መረጻ ኢትዮጵያ 2021፡ ፈይስቡክ ንዝሓልፍ ግጉይ ሓበሬታታት ንምቁጽጻር ከምዝተዳለወ ሓቢሩ

ምንጪ ስእሊ, MUSTAFA FERHAT BEKSEN
ፌስቡክ ምስቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ዝካየድ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ ቅድሚን ድሕሪን መረጻ ሰላማዊ ኩነታት ንምፍጣር ብዝብል ኣብ ትሕዝቶታት ቁጽጽር ከምዝገብር ሓቢሩ።
እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ብግቡእ ኣብ ረብሓ ክውዕልን ናይ ጽልኢት ዘረባ ከይመሓላለፈሉን ዝቖጻጸር ኩለመዳያዊ ምድላው ከምዝገበረ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘዳለዎ ጽሑፉ ገሊጹ።
ካብ ሎምዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ መዓልቲ መረጻ ዝቕጽል፤ ከምኡ’ውን ኣብ መዓልቲ መረጻን ብድሕሪኡን ኣብ ዘለዉ መዓልታት ተፈጻምነት ዝህልዎም ሓደሽቲ መምርሕታት ኣብቲ ብዌብሳይቱ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣውጺኡ’ሎ።
እንታይ ምድላው’ዩ ገይሩ?
እቲ ምድላው ብፍላይ ኣብ ጽልኢታዊ ዘረባ፣ ጎንጺ ዘጓሃህሩ ትሕዝቶታትን ሕቡእ ፖለቲካዊ ጎስጓስ ኣብ ዘካይዱን ዘድሃበ’ዩ።
ብተወሳኺ ዝርግሐ ስኑዓት ዜናታት ንምግታእ፣ ኣብ ዲጂታል ዘሎ ግንዛበ ንምዕባይ ከምኡ’ውን ፖለቲካዊ ጎስጓሳት ብሕቡእ ዘይኮነስ ብቕሉዕ ንኽመሓለለፉ ኣብ ዝሕግዙ ጉዳያት ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ’ሎ።
ውጽኢታዊ ዝኾነ ስራሕ ንምስራሕ ከኣ ምስ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፣ ሲቪላዊ ማሕበራት ውሽጢ ዓዲ፣ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ወኪላት ፌስቡክን ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ዝርከቡ ነቲ ጉዳይ ዝፈልጡ ኣባላቱን ከምዝተዛተየ ሓቢሩ።
ኩነታት እታ ሃገር ንምፍላጥ ብዝብል ኣብ ኢትዮጵያ ምስዝርከቡ ሙሁራትን ዝምልከቶም ኣካላትን ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ዝርግሐ ስኑዕ ዜና፣ ጽልኢታዊ ዘረባን ተዛመድቲ ጉዳያትን ምርድዳእ ገይሩ’ሎ።
ንሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ካብ ዝገበሮም ምድላዋት ሓደ ማእከል ምርጫ [ኢሌክሽን ኦፕሬሽን ሰንተር] ምጥያሽ እዩ። ንፈለማ እዋን ተመሳሰልቲ ማእኽላት ዝኸፈተሉ እዋን ብ2018 ኣብ ኣሜሪካን ብራዚልን ከምዝነበረ ይዝከር።
እቲ ማእከል: ቅድመ መጠንቀቕታ ዝህቡ ኣካላት፣ ኪኢላታት ዳታ ሳይንስ፣ ሙሁራት ጉዳያት ፖሊሲን ሕግን ከምኡ’ውን ሰብ ሞያ ቴክኖሎጂ ከምዝሕዝ ተፈሊጡ።
እዚ ኸኣ ኣብ ኢትዮጵያ ብሃንደበት ክለዓል ዝኽእልን ብፌስቡክ ክዋዓዋዕ ዝኽእልን ዝኾነ ዓይነት ሓደጋ ወይ ጸገም ኣጠቓቕማ ብቕልጡፍ ንምቁጽጻርን ምላሽ ንምሃብን ዝሕግዝ’ዩ።
ቁጽጽር ጽልኢታዊ ዘራባ
ፌስቡክ ኣብ ዙርያ ጽልኢታዊ ዘረባ ጥቡቕ ክትትል ንምክያድ ምድላው ከምዝገበረ’ዩ ዝገልጽ። ንመንነትን ሃይማኖትን መሰረት ብምግባር ናዕቢ ከጓሃህሩ ዝኽእሉ ጽልኢታዊ ዘረባታት ብቕልጡፍ ካብ ገጹ ከምዝኣልዮም ኣጠንቂቑ’ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ነቶም ጽልኢታዊ ዘረባታት ዝምልከት ጥቆማ ካብ ተጠቀምቲ ክሳብ ዝበጽሖ ከይተጸበየ ብቐልጡፍ ክኣልየሉ ዝኽእል ቴክኖሎጂ እናፈተነ’ዩ።
እቲ ቴክኖሎጂ ነቶም ዘይእሩማት ትሕዝቶታት ፈልዩ ከውጽእ ዝኽእል ኮይኑ ኣምሓርኛን ኦሮሚኛን ዝርከብዎም ብ40 ቋንቋታት ኣገልግሎት እናሃበ ይርከብ።
ተዛረብቲ ቋንቋታት ትግርኛ፣ ኦሮምኛ፣ ሶማሊኛን ኣምሓርኛን ዝርከብዎም ኣብ ምምያ ትሕዝቶታት ዝሰርሑ 35 ሽሕ ሰራሕተኛታት ከምዝቖጸረ ኣብ መግለጺኡ ኣመልኪቱ።
ካብ መጋቢት 2020 ክሳብ መጋቢት 2021 ኣብ ዝነበረ እዋን ጥራይ ኣብ ኢትዮጵያ 87 ሽሕ ጽልኢታዊ ዘረባታት ከምዝኣለየ ኣዘኻኺሩ።
ቁጽጽር ስኑዕ ዜና/ሓበሬታ
መረጻ ኢትዮጵያ ክተኣጓጎል ዝገብሩ ትሕዝቶታት ወይ ጻውዒታት ዓመጽ ወይ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰባት ጥቕዓት ንኽፍጸም ዘናዓዕቡ መልእኽቲታት ብቕልጡፍ ክኣሊ ምዃ’ዩኑ ፌስቡክ ገሊጹ ዘሎ።
በቶም ንትሕዝቶታት ዝመምዩ መገዲታት ስኑዕ ምዃኑ ዝተፈለጠ ሓበሬታ ናብ ካልኦት ዝዝርግሓሉ ስፍሓት ከም ዝግደብ ክግበር’ዩ።
ተጠቀምቲ ፌስቡክ ግዚኡ ዝሓለፎም ወይ ካብ ካልእ ዝተወሰዱ ስእልታት ኣብ ዝጥቀሙሉ እዋን ነዚ ዝጥቁም ምልክት ናብ ተገልገልቱ ከምዘብጽሕ ቃል ኣትዩ’ሎ።
ሓደ ዓመትን ልዕሊኡን ዝገበሩ ስእልታት ዝጥቀሙ ዝዝርግሑ ሰባት እዚ መልእኽቲ ክበጽሖም ከምዝገብር ድማ ሓቢሩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







