መረጻ 2013፡ ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ 14 ሰነ ክካየድ ተወሲኑ

ምንጪ ስእሊ, Mustafa Ferhat Beksen
ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻ 14 ሰነ 2013 ዓ.ም ንክካየድ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ወሲኑ።
እቲ 28 ግንቦት 2013 ዓ.ም ክካየድ መደብ ወጺእሉ ዝነበረ መረጻ፡ ምስ ምዝገባ ካርዲ መረጻን ካልኦት ስራሕትን ብዝተሓሓዝ ኣብ ዝተሓሰበሉ መዓልቲ ክካየድ ከም ዘይክእል ብምግላጽ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክናዋሕ ከም ዝተወሰነ ይዝከር።
እቲ መረጻ ካብ ምምሕዳር ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ወጻእ ብኣቆጻጽራ ግእዝ 28 ግንቦት 2013 ዓ.ም ክካየድን፡ ኣብ ክልቲአን ከተማታት ድማ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ክኸውን ግዜ ሰሌዳ ወጺእሉ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ስለ ዘይተወገኑ እቲ መረጻ ኣብ ዝተሓሰበሉ መዓልቲ ንኸካይድ ከም ዝጽገም ኣፍሊጡ።
እቲ ቦርድ፡ ኣብያተ ጽሕፈት መረጻ ንምኽፋት መንግስታት ዝተፈላለያ ክልላት ዘርኣይዎ ምውሓድ ተገዳስነት፣ ምንዋሕ ምዝገባ ሕጹያትን ናውታት መረጻ ንምጉዕዓዝ ዘጋጠሙ ጸገማትን ብምህላዎም እቲ ምዝገባ መረጻ ንክናዋሕ ከም ዝገበረ ይፍለጥ።
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ክሳብ 4 ግንቦት 2013 ዓ.ም ኣብ ዘሎ ግዜ 36 ሚሊዮንን 245 ሽሕን 444 ሰባት ካርዲ መረጻ ከም ዝወሰዱ ገሊጹ።
ካብዚኦም እተን 16.6 ሚሊየን ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን፡ 19.5 ሚሊዮን ዝኾኑ ድማ ደቂ ተባዕትዮ እዮም።
እቲ ቦርድ ቅድም ኢሉ 50 ሚሊዮን ዜጋታት ካርዲ መረጻ ክወስዱ ከም ዝኽእሉ ግምት ሂቡ ነይሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ክልል ጋምቤላ፣ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ክልል ሶማልን ዓፋርን ልዕሊ እቲ ግምት ዝተገብረሉ ካርዲ ዝወሰዱ ሰባት ተመዝጊቦም ይብል ሓበሬታ እቲ ቦርድ።
ብኣንጻሩ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝተሓተ ምዝገባ መረጽቲ ተካይዱ ይብል።
ኣብ ትግራይ፡ ብምኽንያት እቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ንግዝኡ መረጻ ከም ዘይካየድ ዘዘኻኸረ ቦርድ መረጻ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ቀንዲ ተቓወምቲ ውድባት ኣብቲ መረጻ ከም ዝሳተፉ ኣፍሊጡ።
እቶም ውድባት ፖለቲካ፡ ተዓጽዮም ዝበሉዎም ኣብያተ ጽሕፈት ክኽፈቱ፣ ዝተኣሰሩ ኣባላቶም ክፍትሑን እቲ ፖለቲካዊ ምህዳር ክሰፍሕን ዘኽእል ሃገራዊ ምርድዳእ ክፍጠር ኣለዎ ክብሉ እንከለው፡ ብምኽንያት እቲ ዘሎ ሃዋህው ግን ኣብቲ መረጻ ከም ዘይሳተፉ ኣፍሊጦም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







