ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ኣመሪካ ተውጽኦም ዘላ መግለጺታት 'ሓላፍነት ዝጎደሎም'ዮም'

ምንጪ ስእሊ, GOVERNMENT COMMUNICATION SERVICE/FB
መንግስቲ ኣመሪካ ይኹን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ እታ ሃገር፡ ብዛዕባ ጸጥታ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዘውጽእዎ ዘለዉ መግለጺታት ሓላፍነት ዝጎደሎ'ዩ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዎ ተቓውሞ ገሊጹ።
ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ሚኒስተር ዴኤታ ዝኾነ ኣቶ ከበደ ዴሲሳ፡ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብወገን ኣመሪካ ዝወጹ መጠንቀቕታታት ምስሊ ናይታ ሃገር ንምብልሻውን ኣብ ዲፕሎማሰኛታት ጸቕጢ ንምፍጣርን ዝዓለሙ'ዮም ክብል ወቒሱ።
መርኣያ ናይዚ ድማ፡ እቲ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ብክፍሊ ጉዳያት ወጻኢን ኤምባሲን ኣመሪካ ብዛዕባ ተኽእሎ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ዘወጸአ መግለጺ'ዩ ኢሉ።
ብሰሉስ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ቦታታትን ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ቀንዲ ዒላማታት ናይቶም መጥቃዕትታት "ትካላት ዲፕሎማሲ፡ ናይ በጻሕቲ መስሕባት፡ ማእከላት መጓዓዝያ፡ ዕዳጋታት/ሞላት፡ ምዕራባውያን ትካላት ንግዲ፡ ኣብያተ-መግቢ፡ መዘናግዒታት፡ መንግስታዊ ትካላት ምምሕዳርን ካልኦት ህዝባዊ ቦታታትን" ከምዝኾኑ'ውን እቲ መጠንቀቕታ ጠቒሱ።
ኣመሪካውያን ዜጋታት፡ ንቑሓት ክኾኑ፡ ካብቶም ህዝቢ ዝእከበሎምን ወጻእተኛታት ዘዘውትርዎምን ቦታታት'ውን ክእለዩ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።
ኣቶ ከበደ ግን፡ እቲ ብኣመሪካ ዝወጸአ መጠንቀቕታ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ብምግላጽ፡ ጸቕጢ ንምግባር ተባሂሉ ዝወጸአ'ዩ ክብል ነቒፉ።
"ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ከምኡ'ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰላም የለን፡ ንግብረሽበራ ዝተቓልዑ'ዮም ብምባል፡ ሰብ ሃብትን በጻሕትን ካብ ምምጻእ ክቑጠቡ ንምግባር ዝዓለመ'ዩ" ኢሉ።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ግብረሽበራ ብሓባር ክሰርሓ ምጽንሐን ብምጥቃስ ድማ፡ እቲ ስግኣት ነይሩ እንተዝኸውን፡ ሓበሬታ ብምልውዋጥ ኣድላዪ ምድላውን ጥንቃቐን ምተገብረ ነይሩ ይብል እቲ ሚኒስተር።
ብዘይ ዝኾነ ሓበሬታ፡ መጥቃዕቲ ከምዝፍጸም ኣመሪካ በይናዊ መግለጺ ምውጽኣ ግን ሕግታትን ልሙድ ኣሰራርሓታትን ዲፕሎማስያዊ ርክባት ዝጠሓሰ'ዩ ይብል።
ስለዚ መንግስቲ ኣመሪካ ይኹን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ኤምባሲኡ "ካብ ከምዚ ዓይነት ሓላፍነት ዝጎደሎ መግለጺ ክቑጠብ" ኣቶ ከበደ ተማሕጺኑ።
ብዘይካ'ዚ፡ ሓደ ሓደ ስሞም ዘይጠቐሶም ውልቀሰባትን ወከልቲ መንግስቲ ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ዲፕሎማሰኛታት ጸቕጢታት ይገብሩ ኣለዉ ክብል እቲ ሚኒስተር ከሲሱ። እንተኾነ ግን ብዛዕባ'ዚ ዝሃቦ ዝርዝር ሓበሬታ የለን።
ብወገን ኣመሪካ ብዛዕባ'ዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘውጽኦ ነቐፌታ፡ ተቓውሞን ክስን ዛጊት ዝተዋህበ ግብረመልሲ የለን።
ብሪጣንያን ፈረንሳን ዝርከብአን ካልኦት ሃገራት ምዕራብ'ውን፡ ብሰንኪ ጸጥታዊ ስግኣት ዜጋታተን ክወጹ ብምጽዋዕ፡ ኣድለይቲ ዘይኮኑ ሰራሕተኛታት ኤምባሲታተን የውጽኣ ምህላወን ክገልጻ ቀንየን ነይረን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለው ሽዱሽተ ዲፕሎማሰኛታት ኣየርላንድ እቶም ኣርባዕተ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ካብታ ሃገር ክወጽኡ ኣዚዙ'ሎ።
ብሰንኪ'ቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቕጽል ዘሎ ኲናት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ምህላዉ ይፍለጥ።
ኣየርላንድ፡ ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ ኢትዮጵያ ብዘለዋ መርገጺ ዲፕሎማሰኛታት ካብ ኢትዮጵያ ከም ዝተሰጎጉ ኣረጋጊጻ'ላ።
እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ኣብታ ሃገር ድሕነታውን ሰብኣውን ቅልውላዉ ፈጢሩ ምህላዉ ይግለጽ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







