መረጻ 2013፡ 'ካብቲ ናይ ሎምዘበን መረጻ ብምውጻእና ኣይንጣዓስን'

ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና

ኣቦ መንበር ውድብ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና፡ ውድቦም ካብቲ ሎም ዘበን ዝካየድ ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ንዓርሱ ምግላሉ ''ኣየጣዕሰናን'' ኢሉ።

ካብ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ጀሚሩ ንልዕሊ 50 ዓመታት ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ክሳተፍ ዝጸንሐ ፕሮፌሰር መረራ፡ ውድቡ ፌደራሊስት ኮንግረስ ህዝቢ ኦሮሞ፡ ካብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ክካየድ ተተሊሙ ዘሎ መረጻ 'ብናይ መንግስቲ ጸቕጢ' ከም ዝወጽአ ይዛረብ።

ፕሮፌሰር መረራ፡ ውድቡ ካብቲ መረጻ ብዛዕባ ዝወጽአሉ መገድን ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዘሕለፎ ጉዕዞን ኣመልኪቱ ምስ ቢቢሲ ጻንሒት ገይሩ ኣሎ።

1px transparent line

'ብዘተ ሃገራዊ ምርድዳእ ምፍጣር ኣይተኽኣለን'

ውድብ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ካብቲ መረጻ ንምውጻእ ቅድሚ ምውሳኑ፡ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ምስቲ ገዛኢ ውድብን [ሰልፊ ብልጽግና] ዝተፈላለዩ ኣካላትን ዘተ የካይድ ከም ዝነበረ ፕሮፌሰር መረራ ይገልጽ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተረኸበሉ መድረኽ እቲ ሓደ ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ እንተኾነ እቶም ዝካየዱ ዝነበሩ ዘተታት ሃገራዊ ምርድዳእ ክፈጥሩ ኣይከኣሉን ኢሉ።

"መንግስቲ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝግበሩ ለውጢታት ብላዕለዋይነት ክመርሕ እዩ ዝደሊ። ንዕኡ ኣይትንክኡለይ'ዩ ዝብል። ነታ ሃገር ቀጺልና ንሕና ኢና እንመርሓ ካብ ዝብል ሕልሞም ክወጽኡ ኣይከኣሉን፤ ንሕና ድማ ዝተኣሰርናሉ፣ ዝተሳቐናሉ፣ ዓብዪ ዋጋ ዝኸፈልናሉን ደቂ ኦሮሞ ደሞም ዘፍሰስሉን ስርዓት ምልዋጥ'ዩ ድልየትና" ይብል።

ኣብ መንጎ ነታ ሃገር ዝመርሕ ውድብን ንሱ ዝመርሖ ኦፌኮን ዝተፈጠሩ ፍልልያት፡ ኣባላቶም ክእሰሩን ኣብያተ ጽሕፈቶም ክዕጸዉን ምኽንያት ከም ዝኾኑ እውን ይገልጽ፡፡

ፕሮፌሰር መረራ፡ "ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ዝተፈለየ ንመረጻ ዘድሊ ነገር የለን፤ ዝተመሓየሸ ነገር የለን'' እዩ ዝብል።

መረጻ ሰላም ክመጽእ፣ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክውለድ ምግባር ከምኡ ድማ ሰናይ ምምሕዳር ነጊሱ፡ እቲ ህዝባዊ ስምዒት ቁጠባ እታ ሃገር ናብ ምህናጽ ክሰጋገር ኣለዎ ኢሉ።

እቲ ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻ ነዞም ሰለስተ ነገራት እንተዘይ ኣማሊኡ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕዚ ዝካየድ ዝነበረ መረጻታት ዝፍኀየሉ ምክንየት የለን ዝብል መርገጺ'ውን ኣለዎ።

በዚ ምኽንያት እቲ ንሱ ዝመርሖ ኦፌኮ፡ ኣብዚ ናይ ሎምዘበን መረጻ ዘይምስታፉ ከም ዘየናስሖ ተዛሪቡ፡፡

ውድብ ብልጽግና ግና ገለ ውድባት ካብቲ ሃገራዊ መረጻ ንዓርሶም ንምግላል ዘቐረብዎም ምኽንያታት መሰረት ዘይብሎም እዮም ምባሉ ዝዝከር እዩ፡፡

''ካብ ፖለቲካ ናይ ምውጻእ ሓሳብ የብለይን''

ፕሮፌሰር መረራ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ካብ ቤት ማእሰርቲ እንትወጽእ፡ ንባዕሉ ካብ ፖለቲካ ንምርሓቕ ይደሊ ከም ዝነበረ ዝተዛረበ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን ግና ካብ ፖለቲካ ዓለም ንምውጻእ ዝኾነ ድልየት ከም ዘይብሉ ኣረጋጊጹ፡፡

''ካብ ፖለቲካ ንምውጻእ ተስፋ ክትቆርጽ ኣለካ፡፡ ካልኣይ ድማ፡ ይኣኽለኒ፤ ድሕሪ ሕዚ ብዙሕ ለውጢ ከምጽእ ኣይክእልን ክትብልን ናብ ካልእ ሰብ ከመሓላልፎ ይደሊ እየ ኣብ ዝብል ደረጃ ክትበጽሕን ኣለካ፤ ሐዚ እንትርእዮ ኣብቲ ደረጃ ንሱ ክበጽሕ ኣይከኣልን" ኢሉ።

ኣብዚ እዋን ንባዕሉ ካብ ፖለቲካ ከርሕቕ ከም ዘይደሊ ዝገልጽ ፕሮፌሰር መረራ ''ናይዛ ሃገር ቃልሲ ኣብ ማእከል መገዲ እዩ ዘሎ'' ይብል፡፡

ንሱ፡ ከም ኣባል ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ተዋሳኢ ዝኾነ ውድብ፡ ብደረጃ ክልል ኦሮምያን እታ ሃገርን ጽቡቕ ኣበርክቶ ከም ዝነበሮ ሓቢሩ፡፡

''ከም ተቓላሳይ ኣይከፍአንን፤ ክንድ'ዚ ዝኣክል እዋን ኣብ ቃልሲ ምጽንሐይ እንትሓስቦ ዘጣዕሰኒ ነገር የለን፡፡ ንምንታይ ንክንድዚ ዝኣክል ግዘ ኣብ ቃልሲ ጸኒሐ ኢለ እንትሓስብ ኣየጣዕሰንን፤ ክሳብ ሐዚ ናይ ዓቕመይ ኣበርክቶ እናገበርኩ እየ መጺአ''።

እቲ ፍርቂ ክፍለ ዘበን ዘቑጸረ ጉዕዞ ፖለቲካዊ ቃልሱ፡ ሩባ ከም ዘይተሳገረ እዩ ዝገልጽ መረራ ጉዲና፡፡

"ተቓላሳይ ነቲ ቃልሱ ሩባ ከሳግሮ ኣለዎ፤ እቲ ቃልሲ ግን ኣይተሳገረን፤ ትምኒት፣ ተስፋ፣ ሕልሚ ክንዮ እቲ ሩባ እዩ'' ይብል፡፡

ብዛዕባ ህንጸት ሪፐብሊክ ኦሮምያን ዲሞክራስያዊት ኢትዮጵያን

ቅድሚ ሕዚ ምስረታ ሪፐብሊክ ኦሮምያ ወይ ዲሞክራቲክ ኢትዮጵያ፡ ወይ ድማ ምስ ካልኦት ብሄር ብሄረ ሰባት ሓቢርካ ከም ሃገር ምቕጻል ዝብል ሓሳብ ኣብ መንጎ ምሁራት ኦሮሞ ኣፈላላይ ክፈጥር ጸኒሑ እዩ፡፡

ሐዚ እውን ካብ ዝተፈላለየ ኣንፈታት ይስማዕ እዩ፡፡

እዞም ኣብ መንጎ ምሁራት ኦሮሞቶት ዝረኣዩ ናይ ሓሳብ ፍልልያት፡ ድልየት እቲ ህዝቢ እናጎድኡ ነይሮም ዝብል ፕሮፌሰር መረራ ኣብዚ እዋን ግና እቶም ፍልልያት እናጸበቡ ምምጸኦም ይገልጽ፡፡

"ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ዝተረሓሓቑ ኣይኮኑን፡፡ ህዝቢ ኦሮሞን ምሁራት ኦሮሞን፡ ብኽልቲኡ መገዲ ህዝቢ ኦሮሞ ነጻ ምውጻእ ክሳብ ዝኸኣለ፡ ነቲ ሓሳብ ብኽልቲኡ መገዲ ክወስድዎ ዝተዳለዉ ይመስለኒ'' ይብል፡፡

ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፡ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ምምላሱ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ድማ "ኣብቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ህንጸት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክንሳተፍ ኢና ኢሎም እዮም መጺኦም፡፡ ሓሳባት እናተቐራረቡ መጺኦም ነይሮም፡፡ መንግስቲ ነቲ በሪ እንተዘይዓጽዎ ነይሩ፡ ነዊሕ ርሕቐት ምኻድ ምተኽኣለ ነይሩ'' ክብል ይገልጽ፡፡

መረራ ጉዲና መን እዩ?

ብኣቆጻጽራ ግእዝ 1948፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ፡ ቶኬ ኩታዬ ዝተወለደ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ፖለቲካ ጸኒሑ እዩ፡፡

ካብ ናይ ዘነበ ሃይለስላሰ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ጀሚሩ፡ ክሳብ ሎሚ ኣብ ፖለቲካ ርኡይ ብጽሒት ኣለዎ፡፡

ኣባል መኢሶን ብምንባሩ፡ ኣብ እዋን ደርጊ ሸውዓተ ዓመት ተኣሲሩ እዩ፡፡

ብፖለቲካል ሳይንስን ዓለም ለኻዊ ርክብን ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ቀዳማይ ዲግሪ ኣለዎ።

ካልኣይ ዲግሪ ድማ ብፖለቲካል ሳይንስ ኣብ ግብጺ ካብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኣመሪካ ረኺቡ፡፡ ሳልሳይ ዲግሪ ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ተማሂሩ፡፡

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ንብዙሕ ዓመታት ብመምህርነት ዘገልገለ ፕሮፌሰር መረራ፡ ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝምልከቱ መጻሕፍትን መጽናዕቲታትን ኣሐቲሙ እዩ፡፡

ብተወሳኺ፡ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞን ኮንግረስ ህዝቢ ኦሮሞን፡ ኣብዚ እዋን ድማ ፌደራሊስት ኮንግረስ ህዝቢ ኦሮሞ መሪሑ እዩ፡፡

ፕሮፌሰር መረራ ፡ ኣብ 1997 ዓ/ም ኣብ ዝተኸየደ መረጻ ስዒሩ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምእታው ንሓሙሽተ ዓመታት ኣገልጊሉ ምንባሩ ይዝከር፡፡