ሙዚቃ፡ ኣብ ሰሙናት ልዕሊ ሰለስተ ሚሊየን ሰባት ዝርኣዩዎ ዲሽታግና

ታሪኩ

ምንጪ ስእሊ, NAHOM RECORDS INC FB

እዚ፡ ብኽያት ህጻናት፣ ሓዘን ኣዴታት፣ ቑዛመ ኣቦታት ኣብ ዝበርትዐሉ እዋን፡ ሃንደበት ዝመጽአ ጻውዒት ፍቕሪ'ዩ።

ካብ ንኡሽቶ ክሳብ ዓብዪ ነዚ መልእኽቲ ከስተማቕሮ ተራእዩ።

ኣብዚ ሓያሎ ተስፋ ዘቑርጽ ኩነታት ዘለወሉ እዋን ኮይኖም ዝሰምዑዎ ሰባት፡ እንታይ ኣለዎ እዚ መልእኽቲ ምትሕልላይ ናብ ባይታ እንተዝወርድ ኢሎም ተመንዮም።

እዚ ኹሉ ብዛዕባ ዲሽታግና እዩ። ዲሽታግና ሓድሽ ንጽል ዜማ ድምጻዊ ታሪኩ ጋንኪሲ'ዩ።

ኣብ ዩትዩብ ካብ ዝዝርጋሕ ሰለስተ ሰሙን ኣቑጺሩ።

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ግን ልዕሊ ሰለስተ ሚሊየን ሰባት ርእዮምዎ። ብዙሓት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ተቐባቢሎምዎ።

ዲሽታግና

ዲሽታግና፡ መለወጢ በዓል ወይ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዞባ ደቡብ ኦሞ ናይ ዝርከብ ብሄረሰብ ኣሪ'ዩ።

ሓቢርና ንብላዕ፣ ሓቢርና ንስተ፣ ዝተጻልኡ ነተዓርቕ፣ ንዘይብሎም ንሃብ፣ ንተሓጋገዝ ዝብል ትርጉም ከኣ ኣለዎ።

እዚ በዓል፡ "2 ኣዋርሕ ብድኻም፣ ብሓጎስን ሓዘንን ኣሕሊፍና። ሕጂ ድማ 12 ኣዋርሕ ንቕድሜና ይጽበየና ኣሎ። ስለዚ፡ ተጻሊእና ዘይኮነ ተፋቒርና፣ ብሰላምን ምትሕግጋዝን ነሕልፎ" ዝብል መልእኽቲ ዝስበኸሉን ብግብሪ ዝርኣየሉን በዓል'ዩ።

ታሪኩ፡ ነዚ ሙዚቃ ክሰርሕ ክብገስ እንከሎ ማሕበር ልምዓት ኣሪ ስሒቡ ኣዘራሪቡዎ'ዩ።

"እዚ ንበይንና ጥራሕ ካብ ዝኸውን ካልእ ሰብ'ውን ይፍለጦ" ኢሉ እቲ ማሕበር ከም ዘዘራረቦ ዝገልጽ ታሪኩ፡ እቲ ሙዚቃ'ውን ከም ባህሊ እቲ ሕብረተሰብ ተሓጋጊዞም ከም ዝሰርሑዎ ይዛረብ።

ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ጂንካ ገብሬ ይንቲሶ'ውን፡ እቲ ሙዚቃ ብምእራም ሓጊዙዎ'ዩ።

"ተጋግየ ከይኸውን ዝብል ስግኣት ነይሩኒ፤ ፖለቲካ ከይኸውን'ሞ ከይጠፍእ ኢለ ሰጊአ ነይረ" ይብል።

ድምጻዊ ታሪኩ፡ ነዚ ሙዚቃ ክሰርሕ እንከሎ ውሽጣዊ ስምዒቱ ንምምላእ እምበር ክንድዚ ዝኣክል ቕቡልነት ክረክብ'የ ዝብል ግምት ኣይነበሮን።

"ኣነ ንባዕለይ'የ ገሊጸሉ፤ ግን ህዝቢ ኢትዮጵያ ፍቕሪ ይደሊ ነይሩ" ይብል።

ታሪኩ፡ "ወዲ ሰብ ክሰርሕ እንከሎ'ዩ ዝረክብ እምበር ሒዝናዮ ዝመጻእና ነገር የለን፤ እንወስዶ ነገር'ውን የለን። ብህይወት ክሳብ ዝሃለና ግን ስለ ምንታይ ንጻላእ? ክብል ይሓትት።

ሓቁ'ዩ፤ ስለ ምንታይ ኢና ንጻላእ?"

ነዚ፡ እቲ ድምጻዊ ክልተ ምኽንያታት የቐምጥ። ዓርሰ ፍትወትን ፈሪሃ እግዚኣብሄር ምስኣንን'ዮም።

"ናብዛ መሬት ጥራሕ ኢድና ኢና መጺእና፤ ክንምለስ እንከለና'ውን ከምኡ" ዝብል ታሪኩ፡ "ዓርሱ ዝፈቱ ጸቢብ'ዩ ዝኸውን፤ ሰብ ይጸልእ፣ ካብ ሰብ ይርሕቕ" ብምባል ይገልጽ።

"ኣነ'ኳ ነዛ ሙዚቃ ምስ ሰራሕኹ 'ንስኻ ጀማሪ ኢኻ፤ ካብ መን ትበልጽ?' ኢሎም ንሞራለይ ዝነኽኡ ሰባት ኣለው" ዝብል ታሪኩ፡ ብህይወት ክሳብ ዝሃለና ስለ ምንታይ ተፋቒርና ዘይንነብር ይብል።

ነዚ ከኣ ኣብ ገለ ተለላታት፡ 'ባቢሎን ምስ በታተነና፡ ሓቃዊ ፍቕሪ ስኢንና ተሪፍና' እናበለ ኣብታ 'ሕደማ' ዝተሰምየት ሙዚቃ ገሊጹዎ ኣሎ።

እዚ ሙዚቃ፡ ጽቡቕ ተቐባልነት እንተረኸበ'ውን ንሱ ዝረኸቦ ኣታዊ ግን ኣብዚ እቶ ዝብሃል ከም ዘይኮነ ይዛረብ።

"እቲ ሙዚቃ ዝተሸጠሉ ዋጋ ኣብ ሚዲያ ምዝራብ ንሰባት ከቐይም'ዩ" ብምባል ግን እቲ ኣሃዝ ካብ ምጽራሕ ተቖጢቡ።

ይኹን'ምበር "ንኡሽቶ ገንዘብ እያ፤ ብጣዕሚ'የ ሓዚነ" ኢሉ።

ንምዃኑ፡ ታሪኩ ጋንኪሲ መን'ዩ?

ካብ ዞባ ደቡብ ኦሞ ከተማ ጂንካ ጣብያ በርቃ'ዩ ተወሊዱ። ወተሃደር ኮይኑ ኣብ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ተሳቲፉ።

ንሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክነበር እንከሎ፡ ግዳም ሓደርን መዓልታዊ ሰራሕተኛን ኮይኑ ናብርኡ ይደፍእ ነይሩ።

"ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ቅርሺ ይኽፈለኒ ነይሩ" ዝብል ታሪኩ፡ ናብርኡ ንምምሕያሽ ዘይሰርሖ ስራሕ ከም ዘየለ ይዛረብ።

ጸኒሑ ብስክሌትን ጆተንን የካሪ ነይሩ። እንተኾነ፡ ህይወት ብኸምዚ ክትቕጽል ስለ ዘይትኽእል ተመሊሱ ናብ ጂንካ ከይዱ ብሕርሻ ክመሓደር ጀሚሩ።

"ናብራ በረኻ ጽቡቕ'ዩ፤ ጫካ ኣይዛረብን፣ ኣይጻረፍን፣ ካበይ መጺእኻ ኣይብልን። ኣነ ኸኣ ኣብኡ'የ ዝነብር። እቲ ቖጽሊ'ውን መድሃኒት'ዩ" ዝብል ታሪኩ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓሙሽተ ቖልዑትን'ዩ።

ብሄረሰብ ኣሪኸ?

ደቡብ ኦሞ፡ ሓደ ካብ ዞባታት ክልል ህዝብታት ደቡብ'ዩ። ኣብ ውሽጡ ዝተፈላለየ ባህሊ፣ ቋንቋን መነባብሮን ዘለዎም 16 ብሄር ብሄረሰባት ኣለው።

ብሄረሰብ ኣሪ ሓደ ካብኣቶም'ዩ።

እዚ ብሄረሰብ ካብ መፋርቕ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ መለወጢ ዓመት ወይ ሓድሽ ዓመት ምኽባር ይጅምር።

ብኣቆጻጽራ እቲ ብሄረሰብ ናይ መጀመርታ ወርሒ ተገይሩ ዝቑጸር ታሕሳስ'ዩ።

ሓደ ታሕሳስ፡ ሓድሽ ዓመት እቲ ብሄረሰብ ኮይኑ፡ ዲሽታግና ይብሃል።

ኣቆጻጽራ ዘመን እቲ ብሄሰረብ ከኣ 'ሎንጋ' ተባሂሉ ይጽዋዕ።