ኤርትራ ኣምባሳደራት ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ነበር ንዝሃብዎ ርእይቶ “ግጭት ዘሳውር’ዩ’ ክትብል ነጺጋቶ

ምንጪ ስእሊ, EMBASSY OF THE STATE OF ERITREA
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ፡ ነቲ ኣምባሳደራት ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ነበር ብዛዕባ ግጭት ዝጸሓፍዎ ናይ ሓባር ቅሉዕ ደብዳበ "ግጭት ዘሳውር'ዩ" ክብል ገሊጽዎ።
ኣብቲ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ ኤርትራ ንመሬታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ስግኣት ፈጢራ ከምዘላ ዘስምዕ ምዃኑ "ቅንዕና ዝጎደሎ'ዩ" ኢሉዎ።
"ዋላ'ኳ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ዝሃብዎ ዘይሚዛናዊ ርእይቶ ክንዛረብ ዘይንደሊ እንተኾንና፡ ኣብቲ ኣብ ደብዳቢኦም ብዛዕባ ኤርትራ ዝበልዎ ቶኽታዂን ካብ ሕማቕ ሕልናን ዝነቐለ ጠቐነ ዝተሰምዓና ቁጠዐ ክንገልጽ ክንግደድ ኢና" ይብል እቲ ሎሚ ዝወጸ መግለጺ።
እቶም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኩነተ- ኵናት ኣብ ዝነበረሉ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣምባሳደራት፡ ምስቲ ብዓብላልነት ህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወጊኖም ኣንጻር ረብሓ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ዝደገፉን'ዮም ክብል'ውን እቲ ኤምባሲ ግብረመልሲ ሂቡ።
ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት ኣርባዕተ ነባራት ኣምባሳደራት ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኩነታት ትግራይ ከምዘሻቐሎም ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝጸሐፍዎ ቅሉዕ ደብዳበ ገሊጾም ነይሮም።
ኣብቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሪፖርተር ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ መጽሄት ዝወጸ ቅሉዕ ደብዳበ፡ "ብዛዕባ ህላወ ወታሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዝወጹ ጸብጻባት ከምዝተሻቐልናን፡ እዚ ድማ ንመሬታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ክውድቖ ይኽል'ዩ" ኢሎም።
ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ትማሊ ረቡዕ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "ወታሃደራት ኤርትራ ብህጹጽ ካብ ትግራይ ክውጽኡ" ከምዝጸወዐ ኣረጋጊጹ ነይሩ።
እቲ ንቢቢሲ ዝተዋህብ መግለጺ፡ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ደብዳብ ከቢድ ብረት ኣካይዱ ክኽውን ከምዝኽእልን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብኤርትራ ኣቢሉ ኣብ ክልል ትግራይ ከምዝኣተወን ጠቒሱ።
"ዝምታ፡ ጾታዊ ጎነጽ፡ ኣብ ልዕሊ መዓስከራት መጥቃዕቲ ምፍጻምን ካልኦት ምግሃስ መሰላትን ይፍጸሙ ከምዘለዉ ዝገልጹ እሙናት ጸብጻባት ኣብ ግምእት ብምእታዉ፡ ወታሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ ከምዘለዎም ኣመሪካ መርገጺኣ ኣነጺራ'ያ" ይብል ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ንቢቢሲ ብጽሑፍ ኣብ ዝሃቦ መልሲ።
"ወተሃደራት ኤርትራ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ካብ ትግራይ ከምዝወሰዱ'ውን ጭብጢ ኣሎ" ኢሉ።
እንተኾነ ግን፡ "ኣብ ትግራይ ዘለዉ ወታሃደራት ኤርትራ ክንደይን ኣብይን ከምዘለዉ ብንጹር ኣይፍለጥን" ኢሉ።
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መጀመርታ እዋናት ናይቲ ግጭት፡ ወተሃደራቱ ኣብ ክልል ትግራይ ኣትዮም ይዋግኡ ኣለዉ ንዝብል ክሲ ነጺግዎ’ዩ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዲና ሙፍቲ እውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ግጭት ተሳቲፉ'ዩ ዝብል "መሰረት ዘይብሉ ፕሮፖጋንዳ'ዩ" ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።
ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ "እዚ ከምዚ ዓይነት ዘረባ እቲ ግጭት ዞባዊ መልክዕ ንምትሓዙን ምትእትታው ንምዕዳምን ተዓጢቖም ዝበልዎ እዩ" ክብል ተዛሪቡ።
እቶም ኣምባሳደራት፡ ነቲ ጎንጺ ብቐረባ ከምዝተኸታተልዎን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ምምዝባሎም ከምኡ'ውን ተጸበይቲ ርድኤት ምዃኖም ከምዘተሓሳስቦም'ውን ኣብ መልእኽቶም ጠቒሶም።
እቶም ኣርባዕተ ኣምባሳደራት፡ ዴቪድ ሺን፣ ኡሬሊያ ብራዜለ፣ ቪኪ ሃድልስተንን ፓርቲሺያ ሃስላችን ካብ 1996 ክሳብ 2016 ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣምበሳደራት ኮይኖም ዘገልገሉ እዮም።
ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰንኪ እቲ ኣብ 1998 ዝተወልዐ ዶባዊ ኲናት ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብ ኩነተ-ኵናት ድሕሪ ምጽንሐን ኣብ መስከረም 2018 "ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን" ምፍራመን ይዝከር።
ዋላ'ኳ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታተን ናብ ንቡር ክመልሳ እንተኸኣላ፡ ዛጊት እቲ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን።
ዶባት ክልቲአን ሃገራት ንሓጺር እዋን'ኳ ተኸፊቶም እንተነበሩ፡ ክሳብ ሕጂ ተዓጽዮም ይርከቡ።
እቲ ብ4 ሕዳር ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝተወልዐ ኵናት፡ ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ምፍንቓል ኣስዒቡ ይርከብ።
ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብኦም ኣብ ሱዳን ክዕቆቡ እንከለዉ፡ ልዕሊ 2.2 ሚልዮን ድማ ኣብቲ ክልል ተፈናቒሎም ይርከቡ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







