ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ 'ክሓልፍ’ዩ'- ተስፋን ጓሂን ቤተሰብ ተጋሩ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ መለለዪ መንነት ንዝሓቱ ሰባት ክተርኢ ግድን እዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኣዲስ ኣበባ መለለዪ መንነት ንዝሓቱ ሰባት ክተርኢ ግድን እዩ

ወዲ 72 ዓመት ኣቦይ ተኽለ ኪዳን፡ ንልዕሊ 40 ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣባባ ክፍለ ከተማ ጨርቆስ ተቐሚጦም። ብዘይካ በዅሪ ወዶም፡ ሽድሽተ ደቆም ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዮም ተወሊዶምን ዓብዮምን።

ቅድሚ ኣስታት ዓሰርተ ዓመት ጥሮታ ምውጸኦም፡ ብውልቆም ኣብ ስራሕቲ መጓዓዝያ ይነጥፉ ነይሮም።

ብድሕሪኡ ግን ሸምጊሎም፡ ምስ በዓልቲ ቤቶም ቆሪቦምን ሰጊዶምን ካብ ገዝኦም ንቤተክርስትያን እናተመላለሱ ብሰላም ክነብሩ ጸኒሖም።

ቅድሚ ሰሙን ግና፡ ልዕሊ 10 ዝኾኑ ዕጡቓት ፖሊስ መጺኦም፡ 'ትፈለጋለህ' [ትድለ ኣለኻ] ብምባል ካብ መንበሪ ገዘኦም እናጋፍዑ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከም ዝወሰዱዎም ስነ ጥበባዊ ውላዶም ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"[እቶም ወተሃደራት] ኣዝዮም እዮም ተቖጢዖም መጺኦም፤ ነቲ ገዛ ፈቲሾም ምንም ኣይረኽቡን። [ነቲ ፋሕ ዘበሉዎ ኣቝሑ] 'ባዕልኹም ኣዐርይዎ' ኢሎም ራሕሪሖምዎዎ ከይዶም"።

"ኣብታ ዝተወለድኩላ ዓደይ ዝብላ ከተማ ከምዚ ዓይነት ግፍዕታት ክርኢ ሓሲበ ኣይፈልጥን" ይብል።

ሓድሽ ኣዋጅን ማእሰርትን

ዓመቱ ዝገበረ ኲናት ትግራይ፡ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ፤ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ንሓደጋ ዓጾቦ ተቓሊዖም ከም ዘለው ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።

ካብ ሓምለ ጀሚሩ፡ እቲ ኲናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒዂ፣ ሓይልታት ትግራይ ብፍላይ ንከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ድሕሪ ምቁጽጻሮም ብ02 ሕዳር ብሃገር ደረጃ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ተኣዊጁ።

እቲ ኣዋጅ፡ ዝኾነ ሰብ መለለዪ መንነት ክሕዝን ንዝሓተቱዎ ሓይልታት ጸጥታ ከርእዮምን ዘገድድ ኮይኑ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ንዝነብሩ ተጋሩ ንማእሰርትን ምግፋዕን ከም ዘቃልዖም ቢቢሲ ሓቢሩ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን፡ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ፋሲካ ፈንታ፡ "ኣብቲ መንግስቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ተወለድቲ ትግራይ ጥራሕ ኣይኮኑን ተኣሲሮም፤ ግን ከኣ ብቐንዱ ንሳቶም'ዮም" ክብል ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

እቶም ኣብ ቀይዲ ዝውዕሉ ዘለዉ ከኣ እቶም ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ንህወሓት ዝድግፉን ንጸጥታ ሓደጋ ዝኾኑን እዮም ድማ ኢሉ።

12 ሰራሕተኛታት ምስ ስድርኦም፡ ከምኡ'ውን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ረድኤት ንከመላልሱ ዝቖጸሮም 72 መራሕቲ መካይን ከም ዝተኣስሩዎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

ካብኣቶም 34 መራሕቲ ከም ዝተፈትሑ እቲ ውድብ ብሰሉስ ኣፍሊጡ። ብዛዕባ እቶም ዝተረፉ ከኣ ገና ካብ መንግስቲ መብርሂ ሓቲቱ ነይሩ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ሰባት ህጹጽ ኣዋጅ ብምጥሓሶም ከም ዝተኣስሩ ተዛሪቡ።

"ሰራሕተኛ ሕቡራት ሃገራት ይኹን ካልእ ሰብ ሕጊ ኢትዮጵያ ናይ ምኽባር ግዴታ ኣለዎ። ሕጊ እንድሕር ዘየኽበሩ ዝኾነ ይኹን ሰብ ይሕተት እዩ። ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ብምጥሓስ ከኣ እዮም ተኣሲሮም" ኢሉ።

ፍሉጣትን ሓለፍቲ ትካላትን ተወለድቲ ትግራይ'ውን ከም ዝተኣስሩ፡ ሮይተርስ ብሓሙስ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ሓቢሩ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ዳኒኤል ተኽለ ዝተባህለ ፕረዚደንት ኣንበሳ ባንክን ካልኦት ሓሙሽተ ሰራሕተኛታትን ብሰሉስ ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ዳሕራይ ተፈቲሖም።

ኣብ ካልኦት ባንክታት'ውን ተመሳሳሊ ተግባራት ከም ዘሎ ንመሰኻኽር ዓይኒ ጠቒሱ ጸብጺቡ።

መኣከቢ ዝተገፉ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, AO

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ [ኢሰመኮ] ምስቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብዝተሓሓዝ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተውን መብዛሕትኦም ተጋሩ ከም ዝኾኑን ይገልጽ።

ነዚ ኣመልኪቱ ሓላፊ ርክባት ህዝቢ ፖሊስ እታ ከተማ ኮምነደር ፋሲካው ፈንታ "እቲ ማእሰርቲ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ክትትልን ብጥቆማ ብዝርከብ ሓበሬታን ዝተሞርኮዘ'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ተወለድቲ ካልእ ብሄር እንተኾኑ'ውን ናይቲ ጉጅለ ራዕዲ ልኡኽ ወሲዶም፣ ገንዘብ ተኸፊሉዎም፣ ስልጠና ተዋሂቡዎም፣ ገሊኦም ብረት ተዓጢቖም ኣብታ ከተማ ሽበራ ንምፍጣር ዝተዳለው ንሕዝ ኣለና ኢና" ይብል።

እዚ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ግን ሰላማውያን ሰባት ኣብ ቀይዲ ክኣትው ከም ዝኽእሉ ብምግላጽ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ከጋጥም እንከሎ ካብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ትካላት መንግስቲ ፌደራልን ዝተወጻጽአ ግብረ ሓይሊ ኣድላዪ ምጽራይ ገይሩ ሰላማውያን ሰባት ይፈትሕ ከም ዘሎ ኣረዲኡ።

"ስለዚ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ተጋሩ ስለ ዝኾኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ፈጸምቲ ልኡኽ እቲ ጉጅለ ራዕዲ ኮይኖም ዝተረኸቡ ተታሒዞም'ዮም። እቲ ስጉምቲ ከኣ ብሄር ተኮር ኣይኮነን" ኢሉ።

" 'ኣዴና' እናበሉ ይበኽዩ ኣለዉ". .

ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዱ ዝዓበየ መንእሰይ፡ ኣብ ፌዴራል ፖሊስ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ዘገልገለት፡ ኣብ ኮሌጅ ሳንዳፋ ፖሊስ ፌዴራል መምህር ዝነበረት ሓፍቲ እንኡ *ትዕግስቲ ከም ዝወሰዱዋ ይዛረብ።

"ቅድሚ ክልተ ወርሒ 'ንስልጠና ንደልየኩም ኢና' ብዝብል ንዓኣን ንገለ ተወለድቲ ትግራይ፡ ንልዕሊ 20 መዓልታት ኣብ ሰንዳፋ ናብ ዝርከብ ማእከል መሰልጠኒ ኣእትዮሞም። ካብኡ ኣውጺኦም ድማ፡ ናብ ጦላይ [ማእከል መሰልጠኒ] ወሲዶምዎም" ይብል።

ትዕግስቲ፡ ካብቶም ተማሂሮም ብዲግሪ ተመሪቖምን ናብ ፖሊስ ዝኣተዉ ኮይና፡ በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ክልተ ቖልዑን እያ።

ቖልዓ ሸውዓተ ዓመትን ጓል ኣርባዕተ ዓመትን ደቃ ከኣ ለይትን ቀትርን 'ኣዴና' እናበሉ ይበኽዩ ከም ዘለው ሓቢሩ።

ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅመር ኣብ ሰራዊት ምክልኻል፣ ኣብ ፖሊስ ፌዴራልን ድሕነትን ዝነበሩ ብዙሓት ተጋሩ ስርሖም ጠጠው ከብሉ ከም ዝተገደዱን፡ ገሊኦም ዛጊድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ከም ዝርከቡን ኣባላት ስድርኦም ንቢቢሲ ተዛሪቦም ነይሮም።

መንግስቲ፡ 'ምስ ህወሓት ርክብን ምትሕብባር ነይሩዎም' ዝብል ክሲ እዩ ዘቕርበሎም።

ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ እቲ ሰራዊት፡ ንገለ እቶም ብሰነዳትን መሰኻኽርን 'መረዳእታ ረኺበሎም' ዝበሎም ንክእሰሩ ከ ምዘፍረዶም ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣብ ሓለዋ ዘለው ፖሊስ

ምንጪ ስእሊ, AO

'መአከቢ ገንዘብ ገይሮምዎ'

እቲ ሓው ኣብ ናይ መንግስቲ ሆስፒታል ዝሰርሕ ዝነበረ ካርድዮሎጂስት ዶክተር፡ ዕጡቓት ፖሊስን ሲቪል ኣባላት ድሕንነትን ናብቲ ሆስፒታል መጺኦም 'ስራሕ ጠጠው ኣብል' ኢሎም ከም ዝወሰድዎን ብዘይካ መንነቱ ካልእ በደል ከም ዘይብሉን ይኣምን።

"ምስ ጁንታ ርክብ ኣለካ ዝብል ጥርጣረ ኣለና" ኢሎም፡ እናጋፍዑ መጀመርታ ንገርጂ ካብኡ ድማ ናብ ለግሃር መደበር ፖሊስ ከም ዝወሰድዎን ይዛረብ።

"ሓደ ግዜ ጥራይ ኢና ኣዛሪብናዮ" ዝብል እቲ ሓው፡ ፖሊስ ኣብ ጥቐኦም ኮይኑ የጸናጽን ስለ ዝነበረ 'ዳሕና እየ' ካብ ምባል ወጻኢ ናይ ልቡ ክዛረቦ ከም ዘይከኣለ ተዛሪቡ።

ሓዉ ካብ ዝእሰር ልዕሊ ሰሙን ከም ዝገበረን 'ገንዘብ ደልዮም' እዮም ኣሲሮምዎ ዝብል እምነት ከም ዘለዎን ተዛሪቡ።

እቲ ሽማግለ ወላዲኡ ዝተኣሰርዎ ኣርቲስት፡ 20 ሽሕ ከፊሉ ካብ ማእሰርቲ ዝወጽአ ጎረቤቱ ከም ዝፈልጥን፡ ንክፍታሕ ክልተ ሚልዮን ብር ዝተሓተተ ኣብ ኣታውን-ወጻኢን (ኢምፖርት ኤክስፖርት) ንግዲ ዝነጥፍ ሰብ ድማ ኩባንይኡ ተዓሺጉ ንሱ ተኣሲሩ ከም ዘሎን፡ ሓይልታት ጸጥታ ነቲ ማእሰርቲ መብልዒ ገንዘብ ይገብሩዎ ከይህልው ከም ዝጥርጥር ይዛረብ።

ምስ ጥቆማን ክትትልን ከምኡ'ውን ኣብ ቀይዲ ምስ ዝውዓሉ ሰባት ብዝተሓሓዝ ብምፍርራሕን ዝተኣስሩ ሰባት ንምፍታሕ ገንዘብ ንምቕባልን ዝፈተኑ ሓሙሽተ ኣባላት ፖሊስ፣ ኣብቲ መስርሕ ዝተሳተፉ ደለልቲ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም መርመራ ይግበረሎም ከም ዘሎ ኮማንደር ፋሲካው ተዛሪቡ።

ተመሳሳሊ ወረታት ከምዝሰምኡ እንተኾነ ዛጊድ መረዳእታ ከምዘይረኸብሉ ዝዛረብ እቲ ኮማንደር፡ ይኹን'ምበር ሕዚ'ውን ክትትል ብምግባር ስጉምቲ ክውሰድ'ዩ ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ዝወጽአ ተወሳኺ ኣፈጻጽማ እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ዝምልከት ግና፡ "ነዚ ኣጋጣሚ ክብለጹ ዝደልዩ ኣካላት ጸጥታ" ከም ዘለዉን መንግስቲ ስጉምቲ ከም ዝወስድን ተገሊጹ ኣሎ።

ከምኡ'ውን ኣካረይቲ ብዛዕባ ተኻረይቲ ንፖሊስ መረዳእታ ክህቡ ስለዝተሓተቱ ንነበርቲ ዝገደደ ሻቕሎት ፈጢሩሎም ከም ዘሎ ይዛረቡ።

ማእሰርቲ ኣቕሽትን ተሃሮን

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ዝተመረቑ ኣስታት 70 ተጋሩ 'ናብ እንኸዶ የብልናን' ኢሎም ምስ ጠርዑ፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብቲ ቀጽሪ ክጸንሑ ፈቒዶምሎም ይብል ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ ተመራቒ ተምሃራይ።

ሕዚ ግና፡ ካብቲ ቐጽሪ ብቕልጡፍ ክወጽኡ እቲ ኮሌጅ ምልክታ ጠቂዑ ኣፍሊጡዎም ኣሎ።

እቲ ኮሌጅ፡ ሓደሽቲ ተምሃሮ ንምቕባል ኣብ ምድላው ከምዝርከብን ንዐኦም መጽንሒ ዝኸውን ቦታ ከም ዘይብሉን እዩ ዝገልጽ።

እቶም ተምሃሮ ከኣ፡ ምስቲ ኣብታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝካየድ ዘሎ ግፋ ስግኣት ሓዲሩዎም ኣብ ጭንቂ ኢና ንርከብ ይብሉ።

ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት፡ ጥር ትብል ቅርሺ ከም ዘይብሎም፤ ካብቲ ቀጽሪ ወጺኦም ኣደዳ ማእሰርቲ ከይኾኑ ድማ ሰጊኦም ይርከቡ።

እቲ ተመሃራይ እቲ ኮሌጅ ከም ዝበሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘይፍለጡ 'ናይ ድሕነት ሰባት ይመስሉ' ዝበሎም ናብቲ ቀጽሪ ምእታዎም ስግኣት ከም ዝፈጠረሎም ተዛሪቡ።

ካብ ሓለፍቲ'ቲ ዩኒቨርሲቲ ርእይቶ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ግን ኣይሰመረን።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ዶን ቦስኮ ዝበሃል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ማእከል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ 17 ኣቕሽቲ፣ ደናግልን መነኮሳትን ተጋሩ ተኣሲሮም ምንባሮም እንተኾነ፡ ብዘይካ እቶም ብ13 ሕዳር 2021 ዝተፈትሑ ሰባት ብዛዕባ እቶም ዝተረፉ ዝፍለጥ ነገር ከም ዘየለ ተሓቢሩ።

ትማሊ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ትምህርቲ ሕግን መጽናዕትን ፍሉጣት ተጋሩ መምህራን፡ ፕሮፌሰር ኣሰፋ ፍሰሃን ሓጋዚ ፕሮፌሰር መሓሪ ረዳእን ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ምንጭታት ቢቢሲ ኣረጋጊጾም፡፡

ፕሮፌሰራት መሓሪ ረዳእን [ጸጋም] ኣሰፋ ፍስሃን

ምንጪ ስእሊ, The Reporter Ethiopia

መግለጺ ስእሊ, ቤተሰብ ክልቲኦም ፕሮፌሰራት መሓሪ ረዳእን [ጸጋም] ኣሰፋ ፍስሃን ብዛዕባ ማእሰርቶም ብግልጺ ንክዛረቡ ይሰግኡ

ኣሰፋ ፍሰሃ ኣብ ትምህርቲ ሕገ መንግስቲ ዓብዪ ኣበርክቶ ዝገበረ ክኸውን እንከሎ: መሓሪ ረዳኢ ድማ ኣብ ዓውዲ ሕጊ ሰራሕተኛን ኣስራሕን ብዝገበሮ ኣበርክቶ ዝለዓለ ክብሪ ዝወሃቦ እዩ፡፡

ክልቲኦም ምሁራት ምስቲ አብ ኢትዮጵያ ዝተኣወጀ ህጹጽ እዋን ብዝተሓሓዝ ከም ዝተኣሰሩ ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም፡፡

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ፋሲካው ፈንታ ብወገኑ ብዛዕባ እቶም ተኣሲሮም ዝተባህሉ ምሁራት ሓበሬታ ከም ዘይብሉን ኣጻርዩ መልሲ ከም ዝህብን ንቢቢሲ ሓቢሩ፡፡

'ኣብያተ ማእሰርቲ መሊኦም'

ናይ ትግራይ ዘርኢ ዘለዎም፡ ገሊኦም ተጋሩ ምዃኖም'ውን ዘይፈልጡ ዝነበሩ ገለ ስድራቤታት ምስ ህጻውንቲ ደቆም ከይተረፉ ብጃምላ ዝተኣስሩን ዝተጋፍዑን ከም ዘለዉ ጎረባብቶም ይዛረቡ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ቅድም ኢሉ እቲ ኣብታ ከተማ ዝካየድ ዘሎ ግፋን ማእሰርትን ኣዴታት፣ ኣደ-ቖልዑን ህጻውንት ከም ዝሓውስን ኣብ መንነት ዘድሀበ ከም ዝመስልን ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ ኣሎ።

ካብቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ዳርጋ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ እሱር ኣባል ስድራ የለን።እቲ ኮሚሽን ግን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ክኽበረሎምን ማእሰርቶም ብሕጊ ዝተደገፈ ክኸውንን እዩ ዝሓትት።

ኣኽበርቲ ሕጊ "ምኽንያታዊ ጥርጣረ ምህላው ዘረጋግጽ መረዳእታ ክሳብ ዘይተረኽበ ሰባት . . . ኣረጋውያን፣ ዘጥብዋ ኣደታትን ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎም ሰባትን ብቕልጡፍ ክፍትሑ" ኣለዎም ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ዝኾነ ዓይነት ማእሰርቲ ድማ መንፈስ እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ተረዲኡ ብተመጣጣኒ ከምኡ'ውን ካብ ኣድልዎ ናጻ ብዝኾነ መልክዑ ክፍጸም ኣለው ክብል ሓቢሩ።

ኣብያተ ማእሰርቲ'ታ ከተማ ስለ ዝመልኡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ቀጽሪ ኣብያተ ትምህርትን መጋዝንን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝርከቡ መሰኻኽር ዓይኒ ይዛረቡ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ጸብጻቡ፡ ኣተሓሕዛ ድሕሪ'ቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ዝእሰሩ ዘለው ሰባት ዝተጨናነቐን ምቹእነት ዘይብሉን ከም ዝኾነ ብምግላጽ ብቕልጡፍ ዝመሓየሸሉ ኩነታት ክህሉ ሓቲቱ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብወገኑ፡ ብሕዳር 12 ኣብ ዘውጸኦ ምግለጺ፡ ኣብዝሓ ብመንነቶም ከምዝተትሓዙ፣ "መደብራት ፖሊስ መሊኡ ኣብ ፎቓዶ ዘይስሩዕ ማእከላት" ተዳጒኖም ከምዘለውን ብዙሓት ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥን፤ ዝኾነ ትግራዋይ 'ክተሓዝ እየ' ዝብል ስግኣት ፈጢርሉ ከምዘሎን ጠቒሱ ኣስፊሩ።

ኮማንደር ፋሲካው ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ መጽንሒ ቦታታት ዝፍለጡ'ዮም ብምባል ናይ ምጽባብ ኩነታት ከጋጥም ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

"ነዚ ፍሉይ ትኹረት ተዋሂቡዎ ብዙሓት ሰባት ኣብ ጸቢብ ክፍሊ ከይእሰሩን ኣድላዪ ኣገልግሎት ክቐርበሎምን ይስርሓሉ ኣሎ" ኢሉ።

ሓደ ምስክር ዓይኒ ኣብ ከባቢ ጎተራ ኣደባባይ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሰፊሕ መኽዘን ብዙሕ ህዝቢ ተሰሊፉ ርእዩ፤ ስራሕ ዘመልክቱ ዘለው መሲሉዎ ቀሪቡ ምስ ረኣየ እሱራት ምዃኖም ከም ዝፈለጠ ይዛረብ።

መብዛሕትኦም፡ ስድራ ቤቶም ኣበይ ከም ዝተኣስሩ ከም ዘይፈልጡ ይዛረቡ።

ገሊኦም ድማ ኣብ ክልል ዓፋር ናብ ዝርከብ 'ኣዋሽ ኣርባ' ዝበሃል ክቱር ዋዒ ዘለዎ ቤት ማእሰርቲን ናብ 'ሰንዳፋ' ዝበሃልን ተወሲዶም ከም ዝኾኑ ይዛረቡ። ኮማንደር ፋሲካው፡ ዛጊድ ኣብታ ከተማ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ብዝሒ ሰባት ሓበሬታ ከም ዘይብሉ እዩ ዝዛረብ።

ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሒደት ዕድለኛታት ግን ናጻ ዝተለቐቑ ከም ዘለዉ'ውን ምንጭታትና ይሕብሩ።

ኣሶሳ

ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣሶሳ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ካብ መንበሪ ገዛውቶም ተሓፊሶም ከም ዝተወስዱ ካብቲ ከባቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣሶሳ ካብተን ተወለድቲ ካልኦት ብሄራት ምስ ቶም ደቂ'ባት ተኸኣኢሎም ዝነብሩለን ከተማታት ሓንቲ እያ ነይራ።

ኣብ ሓደ ፖሊስ ጣብያ እታ ከተማ ተኣሲሮም ከም ዝቐነዩን፡ ደሓር ግና ካብታ ከተማ ኣስታት 12 ኪሎ ሜትሮ ዝርሕቕ፡ 'ኣንባ ኣስራ ኣራት' ናብ ዝብሃል ኣብ ጥቓ 'መዕረፎ ነፈርቲ' ዝርከብ ጫካ ከም ዝወሰድዎም ካብ መንጎኦም ኣቡኡ ዝተኣስርዎ ሓደ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ወላዲኡ ኣብ ከተማ ኣሶሳ መኻዝን እኽሊ ዝውንን ኮይኑ እኽልን ጥራምረን ኣብ ምሻጥ ይነጥፍ ከም ዝነበረ ይዛረብ።

ኣዲኡን ኣሕዋቱን ኣብ መቐለ ከም ዝርከቡን ካብ ዝረኽበን ልዕሊ ዓሰርተ ወርሒ ከም ዘቑጸረን ይዛረብ።

ፖሊስ ነቶም እሱራት ምግቢን ክዳን ከብጽሑ ንዝፈተኑ ካብ መገዲ ከም ዝመልስዎምን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝርከቡን፡ መሰኻኽር ዓይኒ ይገልጹ።

ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ካልኦት ተጋሩ ድማ፡ ነፍሶም ንምድሓን ፎቓዶ ጫካን በረኻን ተሓቢኦምን ሃዲሞምን ከም ዝርከቡ ሓቢሮም።

ስድራቤት ዝተኣስርዎም

ምንጪ ስእሊ, AO

'ክሓልፍ እዩ'

እታ ኣባል ፖሊስ ፌዴራል፡ ኣብ ከባቢ ዓድዋ - ትግራይ እኳ እንተተወልደት እቲ ኣቦ ሓደ ቆልዓ ዘመዳ ዶክተር ግን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተወልደ ቤተሶም ይዛረቡ።

"ንነዊሕ እዋን ኣብዛ ከተማ ኢና ነይርና፤ ርግጽ ኣብ ትግራይ'ውን ቤተሰብ ኣለውና፤ መበቆልና'ውን ተጋሩ ምዃንና ንፈልጥ ኢና፤ ጎረባብትና'ውን ይፈልጡ እዮም፤ መንነትና ሓቢእና ኣይነበርናን፤ እዚ ክመጽእ እዩ ኢልና ግና ሓሲብና ኣይንፈልጥን" ይብል እቲ ሓዉን ሓፍትንኡን ዝተኣስርዎ መንእሰይ።

"ኲናት ምስተጀመረ ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ብዛዕባ ትግራይን ተጋሩን ዝበሃሉ ነገራት ኣዝዮም ደስ ዘይብሉ እዮም። ካብ ናይ ቀረባ ኣዕርኽተይ ዝበጽሐኒ ሕማቕ ነገር ኣይነበረን። ነገር ግን፤ ብዙሓት ዝተጋፍዑ ተጋሩ ቤተሰብ ኣለዉኒ" ብማለት ሕማቕ ስምዒት ከምዝፈጠረሉ ይዛረብ።

ኣብዛሓ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣባላት እሱራት፡ "እዚ ጽንኩር ኩነታት ከም ምሕላፉ ክሓልፍ'ዩ" ዝብል ተስፋ ዝሓዘለ ጓሂ ኣለዎም።

እተን ሽማግለ በዓል ገዘአን ዝተኣሰርዎን ወላዲት፡ ኣዝየን ሓዚነን "ንጉስ ሰማይ ክሳብ ዝረድእ፤ ንጉስ ምድሪ ይጎድእ" ኢለን ከምዝመሰላ ኣርቲስት ወደን ይዛረብ።

*ትዕግስቲ ስማ ኣይኮነን