ፌስቡክ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምትእስሳር ኣለዎም ዝበሎም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ገጻት ዓጽዩ

ኣርማ ፌስቡክ ኣብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፌስቡክ ሓሶትን ስኑዕ ሓበሬታን ዘቃልሑን ምስ ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታ መንግስቲ ኢትዮጵያ [ኢንሳ] ምትእስሳር ኣለዎም ዝበሎም ገለ 'ኣካውንታት' ከምዝዓጸወ ኣፍሊጡ።

ፌስቡክ እዞም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ዝተዓጽዉ ኣካውንታት ኣካየድቱን ተጥቀምቱን ካብ ኢትዮጵያ ከምዝኾኑ ገሊፁ።

እቶም ኣካውንታት ሓቅነት ዘይብሎም ሓበሬታ ደጋጊሞም ዘውጽኡን ዘጋገዩን ኾይኖም ብተወሳኺ ምስ ፌዴራል መንግስቲ ኣብ ጎንጺ ዝርከብ ህወሓትን ካልኦት ተቓዋሚ ውድባትን ዒላማ ገይሮም ዝነቕፉ ጽሑፋት የውጽኡ ኢሉዎም።

በዚ መሰረት፡ እቲ ዓቢ ማሕበራዊ ሚድያ ብዝወሰዶ ስጉምቲ፡ 65 ናይ ፌስቡክ ኣካውንታት፣ 52 ገጻትን፣ 27 ጉጅለታት ከምኡ'ውን 32 ናይ ኢንስታግራም ኣካውንታት 'ሕገ ደንቢ ስለዝጠሓሱ' ከመዝዓጸዎም ገሊጹ።

እዞም ባዕሎም ንባዕሎም ጥቡቕ ምትእስሳራት ዘለዎም ኣካውንታት፤ መበገሲኦም ኢትዮጵያ ኾይኑ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ተጠቀምቲ ዒላማ ዝገበሩን ዝበዘሐየ ግዜ ብኣቋንቋ ኣምሓርኛ ዝጽሕፉ እዮም ኢሉዎም።

ፌስቡክ ከምዝብሎ፡ እዞም ናይ ሕሶት ኣካውንታትን ተጠቀምቶምን ምስ ኢንሳ ቀጥታዊ ዝኾነ ምትእስሳር ዘለዎም ምዃኖም ብምርመራ ከምዝበጽሖ ይገልጽ።

ፌስቡክ፡ ነቶም ዝጠቐሶም ኣካውንታት ዘውጽእዎ ሓበሬታት ብዘይሻራዊ ኣካል ምስ ኣጻረየ ዘይሓቃዊ፣ ስኑዕን መጋገዪን ኮይኑ ከምዝረኸቦ እዩ ወሲኹ ሓቢሩ።

ምስዚ ብምትእስሳር፤ ገለ ኣካውንትታት ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ናይ ስም ምቅይያር ዝገበሩ ኾይኖም፤ ተመሳሰልቲ ትሕዝቶ ዘለዎም መልእኽቲታት ኣብ ተመሳሰሊ እዋን ከወዓውዑ ጸኒሖም ኢሉዎም።

ነዞም ኣካውንቲታት ዝውንኑ ሰባት መንነቶምን ምትእስሳራቶምን ክሓብኡ'ኳ እንተፈተኑ፤ ብዝተወደበ መልክዕ ዝንቀሳቐሱን፡ ፌስቡክ ብዘካየዶ መርመራ፡ ምስ ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታ ኢትዮጵያ [ኢንሳ] ጥቡቕ ርክብ ከምዘለዎምን ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሓደ ካብ መስረትትን መራሕትን እቲ ኤጀንሲ'ዩ ነይሩ። እቲ ትካል ኣብታ ሃገር ንዘሎ መርበብ ሓበሬታ ብውሑስ ኣገባብ ንክሰርሕ ዓሊሙ ዝተጣየሰ እዩ።

ፌስቡክ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽእ ሰኑይ ሃገራዊ መረጻ ክተካይድ ኣብ እትዳለወሉ እዋን እዩ እዚ ሓበሬታ ዕላዊ ገይሩ ዘሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነዚ ዝተወሰደ ስጉምቲ ኣመልኪቱ ዛጊት ዝሃቦ ምላሽ የለን።

ፌስቡክ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ምስ'ቲ መረጻ ተዛሚዱ ስኑዕ ሓበሬታትን ናይ ጽልኢ ዘረባን ከይቃላሕ ከምዝገብር ኣፍሊጡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ፡ብዝሒ ዘለዎም ተጠቀምቲ ካብ ዝግልገልሎም ማሕበራዊ ሚድያታት፤ ፌስቡክ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ።