ኣብ ኢትዮጵያ ጠለብ ኣገልግሎት ቪፒኤን ብልዕሊ 5 ሽሕ ሚኢታዊት ዓብዩ

ምንጪ ስእሊ, SOPA Images
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ጠለብ ኣገልግሎት ቪፒኤን ብ5109 ሚኢታዊት ከም ዝወሰኸ ቶፕቴንቪፒኤን.ኮም ኣፍሊጡ።
ኣብ ጉዳይ ድሕነት ዲጂታላዊ ሓበሬታ ዝሰርሕ ቶፕቴንቪፒኤን.ኮም (Top10VPN.com]፡ መንግስቲ ከም ፌስቡክ፣ ሜሴንጀር፣ ኢንስታግራምን ቴሌግራምን ዝበሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ዓጸወ ጠለብ ቪፒቼን ከም ዝወሰኸ ይገልጽ።
መንግስቲ ምስ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ብዝተሓሓዝ ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚሩ እቶም ማሕበራዊ ሚዲያታት ክዕጸው ከም ዝገበረ ይፍለጥ።
ከምዚ ዓይነት ጸገማት እንከጋጠሙ ሰባት ነዚ እገዳ ንምሕላፍ ቪፒኤን ከም ዝጥቀሙ ይግለጽ።
መንግስቲ እዚ ዓይነት እገዳ ቅድሚ ምሕላፉ ኣብ ዝነበሩ 28 መዓልታት ዝነበረ ጠለብ ቪፒኤን ብሰኑይ ብልዕሊ ሓደ ሽሕ ሚኢታዊት ከም ዝወሰኸ እዩ ዝግለጽ።
ብሰሉስ ድማ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ሚኢታዊት በጺሑ።
ቪፒኤን እንታይ'ዩ?
ቨርቹዋል ፕራይቨት ኔትዎርክ (ቪ ፒ ኤን) ኣብ መንጎ ትጥቀመሉ ዘለኻ መሳርሕን (ሞባይል ቴለፎን፡ ላፕቶፕ፡ ኮምፕዩተር...) ካልእ ኣብ ኢንተርነት ዘሎ ኮምፕዩተር ዝግበር ስቱር ርክብ እዩ።
ቪፒኤን ንገለ ከባቢ ዝተኸልከሉ መርበባት ሓበሬታ ንምኽፋት፣ ኣብ ኢንተርነት ትገብሮ ዘሎኻ ንጥፈታት ንምኽዋልን ካልእን የገልግል።
ንብዙሕ መዓልታት ክንጥቀመሉ እንኽእል ኣገልግሎት እዩ።
ንኣብነት ኣብ ገዛኻ ኮይንካ ናይ ስራሕ ኮምፒዩተርካ ክትከፍት ምስ እትደሊ እሞ ውሑስ ክኾነልካ ምስ እትመርጽ ቪፒኤን ትጥቀም።
ብዘይካ'ዚ፡ ብመንገዲ ኣብ ካልእ ሃገር እትርከብ ኮምፕዩተር ኣቢልካ ከም እትሓልፍ ብምግባር፡ ካብ ምቁጽጻራት ናይ መንግስቲ ነጻ ንምዃን፤ ውሑስ ኣብ ዘይኮኑ ህዝባዊ ናይ ዋይፋይ ቦታታት ውልቃዊ ሓበሬታና ንምክልኻል'ውን የገልግል።
ብዙሓት፡ ኣብ ገለ ሃገራት ጥራይ ክኽፈቱ ንዝፍቀድ ሓበሬታታትን ፊልምታትን ንምርካብ ቪፒኤን ይጥቀሙ።
እቲ ዝጥቀምሉ ቪፒኤን ምስ ዝፍለጥን ዝዕጾን ድማ ድማ ናብ ኻልእ ብምቕያር ነቲ ዝደለይዎ ሓበሬታ ምርካብ ይቕጽሉ።
ቪፒኤን ምጥቃም ሕጋዊ ድዩ?
መንግስታት ኣብ ሃገራቶም ክዝርጋሕ ንዘይደልይዎ ሓበሬታታት ንምዕጋትን ንዜጋታተን ንምቁጽጻርን፡ ምመያታት (ሰንሰርሺፕ) ይገብሩ'ዮም።
ተጠቀምቲ ኢንተርነት ግና ብቪፒኤን ኣቢሎም ነዚ ይሰግርዎ።
እዚ ብዓይኒ ሕጊ ክረአ ከሎ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ዝፈላለ ኮይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ዘረዳድእ ሕጊ ከም ዘየለ ተዓዘብቲ ይገልጹ።
ኣብ ከም ኣሜሪካ ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ቪፒኤን ሕጋዊ እዩ።
ኣብ ከም ቻይና፡ ሩስያ፡ ሰሜን ኮርያ ዝኣመሰላ ኢንተርነት ብምዕጻው ዝፍለጣ ሃገራት ግና ቪፒኤን ምጥቃም ብሕጊ የኽስስ እዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







