ቅልውላው ትግራይ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳባት ከምዝፈጸመ ነበርቲ ሓቢሮም

ምንጪ ስእሊ, AC
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ክልተ ከባብታት ደብዳብ ድሮንን ነፈርትን ከምዝፈፀመ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።
መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ እቲ ደብዳብ ድሮን ኣብ ከተማ መቐለ 'ዲያስፖራ' ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ሲቪላት ዝነብርሉ መንበሪ ኣባይቲ፡ ናይ ንጉሆ ሰዓት 3፡00 (9፡00) ከምዝተፈፀመ ገሊፆም።
እቲ ናይ ድሮን ቦምባ ኣብ ዝባን ናሕሲ ብምዕላቡ፡ ክልተ መንበሪ ኣባይቲ ከምዝዓነዉ ተዛሪቦም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ቲ ናይ ሎሚ ደብዳብ ብወግዒ ዝሃቦ ምላሽ የለን።
ኣብዚ ጉዳይ ሕቶ ዘቕረብናሉ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)፡ ብዛዕባ እቲ ደብዳብ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ንቢቢሲ ገሊፁ።
ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣይተ ገዛኢ መድሕን፡ በቲ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ፡ ኣብ ከባቢ ዲያስፖራ መንበሪ ገዝኦም ካብ ዝዓነዎም ግዳያት ሓደ እዩ።
"እዚ ከባቢ ዲያስፖራ ሰላማዊ ሰብ ዝነብረሉ እዩ። ኣብዚ ከባቢ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ የለን። ሰላማውያን ሰባት እንከለና እዩ መፅዩ ደብዲቡና። 27 ዓመት ዘጥረናዮ ንብረት እዩ ብሓደ ግዘ ኣውዲምዎ ዘሎ። ምስ ስድራይ ኣብ ታሕታዋይ ክፍሊ እቲ ህንፃ ስለዝነበርና ብሂወት ተሪፍና። ንብረትና ኩሉ ግን ሙሉእ ብሙሉእ ዓንዩ እዩ" ኢሉ።
በዓልቲ ቤት ኣይተ ገዛኢ፡ ሓራስ ከምዝኾነትን፡ እቲ ደብዳብ ድሮን ኣብ ዝፍፀመሉ ምስ ደቃ ኣብ ሳሎን ከምዝነበረትን በቲ ኩነታት ኣዝያ ከምዝሰንበደትን ገሊፃ።
"ምስ ደቀይ ኣብ መረባ ቁርሲ እናበላዕና ኢና ኔርና። ኣየር መፅያ፡ ኣየር መፅያ ምስ በላኒ፡ ንዕነ ናብ ውሽጢ ንእቶ ኢልና ናብ ውሽጢ ገዛ ኣቲና። ምስ ኣተና ኣብ ገዛና ደብዲባትና''።

ምንጪ ስእሊ, AC
ዛጊድ በቲ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ኣብ ህይወት ሰብ ዝበፅሐ ጉድኣት ምህላዉ ኣይተረጋገፀን።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ፡ "ኣብ ከተማ መቐለ ሲቪላት ኣብ ዝነብርሉ ከባቢ ደብዳብ ድሮን ፈጺሙ" ክብል ብዓርቢ ብመገዲ ትዊተር ገሊፁ።
ቢቢሲ ካብ መሰኻኽር ዓይኒ ካብቲ ቦታ ዝረኸቦም ስእልታት፡ መሳኹትን ዚንጎን መንበሪ ኣባይቲ ከምዝነደዱን ከምዝፈረሱን ርእዩ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ካብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብታ መንበሪ ልዕሊ ፍርቂ ሚልየን ህዝቢ ዝኾነት ከተማ መቐለ ሓያሎ ደብዳባት ኣየርን ድሮንን ከካይድ ምጽንሑ ይፍለጥ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ኣብ ርእሰከተማ ትግራይ ዝገብሮ ተደጋጋሚ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ንመሰልጠኒ ህወሓት ዒላማ ከምዝገብር እዩ ዝገልፅ።
ካልኣይቲ ምስክር ዓይኒ ድማ በቲ ደብዳብ ኣብ ንብረተን እኳ ዕንወት እንተውረደ፡ ንርእሰን ንስክላ ከምዝተረፋ ገሊፀን።
"ንስለ ተሪፍና. . . ሕዚ እንተበኸና፡ ፅባሕ ንሕጎሰሉ ግዘ ኣሎ፡ እዚ ፀበባን ጭንቅን ሓሊፉ ክወግሕ እዩ። ዝዓነወ ንብረት ብገንዘብ ዝትካእ እዩ" ኢለን።
ድሕሪ እቲ ኣብ ሰዓታት ናይ ንጉሆ ኣብታ ከተማ ዝተፈፀመ ደብዳብ፡ ሰዓት 12፡30 ናይ ቀትሪ ኣቆፃፅራ ግእዝ ንካልኣይ ደብዳብ ካልኣይቲ ኣንቶኖቭ ከምዝመፀትን፡ ኣብ ከተማ መቐለ ከባቢ መገዲ ሳምረ ከምዝደብደበትን ምንጭታት ቢቢሲ ገሊፆም።
እንተኾነ ግን ኣብ ሂወት ሰብ ዝበፅሐ ጉድኣት ከምዘየለን እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ሓቢሮም።
እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐፀለ ኲናት ኣብ ዝተጉሃሃረሉን ኣንፃር ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ክልልን ዝዋግኡ ዘለው ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይግስግሱ ከም ዘለው ኣብ ዝግለፀሉን እዋን፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ንሰራዊቱ ብቐረባ ንምምራሕ ናብ ግንባር ክኸይድ ምዃኑ ምግላፁ ይዝከር።
እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐፀለ ኲናት፡ ህይወት ኣሽሓት በሊዑ፣ ጠንቂ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ፣ ሚልየናት ካብ መረበቶም ኣመዛቢሉን ተፀበይቲ ህፁፅ ሰብኣዊ ረዲኤት ኮይኖም ኣለው።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







