ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ስለ ምንታይ'ዩ ዓለም ብኲናት ትግራይ ዝሻቐል ዘሎ?

እቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት 2 ሚልዮን ህዝቢ ካብ መንበሪኡ ከመዛብል እንከሎ ንኻልኦት ብዙሓት ተጸበይቲ ናይ መግቢ ረድኤት ገይሩ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት 2 ሚልዮን ህዝቢ ካብ መንበሪኡ ከመዛብል እንከሎ ንኻልኦት ብዙሓት ተጸበይቲ ናይ መግቢ ረድኤት ገይሩ እዩ

ኣንቶኒ ብሊንኪን፡ ጸሓፊ ጕዳያት ኣመሪካ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ጐረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ኵነታት ንክመያየጥ ናብ ኬንያ ይጕዓዝ ኣሎ።

ዜጋታት ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ካብ ኢትዮጵያ ንክወጹ ተሓቢሩ ኣሎ - "ሰባት ንከጐዓዕዛ ነፈርቲ ተዳልየን ኣለዋ" ይብል ሓደ እንግሊዛዊ በዓል መዚ።

እዚ መቓልሕ ካቡል (ኣፍጋኒስታን) ዝመስል መሰማዕታ ዘለዎ መጠንቀቕታዊ ምኽሪ ዝተዋህበሉ ምኽንያት ተቓወምቲ ሓይልታት ትግራይ ኣንፈቶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ገጾም ዝግስግሱ ኣብ ዝመስሉሉ ዘሎ እዋን'ዩ።

እዚ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ዝፈጠረ ኲናት-ሓድሕድ ሓደ ዓመት ኣብ ዝመልኣሉ እዋን፡ ዓለም ሻቕሎታ ብዓውታ ትገልጽ ኣላ።

ሳዕቤን ናይ'ዚ ግጭት'ዚ ኣብ'ቲ ከባቢ ዀነ ክንዮኡ ዝፈጥሮ ቅልውላው ዓቢ ስለ ዝዀነ ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢታት ኣፍሪቃን ኣሜሪካን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ንምንታይ ክሳብ ክንድዚ የገድስ?

ብሰንኪ እቲ ግጭት ዝርቝሑ ዘለዉ ኣሃዛት ንገዛእ ርእሶም ዘሰንብዱ'ዮም።

ኣብ ትግራይ ማዕረ 400,000 ሰባት ዓጸቦ የንጸላልዎም ኣሎ፣ 80% ካብ'ቶም ዜድልዩ መድሃኒታት ኣብ ቀረብ የለዉን፣ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ካብ ቤቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ።

ዋላ'ኳ ኣይእመነሉ፡ መንግስቲ ፈደራል ሓገዝ ናብ ትግራይ ከይበጽሕ ብምእጋዱ ይኽሰስ'ዩ።

ብተወሳኺ፡ ብኽልቲኦም ተነሓናህቲ ወገናት ዘይሕጋዊ ቅትለት፡ ወሲባዊ ዓመጽ ከም ዝተኻየዱ መርትዖታት ቀሪቦም'ዮም።

ይዅን'ምበር፡ ስትራተጂካዊ ረብሓታት ከም ዘለዎ ድማ ምግንዛብ የድሊ።

እታ 110 ሚልዮን ዝህዝባ: ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ኣፍሪቃ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ እትርከብ ኢትዮጵያ: ኣብቲ ህዉጽ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀንዲ መሓዛ ምዕራባውያን ሃገራት ኰይና'ያ ጸኒሓ።

እዚ ኣብታ ብዝሐ-ዓሌታት ዘለዋ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ዝዓበየ ህውከት ክለዓዕል ጥራይ ዘይኰነስ ነታ ሃገር ንምክፍፋል ተኽእሎታት ከም ዘለዎ ይንገር።

ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኢትዮጵያውያን ብሰንኪ'ዚ ግጭት ካብ ቦትኦም እንተድኣ ተመዛቢሎም ድማ ጐረባብቲ ሃገራት ኣይክጻወርኦን'የን።

ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ምስ ሽድሽተ ሃገራት'ያ ትዳወብ። ክልተ ካብ'ዘን ሃገራት ማለት ደቡብ ሱዳንን ሶማልያን ናታተን ዉሽጣዊ ግጭታት ኣለወን። ኣብ ልዕሊኡ፡ ሱዳን ናታ ሽግር ኣለዋ - ወታሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ኣጋጢሙዋ ኣሎ።

ሱዳን ኣብቲ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት/ሕቡራት ሃገራት ዝተወዝዐ ኣብ ሶማልያ ዓሪዱ ዘሎ፡ ኣንጻር እስላማውያን ዕጡቓት ተዋፊሩ ዘሎ ዓቃቢ ሰላም፡ ወተሃደራት ኣለውዋ። ኣብ ዉሽጢ ሃገር ንዘሎ ናዕቢ ንምቍጽጻር ነዞም ወተሃደራታ ክትስሕብ ትኽእል'ያ።

ብሊንከን፡ ቅድሚ ናይ ኣፍሪቃ ዑደቱ ምክያዱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ግጭት እንተድኣ ዘይተኣልዩ "ንህዝቢ ኢትዮጵያን ነቶም ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ህዝብታትን ኣዕናዊ ክኸውን'ዩ" ኢሉ ኣጠንቂቑ'ዩ።

ድሮ ወትሃደራት ኤርትራ ኣብቲ ግጭት ኢዶም ኣእትዮም ኣለዉ፣ እቲ ግጭት እንተድኣ ተናዊሑ ካልኦት ሃገራት ኢደን ከእትዋ ተኽእሎ ኣሎ።

ብተወሳኺ ርሕቕ ኢለን ዝርከባ ሃገራት ናብቲ ግጭት ተሳሒበን ይኣትዋ ኣለዋ።

ባንዴራ ኢትዮጵያ ዝሓዘ ሰልፈኛ፡ ኣዲስ ኣበባ 7 ሕዳር 2021

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ፡ ብኣሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ መንግስቲ ኣንጻር ህወሓት ንዘካየዶ ኲናት ድጋፎም ንምግላጽ ናብ ጎደናታት ወጺኦም

ዝሓለፈ ወርሒ፡ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ከም ዝሓበሮ፡ ቱርኪ ንኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (drones) ንክትሸይጥ ከም ዝተሰማምዐት ምግላጹ ዝዝከር'ዩ። እዚ ስምምዕ'ዚ ንቱርኪ ምስ ግብጺ ኣብ ምስሕሓብ ከም እትኣቱ ገይሩዋ'ዩ ... ግብጺ ምስ ኢትዮጵያ ብጕዳይ ሕዳሰ-ግድብ ስምምዕ ከም ዘይብለን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ኢትዮጵያ ካብ ቻይናን ኢራንን ኣጽዋር ከም ዝዓደገት፡ እቲ ኣጽዋር ካብ ሕቡራት ዒማራት ዓረብ ብዝብገሳ ነፈርቲ ገይሩ ከም ዝጐዓዓዝ 'መርበብ ሓበሬታ ኦሪክስ' ይጠቅስ።

ብመዳይ ኣመሪካ፡ ኢትዮጵያ ከም ሓንቲ እምንቲ መሓዛ'ያ ክትርአ ጸኒሓ - ብሕልፊ በቲ ኣንጻር ሽበራ ዝተኻየደ ወፍሪ።

ኣብ ሶማልያ ኣንጻር እስላማውያን ዕጡቓት ዝተኻየደ ወራር: ኢትዮጵያ ናብ መስመር ግንባር ወተሃደራታ ብምልኣኽ፡ ኣብ እዋን ውግእ ዒራቕ ድማ ንወተሃደራት ሕ.መ.ኣ. ክሊ- ኣየር ኢትዮጵያ ንኽትጥቀመሉ ኣፍቂዳ ከም ዝነበረት ዝዝከር'ዩ። ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ሓቢራ ኣባል 'ልፍንቲ-ፍቓደኛታት' (Coalition of the willing) ሓንቲ ካብ'ተን ሒደት ሃገራት ኣፍሪቃ እውን ነይራ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተረጋግዐ መንግስቲ ምህላዉ ነቲ ርክብ ምሒር ኣዕዚዙዎ'ዩ። መንግስቲ ኣሜሪካ ኸኣ ንኢትዮጵያ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ካብ ምሃብ ኣይተቘጠበትን - ካብ 2016-2020 ማዕረ $4.2 ቢልዮን (£3.1) ዝኸውን ሓገዝ ከም ዝሃበታ ዝዝከር'ዩ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ: ጀፍሪ ፈልትማን፡ ድሕር ከይበለ ፖሊሲ መንግስቲ ፈዴራል ኣብቲ ዞባ ተኸሲቱ ንዘሎ ዓጸቦ ኢድ ከም ዘለዎ ብምንቃፍ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ምስ ምሕደራ መንግስቲ ሶርያ (በሽር ኣል-ኣሳድ) ብምምጥጣን እዩ ገሊጽዎ።

ተጋሩ ሰልፈኛታት ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ተጋሩ ዲኣስፖራ ሓደ ዓመት ንምጅማር እቲ ኲናት ኣመልኪቶም ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ተቃውሞ እንተስምዑ

እቲ ሓደጋ ንኣዲስ ኣበባ የስግኣ'ዶ?

ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብቲ ካብ ሰሜን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘምርሕ ቀንዲ ጽርጊያ ገስጋስ ምስ ኣርኣየ፡ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ኣጋዲዱዎ'ዩ።

ኣመሪካ ንዜጋታታ ካብ ኢትዮጵያ ንምውጻእ መጸዋዕታ ኣቕሪባ'ያ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣህመድ ድማ ህጹጽ ኣዋጅ ኣዊጁ፣ ተወሰኽቲ ወተሃደራት ንክኽተቡ ድማ ጻውዒት ገይሩ።

ኣመሓደርቲ ኣዲስ ኣበባ ብረት ንዘለዎም ተቐማጦ እታ ከተማ ብረቶም ከመዝግቡ ኣዚዞም።

ካልእ ተቓዋሚ ጕጅለ [ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ] ምስ ህወሓት ብምትሕብባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ገጾም የምርሑ ምህላዎም ገሊጾም።

እታ ካብ ኩሉ ዝተዋጽኡ ዓሌታት ሒዛ እትርከብ ከተማ ተወሳኺ ሽግራት ከም ዘለዋ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ፣ መበቈሎም ትግራዎት ዝዀኑ ዜጋታት ብሓይልታት ጸጥታ ይህደኑን ይእሰሩን ከም ዘለዉ ተገሊጹ።

ሓይልታት ትግራይ ዳርጋ 300 ኪ.ሜ. ካብ ኣዲስ ኣበባ ርሒቖም ኣብ ከባቢ ኮምቦልቻ'ዮም ዘለዉ።

"ከምቲ ጣሊባን ኣብ ኣፍጋኒስታን ሓንቲ ከተማ ድሕሪ ካልእ ከተማ ጥይት ከይተኮሰ ዝተቆጻጸሮ ኣይክኸውንን እዩ" ይብል ምኽትል ተጸዋዒ ጸሓፊ ጕዳያት ሕ.መ.ኣ. ኣብ ኣፍሪቃ ነበር ቲቦር ናጊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ።

ብተወሳኺ፡ "ህወሓት ኣብ ዘለወሉ ቦታታት ብርቱዕ ተቓውሞ ስለ ዘሎ ንኣዲስ ኣበባ ምእታው ደማዊ ወፍሪ ክኸውን'ዩ፤ ኣዲስ ኣበባ ንምውራር ከም መፈራርሒ ከይኰነ ኣይተርፍን" ይብል ቲቦር ናጊ።

ህወሓት፡ እቲ ዘድልዮ ዘሎ፡ ረድኤት ናብ ትግራይ ከምዝኣቱ ንምግባር ምዃኑ እዩ ክገልጽ ጸኒሑ። ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ፡ ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ "ንኣዲስ ኣበባ ገጽና ከነምርሕ ኢና ... ይዅን'ምበር ዕላማና ንኣዲስ ኣበባ ንምሓዝ ዘይኰነስ ነቲ ኣብ ልዕሌና ተነቢሩ ዘሎ ዕግታ ንምልጋስ'ዩ" ኢሉ።

መንግስቲ ፈደራል ንህወሓት ከም ጕጅለ ሽበራ ገይሩ እዩ ዝርእዮም፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ከኣ ጌና ይፍክረሎም ኣሎ።

"ነዚ ጸላኢ ብደምናን ዓጽምናን ቀቢርና ንክብሪ ኢትዮጵያ ኣብ ላዕሊ ክንሰቕሎ ኢና" ከም ዝበለ ዝዝከር'ዩ።

ገለ ዝርርብ ሰላም ይካየድ ኣሎ ድዩ?

ሕጂ እቲ ዘሰክፍ እቲ ግጭት ናብ ሓድሽ መድረኽ ይሰግር ስለ ዘሎ ኽልቲኡ ወገን ድሕር ምባል ክጽገም እዩ።

እቲ ግጭት ኣብ ምሉእ ሃገር ንከይልሕም ድማ ተወሳኺ ፍርሒ ኣሎ።

ህወሓት ምስ ብርክት ዝበሉ ተቓወምቲ ጕጅለታት ኣብ ስምምዕ ብምብጻሕ ንመንግስቲ ኣቢዪ ኣሕመድ ንምእላይ ተበጊሶም ኣለዉ።

ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር - ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ - ንእሽቶ መስኮት ተስፋ ተኸፊቱ ኣሎ ይብል።

ንሱ ንናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ከም ዝበሎ፡ ንኽልቲኦም ወገናት ምስ ኣዘራረቦም፡ ንሽምግልና እኹል ጊዜ ዘሎ ኣይመስለን፣ ንፖለቲካዊ መፍትሐ ንክርከብ ዝርርብ ምክያድ የድሊ ይብል፣ ብኸመይ ክከናወን ከም ዘለዎ ግን ኣይገለጸን።

ታየ ኣጽቀ ስላሴ፡ ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዝሃቦ መልሲ ነቲ እቶም መንጐኛታት ከጓንፎም ዝኽእል ሽግር የተንብህ። ዋላ'ኳ ንዝርርብ ሰላም ብኣኽብሮት እንተ ተቐበሎ ንህወሓት ግን "ጕጅለ ገበነኛታት" ኢሉ ይገልጾም።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብትዊተር ኣቢሉ ከም ዝበሎ፡ "መብዝሕትኡ ተበግሶታት ሰላም ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢዪ ኣሕመድ ንምድሓን'ምበር ኣብ'ቶም ቀንዲ ለውጥታት ንምትእትታው ዝዓለሙ ጕዳያት ኣይኰኑን" ይብል።

ርግጽ'ዩ፡ ግጭት ንምፍታሕ ዝካየዱ ዝርርባት ብተፈጥርኦም ኣብ ሞንጎ ክልተ ዘይሕለሉ ጸላእቲ'ዩ ዝካየድ።

እቲ ሓደ ንኽልቲኦም ወገናት ሓቢሮም ኮፍ ከም ዝብሉ ክግበረሉ ዝኽእል መገዲ፡ ኣመሪካን ቻይናን፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ከም ቱርኪ ዘኣመሰላ ሃገራት ሓቢረን ምስ ዝሰርሓ ምዃኑ ቲቦር ናጊ ይገልጽ።

"ኣቢዪ መንግስታት ኣሜሪካን ቻይናን ብሓባር ንዝብሉዎ ክነጽጎ ኣይክእልን'ዩ።

ብተወሳኺ ከም ዝበሎ፡ እቲ ቀዳማይ ነገር ነቲ ተዅሲ ደው ምባል፡ ምስኡ ኸኣ ረዲኤት ኣብ ግቡኡ ክበጽሕ ምግባር፡ ሽዑ ሃዲእካ ነቲ ፖለቲካዊ ኣማራጺ ኵነታት ምፍታሽ'ዩ።

መበገሲ'ቲ ግጭት እንታ'ዩ?

እቲ መሰረታዊ ጠንቂ ዘይምስምማዕ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢዪን ን27 ዓመታት ንትግራይ ጥራይ ዘይኰነስ ንመላእ ኢትዮጵያ ዓብሊሉዎ ዝጸንሐን ህወሓትን'ዩ።

ኣቢዪ ብ2018 ኣብ ዝባን ህዝቢ ኦሮሞ ብዘካይዶ ማዕበል ተቓውሞን ናዕብን ተወጢሑ'ዩ ኣብ ስልጣን መጺኡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ህዝቢ ቀዳማይ ዝስራዕ ህዝቢ ኦሮሞ፡ ንነዊሕ እዋን ተዋሲኖም ከም ዝነበሩ'ዩ ዝስምዖም። ተወላዲ ኦሮሞ ዝኾነ ኣቢዪ ኣባል ናይቲ ዝመርሕ ዝነበረ ልፍንታዊ ሰልፊ ስለ ዝነበረ ነቶም ሽግራት ይበቅዕ'ዩ ተባሂሉ ከም መራሒ ተመዘዘ።

ኣቢዪ ንከይዲ ፖለቲካ ነጻ ብምግባርን ምስታ ንነዊሕ እዋን መተሓላልኽቲ ኢትዮጵያ ዝነበረት ኤርትራ ስምምዕ ሰላም ብምኽታምን ቅልጡፍ ለውጥታት ብምትእትታው ንህወሓት ኣዋሰኖ።

እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፈደራልን ትግራይን ቀስ ኢሉ እናተጠጅአ ዝመጸ ተጻብኦ ቅድሚ ሓደ ዓመት ተተኰሰ - ሓይልታት ትግራይ ንመዓስከራት መንግስቲ ብምውራር ኣጽዋር ወሲድኩም ስለ ዝተባህሉ መንግስቲ ፈደራል ስጉምቲ ክውሰዶም ኣዘዘ። እቲ ፈኸም እናበለ ዝጸንሐ ተጻብኦ ድማ ናብ ቅሉእ ኲናት ኣምረሐ።