ቅልውላው ትግራይ፡ ፌስቡክን ትዊተርን ኣብ ኢትዮጵያ ዘረባ ጽልኣት ዝምልከት እንታይ ገይሮም?

ሞባይል ስልኪ ዝሓዙ መናእሰይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ማሕበራዊ መራኸቢታት ፌስቡክን ትዊተርን ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ ኢድ ኣለዎም'ዩ ብዝብል ሓያል ጸቕጥን ነቐፌታን ክበጽሖም ጸኒሑ።

ነቐፍቲ፡ እቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብታ ሃገር ናይ ጽልኣት ዘረባን ጎንጺ ዘለዓዕሉ ጽሑፋትን ኣብ ገጻቶም ንከይጥቃዕ ንምክልኻል እኹል ስራሕ ኣይሰርሑን ብምባል ይነቕፉዎም።

እቶም ኩባንያታት ግና ነቲ ነቐፌታታት ኣይቕበሉዎን። ስለዚ፡ እንታይ ገይሮም ዝብል ንገለ ኽፋሉ ዳህሲስናዮ ኣለና።

Short presentational grey line

ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ክንደይ ጸላዊ'ዩ?

ካብ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ እቲ ዓሰርተ ሚእታዊ ጥራሕ ፌስቡክ ከም ዝጥቀም ሓበሬታ እቲ ኩባኒያ የመልክት።

ኣብታ ሃገር ዘሎ ዝርግሐ ኢንተርነት'ውን ትሑት ዝበሃል ኮይኑ ኣብ ገለ ከባቢታት'ውን ሕጽረት ትሕተ ቕርጺ ብሮድባንድ ኣሎ።

እንተኾነ፡ ኣብ ሃገራት ወጻኢ ዘለው ኢትዮጵያውያን ማሕበራዊ ሚዲያ ብሰፊሑ ዝጥቀሙ'ዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዝጥቅዖም ጽሑፋት ድማ ዓሰርታት ኣሽሓት ተጠቀምቲ ይፈትዉዎን ናብ ካልኦት የባጽሑዎን።

ጽሑፋት ኣብዪ ኣሕመድ ኣሽሓት ይቀባበሉዎ
መግለጺ ስእሊ, ጽሑፋት ኣብዪ ኣሕመድ ኣሽሓት ይቀባበሉዎ

መንግስቲ ኢትዮጵያን ተቓወምቱን ክኣ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ እንታይ ይኸውን ኣሎ ዝብል ብቐረባ ይከታተሉዎ።

ንኣብነት፡ ፌስቡክ: ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝተለጠፈ ኢትዮጵያውያን ንዕጡቓት ትግራይ "ክቀብርዎም" ዝጽውዕ ጽሑፍ ምስ ኣለዮ መንግስቲ ሓያል ነቐፌታ ኣቕሪቡ'ዩ።

"ከም ፌስቡክ ዝበሉ ጎንጺ ክዝርግሑ ዝጸንሑ ትካላት ናይ ቀዳማይ ሚኒስትርና ጽሑፍ ብምእላይ ትኽክለኛ ሕብሮም ኣርእዮምና" ይብል እቲ ብመንግስቲ ዝወጽአ መግለጺ።

ወሃቢ ቃል ሜታ - ኣደ ኩባንያ ፌስቡክ: ንቢቢሲ ከም ዝበሎ "መን ይኹን ብዘየገድስ ናትና መትከላት ማሕበረሰባዊ ደረጃ ዝጥሕሱ ትሕዝቶታት ንኣሊ ኢና" ኢሉ።

ክንደይ ዝኣክል ናይ ጽልኣት ዘረባ ኣሎ?

ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ድሕሪ እቲ ጎንጺ ብግልጺ ጎንጺ ዘለዓዓሉን ብሄር ተኮር መጥቃዕቲ ክበጽሕ ዝገበሩን ጽሑፋት ከም ዝወሰኹ ይገልጽ።

መብዛሕትኦም "ክትትል ከይተገብሮም ዝሓለፉ" እዮም ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚስጢር ፌስቡክ ዘቃልዐት ሰራሕተኛ እቲ ትካል ዝነበረት ፍራንሲስ ሁገን: ፌስቡክ "ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ዓሌታዊ ጎንጺ የጋድድ ኣሎ" ክትብል ነቒፋ ነይራ።

ከም ትዊተር ኣብ ዝኣመሰሉ ካልኦት ማሕበራዊ መራኸቢታት'ውን ጎንጺ ዘጓሓህሩ ኣብነታት ኣለው።

ንሓይልታት ትግራይ ዝድግፍ ልጣፍ
መግለጺ ስእሊ, ንሓይልታት ትግራይ ዝድግፍ ልጣፍ

እቲ ኣብ ላዕሊ ዝርኣይ ንሓይልታት ትግራይ ዝድግፍ ኮይኑ፡ ኣንጻር ኣብዪ ጎንጺ ዘለዓዕል ትሕዝቶ ስለ ዝነበሮ ክኽወል ገይርና ኢና።

እቲ ኣብ ታሕቲ እትርእዩዎ ዘለኹም ንኣብነት ዘምጻእናዮ ጽሑፍ ድማ ንኣምሓራ ዝድግፍ ናይ ፌስቡክ ገጽ ኮይኑ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ሙሉእ ትሕዝቶን ምስልን ንከይርኣይ ኸዊልናዮ ኣለና።

ጎንጺ ዝጽውዕ ልጣፍ
መግለጺ ስእሊ, ጎንጺ ዝጽውዕ ልጣፍ

"ናተይ ስግኣት ኣብ ልዕሊ ከምዚኦም ዝበሉ ግልጺ ኣብነታት ስጉምቲ ዘይወስዱ ምህላዎም'ዩ፡ ትብል ተመራማሪት ዳታ ተምኒት ገብሩ።

ንሳ፡ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ቀረባ "ከሓድቲ" ክውገዱ ኣለዎም ብዝብል ዝተለጠፈ ጽሑፍ "ዓሌታዊ ምጽናት" ዘለዓዕል'ዩ ብዝብል ካብቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ክእለ ዝሓተቱ'ያ።

መጀመርታ ፌስቡክ ንፖሊሲታቱ ዝጻባእ ኣይኮነን ኢሉ ነይሩ፤ ጸኒሑ ግን ኣሊዩዎ።

"ድሕሪ ኹሉ፡ ነቶም ልጣፋት ምስኣለይዎም'ውን . . . ኣብ ልዕሊ እቶም ገጻት ስጉምቲ ኣይወስዱን'ዮም" ትብል ተምኒት።

ንገዛእ ርእሱ 'ኔትዎርክ ኤገይንስት ሄት ስፒች' ኢሉ ዝጽውዕ ጉጅለ ናይ ባዕሉ ናይ ፌስቡክ ገጽ ብምግባር ዘይቅቡል ንዝበሎም ትሕዝቶታት ምልክት ይገብርን ኣንበብቲ ንዝረኸብዎ ተመሳሳሊ ትሕዝቶታት ሪፖርት ክገብሩ ይሓትትን።

Screengrab of post calling on Facebook user to report content with hate speech
መግለጺ ስእሊ, Post calling on Facebook users to report content with hate speech

ብተወሳኺ፡ ቢቢሲ ንሕግታት ፌስቡክ ዝጥሕሱ ምዃኖም ምልክት ክሳዕ ዝገብረሎም ንሰሙናት ከይተኣለዩ ዝጸንሑ ልጣፋት ነይሮም።

ግን ድማ እቲ ኩባኒያ ብዛዕባ ገሊኦም ሓበሬታ በጺሑዎ እኳ እንተነበረ ንፖሊሲታቱ ዝጥሕሱ ስለ ዘይነበሩ ከም ዘይኣለዮም ሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ ትዊተር ተቓውምኡ ዘስምዕ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ልዕሊ ትዊተር ተቓውምኡ ዘስምዕ

ኩሎም ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ዝኾኑ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ንገጻት ትዊተርን ፌስቡክን ተቓወምቶም ንምዕጻው ሪፖርት ይገብሩ'ዮም።

እዚ ኣብ ታሕቲ ዝርኣይ ልጣፍ እቶም ኩባኒያታት ንኹሉ ብማዕረ ከም ዘይርእዩ ዝነቅፍ እዩ።

ኣብ ልዕሊ ትዊተር ተቓውምኡ ዘስምዕ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ልዕሊ ትዊተር ተቓውምኡ ዘስምዕ

ኩባኒያታት ማሕበራዊ ሚዲያ እንታይ ይብሉ?

ትዊተር ኩነታት ኢትዮጵያ ክከታተሎ ከም ዝጸንሐን "ንድሕነት ናይቲ ኣብ ትዊተር ዝግበር ዝርርብ ንምውሓስ" ከምዝሰርሕን ይገልጽ።

ካብ ፈለማ ናይ'ዚ ወርሒ ጀሚሩ እቲ ኩባንያ ነቲ ኣብታ ሃገር ብብዝሒ ዝዘዋወር ዘሎ ሓበሬታ ዝነግር 'ትረንድስ' ዝበሃል ትሕዝቶ ንግዚኡ ከምዘወንዘፎ ገሊጹ ኣሎ።

"እዚ ስጉምቲ እቲ ጎንጺ ንክልዓልን ጉድኣት ክበጽሕን ዝገበር ሓደጋ ክንክዮ እዩ ኢልና ተስፋ ንገብር" ኢሉ።

ገለ ደገፍቲ መንግስቲ ዝኾኑ ገጻት ግና፡ እዚ ስጉምቲ ኣብቲ ንመንግስቲ ዝድግፍ ሃሽታግ ኣብታ ሃገር ሓደ ካብ'ቶም ቀንዲ ብብዝሒ ዝዘዋወሩ ዘለው ሓበሬታታት ኣብ ዝኾነሉ እዋን ከም ዝተወስደ ብምግላጽ ተቓውሞኦም ይገልጹ ኣለው።

ኣብ ልዕሊ ትዊተር ተቓውምኡ ዘስምዕ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ልዕሊ ትዊተር ተቓውምኡ ዘስምዕ

ፌስቡክ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ መምርሒታት ድሕነትን ውሕስናን ተግባራዊ ከም ዝገበረን ብቋንቋታት ኣምሓርኛ፣ ኦሮሞ፣ ትግርኛን ሶማሊኛን ዝጥቅዑ ጎንጽን ጽልኣትን ዝሰብኹ ጽሑፋት ኣብ ምክትታል ክሰርሕ ከም ዝጸንሐ ይገልጽ።

"ተዛረብቲ እቶም ቋንቋታት ዝኾኑ፣ ኣብ ባይታ ብቐረባ ነዚ ዝቆጻጸሩን ጉድኣት ዘብጽሑ ትሕዝቶታት ዝኣልዩን ሰባት ዘለውዎ ነዚ ዝኸውን ጉጅለ ኣቚምና ኢና" ይብል።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ንመንግስቲዝድግፍ ሰልፊ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ንመንግስቲዝድግፍ ሰልፊ

ይኹን'ምበር፡ ፌስቡክ ንነፍሲ ወከፍ ቋንቋታት ዝከታተሉ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ቖጺሩ ዝብል ግልጺ ኣይገበረን።

መብዛሕትኡ ትሕዝቶታት ከይተፈተሸ እዩ ዝሓልፍ ዝብል መምህር ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሙላቱ ኣለማየሁ "ብፍላጥ ይኹን ብዘይምፍላጥ በዞም ቋንቋታት ዝጽሓፉ ልጣፋት [ካብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ወጻኢ ብዝኾኑ ቋንቋታት ዝጽሓፉ] ንክዕጸውን ሪፖርት ንክግበሩን ዘለዎም ተኽእሎ ትሑት'ዩ" ይብል።

ካብ ወርሒ ግንቦት ክሳብ ጥቅምቲ 2021 ፌስቡክ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 92 ሽሕ ትሕዝቶታት ፌስቡክን ኢንስተግራምን ከም ዝኣለየ ሓቢሩ።

"98 ሚኢታዊትካብኣቶም: ሰባት ናባና ሪፖርት ቅድሚ ምግባሮም ዝተፈልጡ'ዮም" ኢሉ።