ቅልውላዉ ኢትዮጵያ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ግብረሽበራ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ

ብረት ዝሓዙ ወተሃደራት ኣብ ሰልፊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ቦታታትን ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ቀንዲ ዒላማታት ናይቶም መጥቃዕትታት "ትካላት ዲፕሎማሲ፡ ናይ በጻሕቲ መስሕባት፡ ማእከላት መጓዓዝያ፡ ዕዳጋታት/ሞላት፡ ምዕራባውያን ትካላት ንግዲ፡ ኣብያተ-መግቢ፡ መዘናግዒታት፡ መንግስታዊ ትካላት ምምሕዳርን ካልኦት ህዝባዊ ቦታታትን" ከምዝኾኑ'ውን እቲ መጠንቀቕታ ጠቒሱ።

ኣመሪካውያን ዜጋታት፡ ንቑሓት ክኾኑ፡ ካብቶም ህዝቢ ዝእከበሎምን ወጻእተኛታት ዘዘውትርዎምን ቦታታት'ውን ክእለዩ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሰብመዚ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ "ውሕስቲ" ምዃና ንዲፕሎማሰኛታት ከረጋግጽሎም ፈቲኖም ምንባሮም ይዝከር።

ስለዝኾነ ድማ እዚ ሕጂ ብኤምባሲ ኣመሪካ ዝወጸ መጠንቀቕታ ከየቖጥዖም ከምዘይተርፍ ይግመት።

ኣመሪካ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዜጋታተን ክወጹ ካብ ዝተማሕጸና ምዕራባውያን ሃገራት ምዃና ይፍለጥ።

ሓይልታት ትግራይ ነተን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከባ ኣገደስቲ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ መንግስቲ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ን6 ኣዋርሕ ዝቕጽል ህጹጽ እዋን ኣብ መላእ እታ ሃገር ምእዋጁ ይዝከር።

ብሪጣንያ፡ ድሒራ'ውን ፈረንሳ፡ ንዜጋታተን ተመሳሳሊ ጻውዒት ኣቕሪበን ኣለዋ። ኣዝዮም ኣድለይቲ ዘይኮኑ ሰራሕተኛታት'ውን ከምዝወጹ ምግባረን ይግለጽ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ህወሓትን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝተባህለ ዕጡቕ ጉጅለን ነታ ኣብ መስመር ደሴ-ኣዲስ ኣበባ እትርከብ ከተማ ሽዋሮቢት ተቖጻጺሮማ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን፡ ብሰኑይ ነቲ ኲናት ንምምራሕ ናብ ግንባር ከምዝኸይድ ኣፍሊጡ ነይሩ።

መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ክልሎም ተነቢሩ ዘሎ ዕጽዋ ንምኽፋት መጥቃዕትታቶም ከምዝቕጽሉ'ዮም ዝገልጹ ዘለዉ።

ብሰላማዊ ዘተ ንምፍትሑ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ፍረ ኣይሃበን ዘሎ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት እናተጋደደ ምምጽኡ ምቁራጽ ተጻብኦታት ንምግባር ክካየድ ንዝድለ ዝርርብ የስግኦ ምህላው ኣጠንቂቑ።

ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ዘካየደ ጄፍሪ ፌልትማን ትማሊ ጸብጻብ ኣቕሪቡ።

ንሱ፡ ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ካብ ወተሃደራዊ ረጽሚ ናብ መስርሕ ዘተን ድርድርን ንኽኣትው ዘኽእል ውልዶ መስርሕ ዘተ'ኳ እንተሃለወ ኣብ ባይታ ግን ንሃገራዊ ርግኣትን ሓድነትን ዘስግኡ ምዕባለታት ምህላዎም ኣዝዩ ከምዘሻቐሎም ተዛሪቡ።

እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቕጽል ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፍንቓል ከምዘስዓበን፡ ሚልዮናት ሰባት ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረዲኤት ከምዝገበረን ይፍለጥ።