መረጻ 2013፡ ክልል ሃረሪ ንሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ከምዝኸሰሰ ኣፍሊጡ

ካብ ክልል ሃረሪ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝቕመጡ ተወለድቲ ብሄረሰብ ሃረሪ ኣብ መረጻ ጉባኤ ሃረሪ ክሳተፉ ኣይኽእሉን ዝብል ውሳነ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ተቓዊሙ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝወሰዶ ክልል ሃረሪ ኣፍሊጡ።
ኣብ ክልል ሃረሪ ምክትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውድብ ብልጽግና ኣቶ ዓብዱልሃኪም ዑመር ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ “ሕጋዊ መገዲ ኣይተኸተለን፣ ሕጊ ጥሒሱ’ዩ” ብዝብል እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝወሰዶ ሓቢሩ።
ቅድሚ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ምውሳዱ፡ ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 'ናብቲ ቦርድ ዝለኣኽኩምዎ ሰነድ ፊርማ ዘይብሉን ፍትሓውን ስለዘይኮነን ቅቡል ኣይኮነን' ኢሉ ጥርዓን ከምዘቕርበ እቲ ሓላፊ ገሊጹ።
ድሓረ ግን እቲ ባይቶ ነቶም ሰነዳት ክታም ኣንቢሩ’ኳ ናብ ቦርድ መረጻ እንተለኣኸ እቲ ውሳነ ስለዘይተዓረየ ናብ ቤት ፍርዲ ክወስድዎ ከምዝተገደዱ ሓቢሩ።
ቤት ምኽሪ ክልል ህዝቢ ሃረሪ፣ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ክልላዊ መንግስቲ ሃረር ኮነ ውድብ ብልጽግና እቲ ክልል ካብ ሃረር ወጻኢ ዝነብሩ ተወለድቲ ሃረር ናይቲ ክልል ቤት ምኽሪ ኣባል ንዝኾነ ብሄራዊ ጉባኤ ሃረር ንኽመርጹ ንሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ክልል ሃረር ዓንቀጽ 50 ቁጽሪ 2 “ኣባላት ብሄራዊ ጉባኤ ክልል ሃረሪ ኣብ ውሽጢ ክልል ሃረርን ካብቲ ክልል ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝቕመጡ ተወለድቲ እቲ ክልል ይምረጽ” ካብ ዝብል ሓሳብ ተተርኢሱ ከምዝኾነ ኣቶ ዓብዱልሓኪም ገሊጹ።
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ሕቶ ክልል ሃረር ብመሰረት ሕገ መንግስቲ መርሚሩ ካብ ክልሎም ወጻኢ ዝቕመጡ ተወለድቲ ሃረር ኣብቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝካየድ መረጻ ይሳተፉ ዝብል ውሳነ ውድቂ ከምዝገበረ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ 1 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ብሄራዊ ጉባኤ ክልል ሃረር ብወገኑ፡ ሚያዝያ 3 ኣብዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ውሳነ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ከምዘይቕበል ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
“ቦርድ መረጻ እዚ ናይ ምውሳን ስልጣን የብሉን” ዝበለ ኣቶ ዓብዱልሓኪም ቤት ምኽሪ ስግግር መንግስቲ ንዝወሰኖ መንግስቲ ከም ምኽንያት ብምጥቃስ ብሕጊ ዝተወሰነ ጉዳይ’ዩ ይብል። ናይ 1987 ውሳነ ቤት ምኽሪ ስግግር መንግስቲ ኣብዘይተሳዕረሉን ሕገ መንግስቲ እቲ ክልል ብንጹር ንዘቐመጦ ጉዳይ “ተጻሪርካ ውሳነ ምሃብ ካብ ሓደ ዓብይ ትካል ዘይትጽበየዮ’ዩ” ኢሉ።
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ብወገኑ ብሄራዊ ጉባኤ ሃረር ካብ እቲ ክልል ወጻኢ ብዝቕመጡ ደቂ ሃረር ይምረጽ’ዩ ዝብል ውሳነ ብዓንቀጽ ሕገ መንግስቲ ከምዘይተደገፈ እዩ ዝገልጽ።
ኣቶ ዓብዱልሓኪም “ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 5 መረጻታት ይኸተሎ ንዝነበረ ጉዳይ እዩ ኣፍልጦ ከሊኡ" እንተበለ'ኳ፡ እቲ ቦርድ ግን ከምኡ ዝብል መምርሒ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ከምዘይረኸበ እዩ ዝገልጽ።
ኣብ ኢትዮጵያ ተምሃሮ ዩኒቨርሲትን ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ሃገርን ኣብ በብዘለውዎ ቦታ ኮይኖም ክመርጹ ይኽእሉ እዮም።
ኣብ ካልኦት ሃገራት’ውን እንተኾነ ዜጋታት ኣብ ኤምባሲታቶም ከይዶም ዝመርጽሉ ኩነታት ኣሎ።
ቤት ምኽሪ ክልል ሃረር ካብ ጉባኤታት ተወከልቲ ህዝብን ብሄራዊ ጉባኤን ዝተዋቐረ ኮይኑ ብድምር 36 ኣባላት ዝሓዘ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







