ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ካብ መረጻ ኢትዮጵያ ንዓርሱ ኣግሊሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ግንባር ሓርነት ኦሮሞ [ኦነግ] ኣብቲ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ዝካየድ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ከይሳተፍ ከምዝተገበረ ኣፍሊጡ።
እቲ ብኣይተ ዳውድ ኢብሳ ዝምራሕ ፖለቲካዊ ሰልፊ ሕጹያቱ ከምዘየመዝገበ ወግዓዊ ገይሩ'ሎ።
ወሃቢ ቓል ኦነግ ኣይተ በቴ ኡርጌሳ ውድቦም ካብ ውድድር መረጻ ተገዲዱ ከምዝወጽአ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ኣይሳተፍን ዘይኮነስ ከይሳተፍ ተገይረ እዩ ዝብል ዘሎ ውድብና። መንግስቲ ብዝገብሮ ዘሎ ድፍኢት፣ ዓፈናን ክልከላን ምኽንያት ካብ ምርጫ ንኽተርፍን ሕጹያቱ ከየቕርብን ተገይረ እዩ ኢሉ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ታሕተዎት መሪሕነት ተኣሲሮም። ብቐጥታ ብሓይሊ ፖሊስ ዝተዓጸዉ ኣብያተ ጽሕፈትና ድማ 103 እዮም። ብናጽነት ናይ ምንቅስቓድ መሰልና ውሑስ ኣብ ዘይኮነሉ እዋን ተንቀሳቒስና ሕጹያት ክነቕርብ ኣይከኣልናን" ኢሉ።
መደብ ምዝገባ ሕጹያት ትማሊ እንተተዛዘመ'ኳ ዘቕረብዎም ሕጹያት ከምዘየለን ወሲኹ ተዛሪቡ።
ብኣይተ ኣራርሶ ቢቂላ ዝምራሕ ካልእ ክንፊ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ብወገኑ፤ ካብ ተሳትፎ ሃገራዊ መረጻ ምውጻእ ናይ ኦነግ ውሳነ ከምዘይኮነ'ዪ ዝዛረብ።
እቲ ጉጅለ ኣብ ውሽጢ እቲ ሰልፊ ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ተነጺሉ ዝወጽአ ምዃኑ ይፍለጥ።
ሕጹያቱ ከየመዝገበ እቲ መስርሕ ምዝገባ እንተተዛዘመ'ውን፡ ወሃቢ ቓል እቲ ጉጅለ ኣይተ ቀጄላ መርዳሳ ግን እቲ መዓልቲ ምዝገባ እንተዝናዋሕ ሕጹያት ንኸመዝግቡ ድልየት ከምዘለዎም ይገልጽ።
"ከምዚ ዓይነት ውሳነ ክመሓላለፍ ዝነበሮ ብሓበራዊ ኣመራርሓ እዩ። እቲ ኣቦ መንበር ንበይኑ - ሓንሳብ ናይ ስግግር መንግስቲ ይእውጅ፤ ናይ ኦሮሚያ ስግግር መንግስቲ ይብል፤ ኣብ መረጻ ኣይሳተፍን ይብል። እዚ ኩሉ ግን ሕጋውነት የብሉን። ስለዚ ንሕና ኣብዚ ውሳነ የለናሉን። ኣብ መረጻ ንምስታፍ ብዙሕ ጻዕሪ ገይርና ኢና። ሕዚ'ውን ንገብር ኣለና።"
ኣብ ሞንጎ መሪሕነት ኦነግ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ዘይምርድዳእ ከምዝተፈጠረ ክግለጽ ጽኒሑ'ሎ። ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ሞንጎ'ቶም መሪሕነት ንዝተፈጠረ ምክፍፋል ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መተሓሳሰቢ፤ ፍታሕ ንምምጻእ መሪሕነትን ኣባላትን ኦነግ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከካይዱ ጸዊዑ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ጉባኤ ክሳብ ሎሚ ኣይተኻየደን።
ውድብ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ - ኦፌኮ'ውን - ኣብ ሃገራዊ መረጻ ከምዘይሳተፍ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወግዓዊ ገይሩ ነይሩ። ክልቲኦም ሰልፍታት ኣብቲ ምርጫ ኣይንሳተፍን ምባሎም ከኣ ኣብቲ መረጻ ጽልዋ ከምዝህልዎ ብዙሓት ይገልጹ።
ገዛኢ እታ ሃገር ዝኾነ ውድብ ብልጽግና ግን፡ ውድባት ካብ ተሳትፎ ምርጫ ንነብሰን ዘግልላሉ ምኽንያት ዘእምን ኣይኮነን'ዩ ዝብል።
ሓላፊ ዓለምለኻዊ ርክባት ውድብ ብልጽግና ዶክትር ቢቂላ ሁሪሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "እቶም ዝቐርቡ ክስታት ኩሎም መሰረት ዘይብሎም'ዮም" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
"እዞም ተዓጽዮም ዝበሃሉ ዘለዉ ኣብያተ ጽሕፈት ከምኡ'ውን ተኣሲሮም ዝበሃሉ ሰባት ኣበየናይ ክልል፣ ኣበያናይ ዞባ፣ ወረዳን ከተማ ዝርከቡ እዮም ብዝብል ንዝተዳለወ ሓደ ጸብጻብ ናይ ምርኣይ ዕድል ረኺበ ነይረ። በዚ ኸኣ እቲ ክስታት መሰረት ዘይብሉን ካብ ሓደ ን50 ሚልዮን ህዝቢ ወኪሉ ክወዳደር ትጽቢት ዝግበረሉ ዓብዪ ውድብ ትጽቢት ዝግበር ኣይኮነን። ገሊኡ ክስታት ገበነኛታት ኮይኖም ዝተሓዙ ሰባት ክህልዉ ከለዉ 'እዚኦም ናይ እከለ ሰልፊ ኣባላት ስለዝኾኑ እዮም ተኣሲሮም' ዝብሉ ሓላፍነት ዝጎደሎም ጠቐነታት እዮም" ዝብል ምላሽ ሂቡ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







