግስግሱ ምህላዎም'ዮም ዝገልጹ።

ገለ ተንተንቲ ግን ሓይልታት ትግራይ ልዕሊ ዓቐን ተመጢጦም ብምህላዎም ሰራዊት ፈዴራል ብመልሰ መጥቃዕቲ ክደፍኦም ከምዝኽእልን ምናልባት'ውን ብወገን ኤርትራ መጥቃዕቲ ክፍነዎም ከምዝኽእል እዮም ግምታት ዘቐምጡ።

ሰብ ናብ ምሒር ዝኸፈአ ኩነታት ይወድቕ ኣሎ

መን እንታይ ዓይነት ዓወታት የመዝግብ ኣሎ ብዘየገድስ፡ እቲ ኩነታት ናብ ብዙሕ ከባቢታት ይልሕም ምህላዉን ሰብኣዊ ቅለውላው ህዝቢ ኢትዮጵያ እናዛየደ ይምጽእ ምህላዉን ግልጺ እዩ።

ውድብ መግቢ ዓለም፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብገምጋም 9.4 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ህጹጽ ሓገዝ ኮይኖም ምህላዎም ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ።

ኣብ ትግራይ ጥራይ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ንሓደጋ ጥሜት ከምዝተሳጥሑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምግላጹ ዝዝከር እዩ፤ ብሰንኩ ድማ ሞትን ሕማምን ይስዕብ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ላዕለወይቲ ብዓልቲ መዚ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ክላረ ነቪል ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ "ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ እቲ ኵናት ናብ ብዙሕ ከባቢታት እናልሓመ ኣብ ዝኸደሉ፡ ቁጽሪ ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ክውስኽን ሰባት ናብ ምሒር ዝኸፈአ ኩነታት ክወድቁን ኢና ንርኢ ዘለና" ኢላ።

ንሳ ነቲ ንሰብኣዊ ቅልውላው ዘባኣእሶ ዘሎ ብዙሕ ሮቋሒታት ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ውሱን ከባቢታት ጥራይ ይበጽሕ ብምህላዉ፡ ሓይልታት ትግራይ ዝወስድዎ ዘለዉ መጥቓዕቲ፡ ስእነት ጸጥታን ብሰብ መዚ ኢትዮጵያ ዝግብር ዘሎ ቢሮክራስያዊ ምድንጓያት ገለ ካብቶም ጠንቅታት ምዃኖም ገሊጻ።

እንተኾነ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ናብ ክልተ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት ትግራይ ዝርከባ ከተማታት ኣምሓራ ክኣቱን ሰብኣዊ ሓገዛት ከብጽሕን ከምዝኽኣለ ገሊጹ።

ብባንዴራ ኢትዮጵያ ዝተመላኸዐ ክዳን ተኸዲንን ንመንግስተን ደገፈን ዘስምዓ ደቂ ኣንስትዮ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ብባንዴራ ኢትዮጵያ ዝተመላኸዐ ክዳን ተኸዲንን ንመንግስተን ደገፈን ዘስምዓ ደቂ ኣንስትዮ

ኵናት ኣንጻር 'ከዳዓት'

ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ነቶም ብወለንትኦም ናብ ኵናት ክሳተፉ ዝተበገሱ ብጽንበል ንምፍናው ተደጋጋሚ ህዝባዊ ምትእኽኻባት ክገብር ይረአ እዩ።

ኣባል ቤት ምኽሪ ኣዲስ ኣበባ ኢትሳ ደማ "ኣንጻር ከዳዓትን ናይ ወጻኢ ደገፍቶምን ኢና ኵናት ገጢምና ዘለና" ኢሉ።

ወዲ 22 ዓመት ባቡሽ ሲቶታው ብወገኑ "ንኽብሪ ሃገረይ ክዕቅብ ንክቃለስ እየ ተጸዊዐ፡ ሓደ ኣባል ቤተ ሰብካ እንተተቐቲልካ ክትበኪ ትኽእል ኢኻ፡ ሃገርካ እንተስኢንካ ግን ናበይ ክትከይድ ትኽእል? እዚ ስለዝኾነ'የ ህይወተይ ክስውእ ድሉው ዘለኹ፡ ወተሃደራዊ ታዓሊም ዘይምውሳድና'ውን ኣይፍርሓንን'ዩ" ኢሉ።

ወይዘሮ ድንቅነሽ ንጋቱ ዝተብሃለት ሰያብ ሰበይቲ'ውን ናብ ቅድሚ እቲ ዝተኣከበ ህዝቢ ቅርብ ብምባል "ንሃገረይ የፍቅራ'የ፡ ናብ ግምባር ክኸይድ ምፈተኹ፡ ወደይን ብዓልቤተይን ናብ ግንባር ይኸዱ ስለዘለዉ ግን ኣብ ገዛ ክጸንሕ ኣገዲዶሙኒ" ኢላ።

ወይዘሮ ድንቅነሽ ንጋቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል "እንተኾነ ዋላ ማዕረ እቲ ብዓል ቤተይን ወደይን ዝገብርዎ ኣይኹን ብወለንታይ ከባቢየይ ኣብ ምሕላው ተዋፊረ ኣለኹ፡ ኣብ ጎደና መንእሰያት ክርኢ እንከለኹ ኪዱ ተቃለሱ ይብሎም፡ ክሳብ መጺኦም [ጸላእቲ] ዝቐትሉና ክንጽበ የብልናን" ኢላ።

ሓንቲ ካብ ሓለፍቲ ሰልፊ ብልጽግና ዝኾነት ኣይዳ ኣዎል ንሕቆ ወይዘሮ ድንቅነሽ ንጋቱ እናጠብጠበት "ንብዙሓት መርኣያን ኣብነትን እያ" ብምባል ኣድናቖታ ገሊጻትላ።

ኣይዳ ኣዎል ብምስዓብ "ብዙሓት መንእሰያት ኣብነታ ክኽተሉ ኢና ትጽቢት ንገብር፡ መንፈሳዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ሕጂ ጥርዚ በጺሑ ኣሎ፡ ልዕሊ ሸውዓት ሽሕ [ካብ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ናይ ኣዲስ ኣበባ] ብወለንትኦም ንሃገሮም ክሕግዙ ተበጊሶም ኣለዉ" ኢላ።

#NoMore ዝብል ጽሑፍ ሒዘን ሃገራት ምዕራብ ኣብ ኢትዮጵያ ይገብርኦ ኣለዋ ንዝብሃል ተጽዕኖ ንምቅዋም ሰለማዊ ሰልፊ ዝወጽኣ ደቂ ኣንስትዮ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, #NoMore ዝብል ጽሑፍ ሒዘን ሃገራት ምዕራብ ኣብ ኢትዮጵያ ይገብርኦ ኣለዋ ንዝብሃል ተጽዕኖ ንምቅዋም ሰለማዊ ሰልፊ ዝወጽኣ ደቂ ኣንስትዮ

ክሲ 'ድሕረ-መግዛእታዊ ዘይቅኑዕ ሓበሬታ'

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሃገራት ምዕራብን ማዕከናት ዜናአንን ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዘይመልክዑ ንምሓዝ ጎስጓስ የካይዳ ኣለዋ ብምባል እዩ ዝኸስስ።

ብዙሓት ኢትዮጵያውያን'ውን ንሓሳብ መንግስቶም ብምድጋፋ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ሃገራት ምዕራብ ንሃግሮም ብምንእኣስ ንዓወታት ህወሓት ኣግዚፍካ ብምቅራብ 'መግዛእታዊ' ሓይሊ የርእያ ከምዘለዋ ዝገልጽ ጽሑፋት ይዝርግሑ ኣለዉ።

ንነብሱ ከም ነቃፊ መንግስትን ተኸላኻሊ ልኡላውንተ ሃገሩን ገይሩ ዝገልጻ ተንታዊ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣቻምየለው እውነቱ "ብክልተ ግንባር ኢና ንህረም ዘለና፡ ብድሕረ መግዛእቲ ዝሰዓበ ብኸም ብዓል ቢቢሲ ዝግበር ስኑዕ ሓበሬታ ምዕራባውያን ሃገራትን ብህወሓት ዝተኣወጀልና ህልቂታዊ ኵናትን" ብምባል ይዝርዝር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብቢቢሲ ዝቐረበሉ ሕቶ ቃለ መሕታት ብተደጋጋሚ ነጺግዎ እዩ።

እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ውሽጢ ሃገርን ናይ ደገን ማዕከናት ዜና ብምዕጻውን ሓበሬታ ከምዘይረኽባ ብምግባርን ብተደጋጋሚ ይንቐፍ እዩ።

እቲ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ፖሎቲካውያን እሱራትን ዝተኣሰሩ ጋዜጤኛታትን ብምፍታሕ ዝተወደሰ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሕጂ ግን ኣብ ልዕሊ ሚድያታት ብዝፍንዎ ዘሎ ናይ መፈራርሒ ቃላት ይንቀፍ ኣሎ።

ቢቢሲ፡ ብዛዕባ እዚ ዞባን ብዛዕባ መላእ ዓለምን ናጻ፡ ቅኑዕን ዘይሻራውን ጸብጻብ የቕርብ ከምዘሎን ክገልጽ ይፈቱ።