ኣመሪካ ሰራዊትን ሓላፊ ጸጥታን ዝርከብዎም ሰበስልጣንን ትካላትን ኤርትራ እገዳ ኣንቢራ

ባንዴራ ኤርትራን ኣመሪካን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣመሪካ፡ ምስ ቅልውላዉ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ዝርከቦም ትካላትን ላዕለዎት ሰብመዚን ኤርትራ እገዳ ከምዘንበረት ኣፍሊጣ።

ክፍሊ ገንዘብ ኣመሪካ ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ነማርያምን ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝኾነ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወት ወልደኪዳንን እቲ እግዳ ከምዝግበረሎም ጠቒሱ።

ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ገዛኢ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ)፡ ከምኡ'ውን እቲ ብህግደፍ ዝውነኑ ዓቢ ንግዳዊ ኮርፖረሸን ቀይሕ ባሕሪን ማዕከን ሕድርን ኣብቲ እገዳ ኣትዮም ዘለዉ ትካላት እዮም።

"ኩሉ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ንብረትን ረብሓታትን" ናይቶም ኣብቲ ዝወጸ እገዳ ዝተጠቕሱ ኣካላት "ተዓጽዩ" ከምዘሎ እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣመሪካ፡ ኣቐዲማ'ውን ኣብ ልዕሊ ጠቕላሊ-ሓለቓ-ስታፍ ሰራዊት ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልድዮሃንስ ተመሳሳሊ እገዳ ኣንቢራ ምንባራ ይዝከር።

"ኣብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላዉ" ኢድ ዘለዎም ትካላትን ውልቀሰባትን ብምዃኖም እቲ እገዳ ከምዝተገብረሎም'ውን ክፍሊ ገንዘብ ኣመሪካ ገሊጹ'ሎ።

"ሓይልታት ኤርትራ፡ እቲ ግጭት ካብ ዝጅመር ኣትሒዞም ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ጃምላዊ ቅትለት፡ ዝምታን ጾታዊ ዓመጽን ፈጺሞም" ክብል እቲ ውሳነ ከሲሱ።

ብወገን ኤርትራ ብዛዕባ'ዚ ናይ ሎሚ ስጉምቲ ኣመሪካ ዝተዋህበ ግብረመልሲ'ኳ እንዘየለ፡ ነቲ ሓይልታታ ኣብ ትግራይ ፈጺሞሞ ዝብሃሉ ግፍዕታት ግን ብተደጋጋሚ ክትነጽጎ ጸኒሓ'ያ።

ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምስላፍ ኣብቲ ኲናት ምስታፎም ይፍለጥ። ኣብ ፈለማ ወርሒ ሰነ ሓይልታት ኤርትራ፡ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ክወጹ ከምዝጀመሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ መንግስቲ ኤርትራ ንፖሊሲ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ክነቅፍ ጸኒሑ'ዩ።

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ'ውን፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን ተመሳሳሊ እገዳታት ኣንቢሩ ነይሩ'ዩ።

ነቲ ዝቕጽልዎ ዘለዉ ኲናት ደው እንተዘየቢሎም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓት እገዳ ከምእተንብር'ውን ኣመሪካ ኣጠንቂቓ'ላ።

"ኩሎም ወገናት ናይቲ ግጭት ብዘይ ቅድመ-ኩነት ናብ መኣዲ ዘተ ክመጹ ኣለዎም። ተጻብኦታት ንምቁራጽ ርኡይ ገስጋስ እንተዘይሃልዩ፡ ሕቡራት መንግስታት [ኣመሪካ] ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ተወሳኺ ስጉምትታት ክትወስድ ድልውቲ'ያ ዘላ" ይብል እቲ ብዓርቢ 12 ሕዳር ዝወጸ መግለጺ።

ብ17 መስከረም ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ምስ ሰብኣዊ ቅልውላውን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ርክብ ኣለዎም ኣብ ልዕሊ ዝተባህፈሉ ወገናት እገዳ ክግበር ዘኽእል መምርሒ ፈሪሙ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝለሓመን ይፍለጥ።

ኣብቲ ኲናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግለጽ። ኩሎም ወገናት ግፍዕታትን ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ።

ተቓወምቲ ሓይልታት ትግራይ ንኣገደስቲ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ድሕሪ ምቁጽጻሮም ኣብቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወስድ መስመር እትርከብ ከተማ ከሚሰ ምስ ሓይልታት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ተራኺቦም ኣለዉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምትሓዝ ደሴን ኮምቦልቻን፡ ህዝባዊ ክተት ብምእዋጅ ኣብታ ሃገር ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ'ሎ።

እቲ ግጭት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ኩነታት ዓጸቦን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ'ሎ።