ምርጫ ኢትዮጵያ 2021፡ ነጻን ርትዓውን ክኸውን ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜን ብኵናትን ዓጸቦን ከምኡ’ውን ኣብ ሞንጎ ዓበይቲ ብሄራት ግጭታት እናበኣሰ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን 21 ሰነ 2021 ሻዱሻይ ሃገራዊ ምርጫ ከተካይድ እያ።
እቲ ምርጫ፡ ኣብ መጀመርታ ነሓሰ 2020 ክካየድ እኳ መደብ እንተነበረ ብሰንኪ ስግኣት ኮቪድ-19 እዩ ተናዊሑ።
ኣድመጽቲ 547 ኣባላት ባይቶ ክመርጹ እዮም፡ መራሒ እታ ዝተዓወተት ሰልፊ ኸኣ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን እዩ።
ኢትዮጵያ ሓሙሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ 2015 እያ ኣካይዳ ነይራ።
ንምንታይ እዩ እዚ ምርጫ ኣዝዩ ወሳኒ ኮይኑ?
እዚ ምርጫ እዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአን ነቲ ቅድሚኡ ይካየድ ነይሩ ዝበሎ ዶቖሳ ክኣልዮ ምዃኑ ቃል ምስ ኣተወን እዩ ዝካየድ ዘሎ፡ እንተኾነ ብዛዕባ ቅንዕና እቲ ምርጫ ድሮ ምዕዝምዛማት ክስምዑ ጀሚሮም ኣለዉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣንጻር እቲ ብህወሓት ዝተዓብለለ ገዛኢ ሰልፊ ዝነበረ ኢህወደግ ተቃውሞታት ምስ በርትዐ’ዩ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን መጺኡ።
ኣንጻር ብልሽውና ከምዝቃለስ ቃል ብምእታው ኸኣ እሱራት ፖሎቲካ ፈቲሑ፤ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ሚኒስተራት መዚዙ፤ ቅድሚኡ ዘይነበረ ሚኒስትሪ ሰላም መስሪቱ ብዓቢኡ ነቲ ድሕሪ እቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዝተኻየደ ዶባዊ ኵናት ኢትዮ-ኤርትራ ዝነበረ ልዕሊ ዕስራ ዓመታት ዘቁጸረ ሃዋሁው ኣይ ሰላም ኣይኵናት ኣርጊእዎ።
ድምር ናይዚ ኹሉ ኸኣ ኣብ 2019 ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ኮይኑ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ናይ ሽልማቱ ኸኣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይ ሃገሩ ምስ እትርከብ ክልል ትግራይ ኣብ ኵናት ተጸሚዱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ገዛኢ ሰልፊ ዝኾነ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰሜን እዚ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰራዊት ፌዴራል መጥዕቲ ፈጺሙ ብምባል እዩ እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣዊጅዎ።
እቲ ሻሙናይ ወርሒ ሒዙ ዘሎ ኵናት ጠንቂ ሞት ኣሽሓት ሰለማውያን ሰባት ክኸውን እንከሎ፡ ኣብታ ክልል ብዙሓት ሰባት ንዓጸቦ ተቃሊዖም ከምዘለዉ እዩ ዝግለጽ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሓደ ካብ ጠንቂ ምስሕሓብ ኣብይ ኣሕመድን መራሕቲ ህወሓትን ምድንጓይ ናይ ምርጫ እዩ ነይሩ፡ ህወሓት፡ ኣብይ ኣሕመድ ምርጫ ብምንዋሕ ስልጣኑ የናውሕን የውሕስን ኣሎ ብምባል ዕድመ ስልጣኑ ኣብ መስከረም 2020 ከምዘብቐዐ ብምግላጽ ኣብቲ ክልል በይናኣዊ ምርጫ ብምክያድ ምስ ኣብይ ኣሕመድ ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም።
ስለዚ ትልሚ ኣብይ ኣሕመድ እንታይ እዩ?
ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ነቲ ካብ 1991 ጀሚሩ ዝመርሕ ዝነበረ ጥምረት ናይ ኣርባዕተ ሰልፍታት ዝኾነ ሰልፊ ኢህወደግ በቲንዎ።
ኣብ 2015 ኣብ ዝተኻየደ ሓሙሻይ ሃገራዊ ምርጫ ንኹሉ ሰድያታት ዝተዓወተሉ ኢህወደግ ኣብቲ ምርጫ ድመጺ ሰሪቑ ተባሂሊ ብሰፊሑ ይኽሰስ እዩ።
ኣብይ ኣሕመድ ንሰልፊ ኢህወደግ ብምድስካል ሓዲሽ ብልጽግና ዝሰመዮ ሰልፊ መስሪቱ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብይ ኣሕመድ ሓደ ሰልፊ ምህላው ንሃገራዊ ሓድነት ከምዘጎልብቶን ነቲ ዘሎ ዓሌታዊ ግርጭታት ከምዘልዝቦን እዩ ዝገልጽ።
እንተኾነ ነቲ ዘሎ ዓሌታዊ ግጭታትን ፍልልያትን ኣቃልቦ ዘይምሃብ ሓድሕድ ምኵርራይ ከምዘዕርግን እቲ ስልጣን ካብ ህዝቢ ኣሕዲግካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ ከምዝኹመር ምግባር’ዩ ተባሂሉ ይንቀፍ።
ህወሓት ነቲ ሓዲሽ ሰልፊ ብልጽግና ከምዘይጽንበርዎ ብኣግኡ እዮም ኣፍሊጦም፡ እዚ ኸኣ ሓደ ካብ ቀንዲ ምስ ኣብይ ኣሕመድ ምስሕሓብ ዝፈጠረሎም ክስተት እዩ።
እተን ንኢህወደግ ኣቑመን ዝነበረ ካልኦት ሰለስተ ሰልፍታተ ግን ምስ ሰልፊ ብልጽግና ተጸንቢረን።
ዝኾነ ተቃዋሚ ሰልፊኸ ኣሎዶ?
ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ልዕሊ ኣርባዓ ዝኾና ሰልፍታት ሕጹያተን ኣመዝጊበን ከምዘለዋ እዩ ዝገልጽ፡ እንተኾነ እተን ዝበዝሓ ኣብ ክልል ጥራይ ዝወዳደራ ሰልፍታት እየን።
ኣቲ ቦርድ ልዕሊ 9,000 ሕጹያት ተመዝጊቦም ከምዘለዉን እዞም ሕጹያት ኣብ ፈደራላውን ክልላውን ምርጫ ዝወዳደሩ ምዃኖምን፡ ኢትዮጵያ ካብ ዘካደቶ ምርጫታት እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ ዝበዝሑ ሕጹያት ዝተመዝገብሉ ምዃኑን ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እንተኾነ ብዙሓት ተቃወምቲ ሰልፍታት፡ ከም ድላዮም ምድላዋት ከይገብሩ መንግስቲ ዕንቅፋታት ከምዝፈጠረሎም እዮም ዝገልጹ።
ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝርከቡ ሰልፍታት ነቲ ምርጫ ከምዘይቅበልዎ ብኣግኦም ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ኣብ ክልል ኦሮምያ ሓደ ካብ ጸለውቲ ሰልፍታት ዝኾነ ግምባር ሓርነት ኦሮሞ፡ ላዕለዎት ሓለፍቱ ስለዝተኣሰሩን ብዙሓት ኣብያተ ጽሕፈቱ ብመንግስቲ ስለዝተዓጸወን ካብቲ ምርጫ ከምዘንሰሓበ ኣብ ወርሒ መጋቢት ብወግዒ ምሕባሩ ዝዝከር እዩ።
ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፡ ኣብቲ መቦቆል ኣብይ ኣሕመድ ዝኾነ ክልል ኦሮምያ ብዙሓት ሰዓብቲ ዘለዉዎን ሓደ ካብ ዝገደሙ ሰልፍታት እዩ።
ጃዋር መሓመድ ዝርከቦ፡ ፈደራላዊ ኮንግረስ ኦሮሞ’ውን (OFC) ብተመሳሳሊ ምኽንያት ካብቲ ምርጫ ከንሳሕብ ከምዝተገደደ ኣብ ወርሒ መጋቢት ብወግዒ ኣፍሊጡ።
እቲ ሰልፊ ከም ጃዋር መሓመድ ዝኣመሰሉ መራሕቱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘለዉ እዩ ዝሕብር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ክልል ትግራይ ኣዝዩ ዓብላሊ ዝኾነ ሰልፊ ህወሓት’ውን ብመንግስቲ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ተባሂሊ ተገሊጹ እዩ።
ገለ ካብ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ኸኣ ኣንጻር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ደባይ ውግእ ኣብ ምክያድ እዮም ዝርከቡ።
ብርሃኑ ነጋ መራሒ ሰልፊ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ’ዩ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምረጫ ኸኣ እቲ እንኮ ከም ተቃዋሚ ሰልፊ ኾይኑ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝወዳደር ሕጹይ እዩ።
ብርሃኑ ነጋ ኣብ 2005 ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ ተመሪጹ ነይሩ እዩ፡ እንተኾነ ዓወቱ ብህወሓት ተሰሪዙ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
21 ኣዋርሕ ምስ ተኣሰረ ግን ብጸቅጢ ማሕበረሰብ ዓለም ተፈቲሑ ካብ ኢትዮጵያ ወጺኡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ሓደ ዩኒቨርስቲ መምህር ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ፡ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ኸኣ ዳግማይ ናብ ኢትዮጵያ ብምምላስ ፖሎቲካዊ ምንቅስቃስ ከካይድ ጀሚሩ።
ብርሃኑ ነጋ ሓደ ካብ መስረትቲ ሰልፊ ግንቦት 7 ኮይኑ፡ እዚ ሰልፊ እዚ ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካየድ ዝነበረ እዩ።
ሰልፊ ግንቦት 7፡ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ግን ‘ዲሞክራስያዊ ተስፋታት ኣሎ ብምባል’ ኣብ ወርሒ ሰነ 2018 ብረቱ ብምውራድ ሰለማዊ ቃልሲ ከካይድ ወሲኑ።
እቲ ምርጫ ኣብ ኩሉ ክፋላት ኢትዮጵያ ድዩ ክካየድ?
ኣይፋሉን!
ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ኵናት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ብዓወት ከምዝዛዝሞ’ኳ እንተገለጸ፡ እቲ ምርጫ ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣብታ ክልል ኣይክካየድን እዩ።
እታ ክልል ኣብዚ ሕጂ እዋን ብመንግስቲ ብዝተመዘዘ ግዝያዊ ምምሕዳር’ያ ትመሓደር ዘላ።
ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ እቲ ንትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ንቦርድ ምርጫ ዝኸውን ኣብያተ ጽሕፍት ምስ ኸፈተ እቲ ምርጫ ንምክያድ ውጥን ከምዘውጽእ ንሮይተርስ ሓቢሩ ነይሩ።
ብዘይካ ኣብ ትግራይ ኣብ መላእ እታ ሃገር ናይ 54 መድመጺ ዞባታት’ውን እቲ ምርጫ ንድሕሪት ተሳሒቡ ኣብ 6 መስከርም ክካየድ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።
እቲ ቦርድ፡ መድመጺ ወረቐት ከምዝሓጸሮ’ውን ይገልጽ እዩ።
ብሓፈሻ ካብተን 547 መጽመጺ ዞባታት ብሰንኪ ሎጂስቲካዊ ሕጽረትን ናይ ጸጥታ ስግኣትን ኣብተን 78 መድመጽቲ ዞባታት ምርጫ ኣይክካየድን እዩ።
ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ብዙሓት ቦታታት ዓሌታዊ ግጭታት ክብእስ እዩ ተራእዩ።
እዚ ዘሎ ግጭታት ኣብዚ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ምርጫ ዓቢ ዕንቅፋት ከይፈጥር ኸኣ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።
ልክዕ ከምቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፡ ሰራዊት ፈዴራል ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን’ውን ንዘሎ ዓሌታዊ ግጭታት ንምብርዓን ኣብ ዓቢ ግድል እዩ ተጸሚዱ ዘሎ።
ኣብ ምዕራብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዘሎ ፈኸም ዝብል ግጭታት’ውን ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ጥራይ ጥንቂ ሞት ኣማኢት ሰባት ክኸውን ክኢሉ እዩ፡ እቲ ረስኒ ናይቲ ግጭት ነቲ ዝካየድ ምርጫ ከይሽልብቦ ንምቁጽጻር ኸኣ ሓደ ነብሱ ዝኸኣለ ዕዮ ገዛ እዩ።
እዚ ምርጫ፡ ኣብ ገለ ክልላት ናይ ይግብኣኒ’ዩ ሕቶታት ንኽብኣኣስ ምኽንያት ኮይኑ እዩ።
ቦርድ ምርጫ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ 98 ናይ መድመጺ ዞባታት ስግኣት ናይ ድሕነት ከምዘሎ ብምግላጽ፡ እቲ ጠንቂ ከም ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ዝኣመሰላ ክልላት ጸጥታ ናይቲ ከባቢ ኣየውሓሳን ብምባል ይኸሰን።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እቲ ምርጫ ነጻን ርትዓውን ክኸውን ድዩ?
ኣብ ወርሒ ግንቦት ሕብረት ኣውሮጳ እቲ ምርጫ ‘ስምምዕን መዐቀኒታትን ዝጎደሎ’ዩ ኽኸውን’ ብምባል ተዓዘብቲ ጉጅለ ከምዘይልእኽ ኣፍሊጡ።
ሕብረት ኣውሮጳ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ምርጫ ብርትዓዊ መንገዲ ከምዝካየድ ዘእምን ነጥብታት ኣየቕረበን ብምባል ክኸስስ እንከሎ፡ ንድሕነቶም ብምባል ናብ ኢትዮጵያ ንኸእትውዎ ዝሓተትዎ ናይ ጸጥታ መራኸቢታት ከይኣቱ ተኸልኪልና ብምባል ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ምርጫ ዘለዎም ምጥርጣራት ይገልጹ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ንመግለጺ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ “ምርጫ ኢትዮጵያ ዋጋ ንኽውሃቦ እቲ ሕብረት ዝህቦ ርእይቶ ኣገዳስነት ይኹን ኣድላይነት የብሉን” ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ሓደ ጉጅለ ሰኔታራት ኣመሪካ፤ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ጸጥታ ጸገማት እቲ ምርጫ ክናዋሕ ሓቲቶም ነይሮም።
ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ እቲ ምርጫ ንሕጊ ኢትዮጵያን ንዓለምለኻዊ መዐቐንን ዘማልአ ገይሩ ንምክያድ ይጽዕር ከምዘሎ እዩ ዝግልጽ።
ኣካቢት እቲ ቦርድ ዝኾነት ቡርቱካን ሚደቅሳ “ሕጂ ዓበይቲ ለውጥታት ምግባርን ንውህደት፤ ተኣማንነት፤ ስፍሓትን መዓልትን እቲ ምርጫ ክጸልዎ ይኽእል’ዩ” እያ ትብል።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ 50 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ንኸድምጹ ክምዝገቡ’ኳ ትጽቢት እንተነበረ፡ ልዕሊ 37 ሚልዮን ሰባት ጥራይ ከምዝተመዝገቡ እዮም ሰብ መዚ እቲ ቦርድ ዝሕብሩ።
ብመሰረት ካብቲ ቦርድ ተዋሂቡ ዘሎ መግለጹ፡ ውጽኢት ናይ ነፍሲ ወከፍ መድመጺ ዞባ ድሕሪ ምርጫ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ክሕበር እዩ፡ ድምር ናይ ኩሉን ናይ መወዳእታን ውጽኢት ኸኣ ድሕሪ ምርጫ ኣብ ዘለዎ 23 መዓልታት ብወግዒ ክሕበር እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







