ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተሓተሙ ድምጺ መውሃቢ ወረቐት ጉድለታት ረኺበ ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, NATIONAL ELECTORAL BOARD OF ETHIOPIA
ብሄራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ን54 ክልላት መረጻ ኣብ ዝተሓተሙ ድምጺ መውሃቢ ወረቓቕቲ ዝተፈላለዩ ጉድለታት ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።
እቲ ቦርድ ትማሊ ረቡዕ 2 ሰነ 2013 ዓ.ም [ከም ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ምስ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ኣብ ዝተዘራረበሉ እዋን ነዚ ጸገም ከምዘፍለጠ ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ኣብ ሕትመት እቲ ድምጺ መውሃቢ ወረቐት ኣጋጢሞምኒ ዝበሎም ጸገማት ድማ ነቶም ፖለቲካዊ ውድባት ገሊጹ።
ጉድለታት ዝተረኸቦም ወረቓቕቲ ደጊሞም ክሕተሙ ከምዝግበር ኣካቢት ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ብርቱኳን ሚዲቅሳ ተዛሪባ።
ኣብ ዓፋር 6፣ ኣምሓራ 11፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ 2፣ ጋምቤላ 3፣ ኦሮሚያ 2፣ ደቡብ ብሄርብሄረሰባትን ህዝብታትን 15፣ ሶማሌ 14 ከምኡ’ውን ድሬዳዋ 1 ክልል መረጻ ናይ ድምጺ መውሃቢ ወረቐቶም ንኻልኣይ ጊዜ ከምዝሕተም ተመልኪቱ።
ነቶም 54 ክልላት መረጻ ዳግም ዝሕተሙ ድምጺ መውሃቢ ወረቓቕቲ ክሳብ’ቲ መረጻ ዝካየደሉ መዓልቲ 14 ሰነ ንምብጻሕ ክግበሩ ኣብ ዘለዎም ስራሕቲ ብዝምልከት ውድባት ፖለቲካ ሓሳብ ክህቡሉ ተሓቲቶም’ዮም።
እቶም ውድባት ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ፡ እቶም ወረቓቕቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክሕተሙ ምግባር ብቐዳምነት ዘቕረብዎ ሓሳብ ኮይኑ፡ ኣብቶም ክልላት ዝካየድ ምርጫ ምስቶም ካብ 14 ሰነ ደንጉዩ ዝካየደሎም ከባብታት ክካየድ ምግባር ዝብል ድማ ካልኣይ ርእይቶኦም ኮይኑ’ሎ።
እቲ ቦርድ ኣብቶም ኣብ እዋን ምዝገባ መረጽቲ ጸገማት ኣሰራርሓ ዝተርኣየሎምን ምጽራይ ክግበር ዝተወሰነሎምን ቦታታት ኣብቲ መዓልቲ መረጻ ከምዘይካየድ ኣፍሊጡ’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







