ፌስቡክ፡ ፖሊስ ሎስኣንጀለስ ናይ ሓሶት ‘ኣካውንት’ ምጥቃም ደው ከብል ኣተሓሳሲቡ

ምንጪ ስእሊ, LOS ANGELES TIMES / GETTY IMAGES
ፌስቡክ ናብ ክፍሊ ፖሊስ ሎስኣንጀለስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ ኣብ ልዕሊ ተጠቀምቲ እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝኾኑ ውልቀሰባት ስለላ ንምክያድ ናይ ሓሶት ‘ኣካውንት’ ምጥቃም ደው ከብል ጸዊዑ።
እዚ መተሓሳሰቢ ዝቐረበ ድማ፡ ፖሊስ ኣሜሪካ ገበናት ንምጽራይ ዝሰርሖም ስራሕቲ ንምቅልጣፍ ምስ ትካል ቴክኖሎጂ ብምትሕብባር ናይ ተጠቀምቲ ዳታ ይፍትሽ ምዃኑ ዝሕብር ጸብጻብ ብዘጋርዲያን ምስተቓልዐ’ዩ።
ፌስቡክ ስኑዓት ዝኾኑ ‘ኣካውንት’ ምኽፋትን ምጥቃምን ብጥብቂ ከም ዝኽልክል’ዩ ዝገልጽ።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ “ሰባት ንሓድሕዶም ዝተኣማመኑሉን ተሓታትነት ዘለሉን ውሑስ ኩነታት ንምፍጣር ብዝብል’ዩ” ክብል የረድእ።
ክፍሊ ፖሊስ ሎስኣንጀለስ ኣባላቱ ብኦንላይን ኣብ ዘፈጽምዎ ስራሕቲ ምርመራ ገበናት ዝሕግዞዎም ስኑዓት ኣካውንት ንክኸፍቱ ዘተባብዑ ፖሊሲታት ከም ዘለውዎ ፌስቡክ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ሓቢሩ’ሎ።
“ሕጋውነት እዞም ፖሊሲታት ንክፍሊ ፖሊስ ሎስኣንጀለስ ዝምልከት’ኳ እንተኾነ፤ ኣባላት ፖሊስ ግን ኣብ ናትና ኣገልግሎት ‘ኣካውንት’ ንምኽፋት ንፖሊሲታት ፌስቡክ ክግዝኡ ኣለዎም” ኢሉ እቲ ብምኽትል ፕረዚደንት ፌስቡክ ሮይ ኦውስቲን ዝተጽሓፈ ደብዳበ።
ኣስዒቡ ድማ፡ እቲ ክፍሊ ፖለስ ናይ ሓሶት (ስኑዕ) ኣካውንት ካብ ምኽፋት፣ ንኻልእ ሰብ መሲሉ ብዝኸፍቶም ኣካውንት ካብ ምጥቃምን ንምርመራ ዝውዕል መረዳእታ ካብ ምእካብን ክዕቀብ ኣተሓሳሲቡ።
ገለ መረዳእታት ከም ዘመልክትዎ፡ ፖሊስ ሎስኣንጀለስ ካብ ናይ ተጠርጠርቲ ወይ መሓዙቶም ኣካውንት መረዳእታ ንምርካብ ብዝብል ዕላማ ንማሕበራዊ መራኸቢ ዝፍትሽ ሶፍትዌር ይጥቀም’ዩ።
እቲ ሶፍትዌር ገበናት ንምጽራይ ኣብ ዝስርሑ ስራሕቲ ኣዝዩ ብዙሕ መረዳእታ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ናይ ምትንታን ዓቕሚ ኣለዎ።
ፖሊስ ሎስኣንጀለስ ግን እቲ ሶፍትዌር፡ ኣብ ጎደናት ብጉጅለ ንዝፍጸሙ ገበናት፣ ስርቂን ቅትለት ሰብን ንምምርማር ጥራሕ ከም ዝጥቀመሉ ይገልጽ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







